2016-11-05 16:08:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዘይተገዳስነት ምስናፍ፡ ተመዛበልትን ዑቕባ ሓተትን ስደተይናታት ምእንጋድ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ዕለት 4 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘተሓሳሰቡን ምትሕብባርን ሓልዮትን ፍሉይ ናይ ዕዮ ቀንዲ ዕማም ክኸውንን እዚ ድማ ነቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለየ ሰብ ሰርሖን ተፈጥሮ ኣምጸኦን ሽግራት ተደሪኾም ንዝስደዱን ዝመዛበሉን ምእንጋድን እተን ዘእንግዳ ሃገራት እቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝመጹለን ሃገራት ሰላም ክረኽባን ዜጋታተን ብሰላም ዝንብርሉ ሃዋሁ ክፍጠረሎም ኣብ ምስፋሕ ሰላም ክዓያ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቶ ኣፍሊጦም።

ሓደ ሃገር ንበይኑ ነቲ ብዘይድላይ ንስደትን ምዝብልናን ዝድርኽ ሕንክሮ በዲሁ መፍትሒ ክረኽበሉ ይከኣሎ ዶ? ዝብል ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ኣቕሪቦም ኩሉ ኣብ ሓልዮትን ክንክንን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክተግህን ዘይተገዳስነትን ሸለልተይናነትን ነቲ ካባይ ዝተፈልየ ካልእ ምፍራሕ ዝኣመሰሉ ዝምባለታት ከነሰንፍ ይምዕዱ። ቅዱስነቶም ነዚ መልእኽቲ እንከመሓላልፉ እቲ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝተዋጽኡ ስደተይናታት ምስልን ብዛዕባ ጸኣት ስደትን ተመዛበልንቲ ዝትርኽ  ኣቃልቦ ዝምስጥ ብተንቀሳቓሲ ኣሳእል ዝተቐረጹ ምስልታት ይረአዩ ከምዝነበሩ ዝሓበሩ ጂሶቲ ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ኣቦና ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ጭቡጥ ታሪኽ ስደተይናታት ጽባሕ ናተይ ክኸውን ዝከኣል እዩ። እቲ ካልእ እንክብሉ ሰብ ነፍሲ ወከፍና ጽባሕ ክንኮኖ ዝከኣል እዩ ቢሎም ሃገራት ዓለም ዝመዛበሉን ዝስደዱን ከእንግዳን ኣብ ደገፎምን ሕንጸቶም ክተግሃ ኣብ ዝብል ናይ ጸሎት ሓሳብ ኩሉ ክሓብር እምሕጸን ከምዝበሉ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስለ ስደተይናታን ተመዛበልትን ሓደራ ንጸልይ ነእንግዶም እንክብሉ ክምሕጸኑ እንከለዉ ኩሉ ከምዝፈልጦ ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት መፍትሒ ክረክብን ከይረክብን ናይ ኩሉ ሓላፍነት ምዃኑን በቐጥታትን ብተዘዋዋርን ንስደትን ምዝብልናና ዝዳርጉ ምኽንያ ተሓተቲ ከምዝዀንና ዘይሕባእ ሓቂ ምዃኑ እዩ ዝገንዝብ፡ ነት ሓቂ ከምዘየለ ጌርካ ብዘይምግዳስ ኩነት ክትሓፎ ዝከኣል እዩ። ሓቅነቱ ከተዕብርን ከምዘየለ ክተግብሮ ግና ዘይከኣል እዩ። እዚ ከምዝ ኢሉ እንከሎ ዕለት 3 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ባህረ ሚድትራኒያ ስደተይናታት ዝጓዕዙለን ዝነበራ ነኣሽቱ ጀላቡ ብዘጋጠመን ናይ ማዕበልን ንፋስን ጸፍዒ ምኽንያት 239 ስደተይናታት ከዝጠሓሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት ካብ ዝሃብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ እንከሎ ብዛዕባ እዚ ጉዳይዚ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣልያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዛዕባ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ጃካርሎ ፐረጎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይውዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና 2016 ዓ.ም. ውሽጢ ልዕሊ 4 ሺሕ ስደተይናታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ናይቲ ናይ ሞት ሓደጋ ምኽንያት ናይ ከባቢ ኣየር ኸውን ዝከኣል እዩ ኰይኑ ግና ማንም ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓብይ ሓላፍነት ዝተቐመጡ ኣካላት ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ኣይክእሉን። እቶም ካብ ውግእን ጥምየን ካልእ ጸገማት ሃገሮምን ንብረቶምን ዛሕዚሖም ብጀካ ስደትን ዑቕባን ምሕታት ካልኣ ኣማራጺ ዘይብሎም ብሕጋዊ መገዲ ካብቲ ድነ ሞት ነኸምልጡ ሕጋዊ መዋጽኦ ምፍጣር ዝከኣል ክነሱ ስሌኦም ዘይምግዳስ ልሙድ እናዀነ ንናይ ገበን ጉጅለታት ተሓላሊፎም ክወሃቡ ይረአይ ኣሎ። እዚ ካብቲ ንስደትን ምዝብልናን ዝዳርግ ጸረ ሰብኣዊ ምኽንያት ዝመዓራረይ ሽግር እዩ። ስለዚህ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዝግደስ ዝተዋደን ስሩዕን ናይ ድጋፍ ውጥን የድሊ። እዚ ድማ እቶም ስደተይናታት ከይመጹኻ በራትካ ንምዕጻው ዝድግፍ ዘይኰነስ እቲ ብዘይ ድላይካ ንኽትስደድ ዝንውንው ምኽንያት መፍትሒ ክርከበሉ ዘኽእል መደባት ዘማእከለ ክኸውን ኣለዎ፡ ከምቲ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኤውርጳ ዝረአይ ዘሎ በራትካ ምዕጻው መፍትሒ ኣይኰነን። ድኽነትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእን ዓመጽን ዝአመሰሉ ዓበይቲ ንሞትን ማህሰይትን ስደትን መከራን ዝዳርጉ ምኽንያት ብሔራውን ዓለም ለኻውን መድረኻት መፍትሒ ክደለየሉ ይግባእ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ጻውዒት ድማ ነዚ ዓለም ለኻዊ ሓላፍነት ዘበራብር እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.