2016-11-03 15:53:00

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስን ሉተራንን ብሓባር ኣብ ጐድኒ ድኻታት


ዕለት 31 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሽወደን እቲ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ እተሰምየ ማሕበርን ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ሉተራን ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ማሕበር ኣብ ጎድኒ ድኻታት ብሓባር ክዓዩ ዝብል ምስቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሽወደን ምብጻሕ ተተሓሒዙ ዝተኻየደ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ኣብ ዓለም ሰላምን ፍትሕን ንምርግጋጽን ክንክን ንተመዛበልትን ስደተይናታትን ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ኣብ ምንቕቓሕን ብሓባር ከዓዩ ዝብል ሓሳብ እውን ዘማእከለ ምዃኑ እንክዝከር፡ ብዛዕባ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ኣመልኪቶም ኣብቲ ናይ ስምምዕ ክታም ናይ ምንባር ስነ ስርዓት ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ወኪሎም ዝተረኽቡን ክታሞም ዘንበሩን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሚካኤል ሮይ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ስምምዕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተረኽብሉ ኩነት ዝተኻየደ እዩ። ስለዚህ ንገዛእ ርእሱ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ንሓድነት ኣሚቱ ንዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ጭቡጥ ምልክት ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ናይ ሓባር ስምምዕ እዘን ክልተ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝገብርኦ ናይ ምሉእ ውህደት ጉዕዞ ዘሰንይ ምልክት ክኸውን እንከሎ እዚ ድማ ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝፈጸምክዎ ንስኻትኩም ድማ ንሓድ ሕድኩም ከምኡ ግበሩ ዝብል ንዝጸምኤን ዝዓረቐን ዝተሓበሰብ ዝሓመመን ዝተበደለን ዘቐድም ጐይታ ዘማእከለ እዩ። ስለዚህ ነቲ ንናይ ሓድነት ጉዕዞ ዘበራትዕ እዩ። ስብከትናን ምስክርነትናን እውነት ዘብሎን ተኣማንነቱ ዘበራትዕ እውን እዩ ምስ በሉ፥ ኣስዒቦም እቲ ሰናይ ናይ ሓባር ድላይ ብቓል ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ግብረ ሰናይ ክትርጎም ብሓባር ክንዓይን ናይ ሓባር ክርስትያናዊ ምስክርነት ከነቕርብ ዝድርኽን እዩ፡ ኣብ ሓልዮት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዝምልከት መዳይ ኣብቲ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን እተገልግለሉ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ክዋሳእን ኣብቲ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዘገልግለሉ ድማ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ክትሓብር ዘብቕዕ ናይ ሓባር ስምምዕ እዩ። ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ ሰላምን ዕርቅን ፍትሕን ኣብ ምንቕቓሕን ተልእኾ እውን ክተሓባበራ ዝድርኽ ናይ ሓባር ውሳኔ እዩ።  ክልተ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ሓደ ግብረ ሰናይ ከጠምራ እዚ ድማ እቲ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ግብረ ሰናይ ማሕበራት ድምጺ ዘበርትዕን ኣብዚ መዳይ መንግስታት ዓለም ዘተሓባብርን ድኻታት ዘማእከለ ፖለቲካን ኤኮኖምን ክኸውኑ ዘነቓቕሕ ስምምዕ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.