2016-11-02 16:54:00

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ሽውደን


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  ዓለምለኸ ሉተራዊት ቤተ ክርስትያን  ሽወደንን  መንግስቲ ሽወደንን ንዝኽረ መበል 500 ዓመት ሉተራዊ ተሐድሶ ዝገበሩሎም ዕድመ መሰረት ዕለት 31 ጥቅምቲ 2016 ረፍዲ  ንሽወደን  ከተማ ማልመ  ከምዝተጓዕዙ ይፍለጥ።

ቅዱስነቶም ምስ ዘስነይዎም ብጹዓን  ካርዲናላትን ጳጳሳትን ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ  ምስ በጽሑ ናይ መንግስቲ ሽወደን ቀዳማይ ሚኒስተርን ናይ መንግስቲ ላዕሎዎት ሰበ ስልጣናትን ናይ ሃይሞኖት መራሕትን ብድሙቅ አገባብ ተቀቢሎምዋም። እዚ  ንመበል  500 ዓመት ሉተራዊ ተሐድሶ  ንምዝካር  አብ ሽውደን ዝጀመርዎ  ሐዋርያዊ  ጒዕዞ መበል 17 ዑደት ሐዲሽ ምዕራፍ ክርስትናን  ንኤኩመኒዝም  ንሐድነት ክርስትያን  ፍሉይ  አስተዋጽኦ  ከም ዝህልዎ  ይምለክት ።

ከምቲ ዝዝከር  ሉተራዊትን ካቶሊካዊትን አብያተ ክርስትያናት ነነዊሕ  ዘበናት ብጠንቂ’ቲ ቅድሚ  500 ዓመታት  አብ ሞንጎኤን   ዝተፈጥረ  ምፍልላይ   ንነዊሕ ዝበናት  ከም ዘይተቃደዋን   ቅድሚ 50  ዓመታት ግን  ዝተ ሕድሕድን   ምቅርራብን ከም ዝጀመራ  ይፍለጥ።

አብ ሞንጎ  ካቶሊካዊትን ሉተራዊትን  አብያተ ክርስትያናትን  ዘሎ  ርክብ  ጽቡቅ ከም ዝኾነ  ክምልከት  እንከሎ እዚ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  አብ ሽውደን ትማሊ  ዝጀመርዎን ሎሚ ዝዛዘምን ሐዋርያዊ ዑደት”ዚ  ንሐድነት ክርስትያን  ዓቢ  አስተዋጽኦ  ከም ዝህልዎ  ምሁራን ሥነ መለኮት  ገምጊሞም።

እዚ  ከምዚ ኢሉ እንከሎ  ር.ሊ.ጳ  ፍራንቸስኮስ   አብ  ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ  ከተማ ማልመ  ምስ ናይ  መንግስቲ ሽውደን  ቀዳማይ  ምኒስተር  ስታፋን ሎቨን  ብብሕቲ  ምስ ናይ ባህልን ዲሞክራስን ምኒስተር አሊቸ ባብ ኩቡንከን ተራኺቦም   ሐሳብ  ንሐሳብ ተለዋዊጦም ።

ር. ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ መዕረፍ ነፈርቲ ማልመ ናብቲ ዘዕርፍሉ ቦታ ናብቲ ኢጎሎሳ ዝተባህለ ቦታ ከም ተጓዒዞም።

ብድሕሪ’ዚ ፍርቂ መዓልቲ  ናይ መንግስቲ ሽወደን  ቀዳማይ ሚኒስተር  ስታፋን ሎቨን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብቲ አብ ከተማ ሉንድ ዝርከብ ግራንድ ሆተል  ምሳሕ ዓድሞሞም አብቲ  ብቀዳማይ ምኒስተር ዝተግበረ  እንግዶተ ምሳሕ  ናይ ቅድስቲ መንበር አውራ ጽሐፊ ብጹዕ ካርዲናል  ፒየትሮ ፓሮሊን ፕረሲዳንት  ጳጳሳዊ  ቤት ምኽሪ  ሐድነት ክርስትያን ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ምክትል አውራ ጽሐፊ ቅድስቲ መንበር ብጹዕ አቡነ አንጀሎ በቹ  አብ ሽውደን  ናይ ቅድስቲ  መንበር ሐዋርያዊ  እንደራሴ ብጹዕ አቡነ ሄንሪክ ጆሰፍ ናውኪ አወሀሀዲ ሐዋርያዊ  ዑደት ሽውደን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አባ ፈደሪክ ኤማኑኤልሶን   ከም ዝተሳተፉ ተፈሊጡ አሎ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ድሕሪ ምሳሕ ናብቲ ዘዕርፍሉ ቦታ ንከተማሉንድ ቤተ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ ንኢገሎሳ ተመሊሶም።

ከተማ ሉንድን  ኡፕሳላን አብ  ሰሜናዊ  ርእሰ ከተማ ዝርከባ ጥንታውያን ከተማታት ሽወደን ከም ዝኾና ይፍለጥ። 

ድሕሪ ሐጺር ዕረፍቲ ክአ ንንጉሳውያን ቤተ ሰብ ናይ ክብሪ ምብጻሕ ከካይዱ ናብቲ አብ ከተማ ሉንድ ዝርከብ  ንጉሳዊ አዳራሽ  ተጓዒዞም  ንጉስ ካርል ጉስታቭን ንግስቲ ሲልቪያን  ተቀቢሎሞም  ድሕሪ  ሐጺር ርክብ ክአ  ካብቲ አዳራሽ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ 100 ሜትር ርሒቁ ዝርከብ  ካተድራል ሉንድ አሰንዮሞም።

እዚ አብ ከተማ ሉንድ ዝርከብ ካተድራል አብ ሞንጎ 1085-1145 ዓመተ ምህረት ዝተሀንጸ ጥንታዊ  ካተድራል  ከም ዝኾነ ክምልከት ከሎ  Lutheran  World  Federation  ዓለም ለኸ  ሉተራዊ  ፈዴረሽን  አብ ከተማ ሉንድ   ብ1947  ከም ዝተመስረተ ይዝከር።

ቅዱስ አቦና  ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንቸኮስ  ብንጉሳውያን ቤተ ሰብ  ተሰንዮም  ካተድራል ሉንድ ምስ  በጽሑ  ናይ ሽወደን ቤተክርስትያን ሊቀ ጳጳሳት  አንቸ ያከለንን ናይ ርእሰ ከተማ ስቶክሆልም ካቶሊካዊ ጳጳስ  ብጹዕ አቡነ አንደርስ አርቦረልዩስ ብውዕዉዕ አገባብ ተቀቢሎምዎም።

አብ ውሽጢ  ካተድራል  ሉንድ ክአ ናይ ሃይማኖትን መንግስትን ወኪላት ብዙሐት ምእመናን አብ ዝተረክብሉ   ናይ ሐባር ኤኩመኒካዊ  ንሐድነት ክርስትያን  ሥርዓተ ጸሎት  ተኻይዱ ።

ፕረሲደንት ዓለም ለኸ ሉተራዊ ፊዴረሻን  ጳጳስ ሙኒብ ዩናን አብ ካተድራል ሉንድ ቀዲሶም  ቅዱስ  አቦና ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ ክአ አብቲ ካተድራል መሥዋዕተ  ቅዳሴ  አዕሪጎም።

ድሕሪ  መሥዋዕተ  ቅዳሴ  ክአ ምስ ንጉሳውያን  ቤተ ሰብ ሽውደን ተፋንዮም  ናብቲ ካብ ከተማ ሉንድ 28 ኪሎሜትር ርሒቃ  ትርከብ  ከማ ማልመ አረና  ብመኪና ተጓዒዞም።

ናይ ዓለም ለኸ  ሉተራዊ ፈዴረሽን  ፕረሲዳንት ሙኒብ ዩናን ዋና ጽሐፊ  ማርቲን ዩንግ አብ ቅድስቲ  መንበር  ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ፕረሲዳንት ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ምስ ርእሰ ሊቃነ   ጳጳሳት  ካብ ሉንድ ንማልመ  አረና ተጓዒዞም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ማልመ አረና ምስ ወኪላት ኤኩመኒካዊ ሐድነት ክርስትያን  ተራስኺቦም  ፕረሲዳንት  ዓለም ለኸ  ሉተራዊ ፈዴረሽን ሙኒብ ዩናን ክአ ዲስኩር አስሚዖም ።

አብ መወዳእታ  ክአ   አብቲ green room  ዝተባህለ  አዳራሽ ምስ 30 ወኪላት  አብያተ ክርስትያናትን ቀዳማይ ምኒስተር መንግስቲ ሽወደንን ተራኺቦም ተዘራሪቦምን ተሰናቢቶሞምን  ነቲ አብ ማልመ እረና ዝተረኽበ ህዝበ እግዚአብሔር ክአ ሐዋርያዊ  ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮምዎ።   

ድሕሪ ፍጻሜ ጸሎት ሕደነት ክርስትያን ማልመ አረና ክእ ናብቲ ዘዕርፍሉ ኢገሎሳ ዝተባህለ ቦታ ተጓዒዞም በዚ ክአ  ናይ ትማሊ ዕለት 31 ጥቅምቲ   ውዕሎ  ሐዋርያዊ  ዑደት ሽወደን   ተፈጺሙ።

ባሕቲ  ሕዳር  ቅዱስ   አቦና ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  ንግሆ ካብቲ ዘዕርፍሉ ዘለዉ  ኢጎሎሳ  ናብት 35 ክሎሜትር ርሒቁ ዝርከብ  Swedbank ስታድየም  ተጓዒዞም።

ሎሚ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኩሎም ቅዱሳን ዘኪራን አብዒላን ከም ዝውዓለት ክዝከር ከሎ ርእሰ  ሊቃነ  ጳጳሳት አብ ከተማ ማልመ  Swedbank ስታድየም  ብዙሕ ህዝበ ክርስትያን  አብ ዝተረክበሉ ብላቲንን ቋንቋ ሽወደንን  መሥዋዕተ  ቅዳሴ  አዕሪጎም ።

አብ  ዘስምዕዎ  ስብከት ‘ምስ መላእ ቤተክርስትያን ሎሚ በዓለ ኩሎሙ ቅዱሳን ነብዕል ኣሎና፣ ከምዚ ብምግባርና ከኣ ነቶም ቅድስናኦም ዝተኣወጀሎም ጥራይ ዘይኮነ ነቶም መላእ ሕይወቶም ብእምነት ክርስትና ዝተመልኤ ኮይኑ ግን ብዘይ መጠን ትሑታትን ገርሀይናታትን ብምዃኖም ሕቡእ ሕይወት ቅድስና ስለዘሕለፉ ቅዱሳን ንዝክር፣ ብርግጽ ምስዚኦም ብዙሓት ኣዝማድናን ኣዕሩኽትናን እንፍለጦም ሰባትን ኣለው፣ 

ስለዚኸስ ሓደ ፍሉይ ቅድስና ነብዕል ኣሎና፣ እዚ ቅድስና እዚ ነቲ ኣብ ጥምቀት ዝተኣትወ መብጽዓ ዕለት ዕለት ብተኣማንነት ብምንባርን ብምምስካርን እምበር ዓበይቲ ፍሉያት ተኣምራት ብምፍጻም ኣይኮነን፣ እዚ ቅድስና እዚ ንፍቅሪ እግዚኣብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ዘቀደመ እዩ፣ እዚ ፍቅሪዚ ካብ ዕብየቱ ዝተላዕለ ንገዛእ ርእስኻ ረሲዕካ ኩለንትናኻ ንኣገልግሎት ካልኦት ምውፋይ እዩ፣ ከምቲ ንደቆምን ንስድራቤትምን ኩሉ ዝስውኡ ኣደታትን ኣቦታትን ምሕሳብ ይከኣል፣ እዞም ሰባትዚኦም ስድራን ውሉድን ዝሓቶ መስዋዕቲ ዓቢ ምዃኑ እናፈለጡ ብዙሕ ናይ ግሎም ነገራትን ሕልምታትን ብፍቃዶም ይሓድጉ እሞ ነዚ ቅዱስ ዕላማ ይውፈዩ፣

ኮይኑ ግን ንቅዱሳን ፈልዩ ከምዝልለዩ ዝገብሮምን ብሓቂ ሕጉሳት ዝገብሮምን ጉዳይ ኣሎ፣ እዚ ከኣ ነታ ኣብ ውሽጢ ልቢ እትርከብ ካብ ፍቅሪ እግዚኣብሔር እትፍልፍል ሓቀኛ ታሕጓስ ስለዘለለይዋ እዩ፣ ስለዚ ከኣ እዩ ቅዱሳን ብጹዓን ተባሂሎም ዝስመዩ፣ ብጽዕናኸስ ሕይወቶምን ዕላማኦምን ሃገሮምን እያ፣ እዚ ብጽዕና እዚ ጐይታ ባዕሉ ዝሕብረና መንገዲ ሕይወት እዩ በዚ ከኣ ኣሰሩ ክንስዕብ ንኽእል፣ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ እቶም ብመንፈስ ድኻታት ብጹዓን እዮም ክብል ኣብ ርእሲ እምባ ኮይኑ ዝሰበኾ ሰሚዕና፣

እዘን ጐይታ ዝኣወጀን መንገዲ ብጽዕና ንሱ ባዕሉ ዝተኸተለን ኮይነን ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን መምርሒ ሕይወት ከኣ እየን፣ ኣብ መንጎኤን የውሃት ብጹዓን እዮም ትብል ኮይና ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 11.29 ከኣ ‘ኣነ የዋህን ትሑት ልብን እየ እሞ ካባይ ተመሃሩ’ ይብለና፣  መንፈሳዊ መለለዪ ጐይታ እዚ እዩ በዚ ከኣ ሃብቲ ፍቅሩ ይገልጸልና፣ ለዋህ ኰንካ ምንባር ናብ ኢየሱስ ዘቅርበናን ኣብ ነንሕድሕድና ከምእንወሃሃድ ዝገበርና መንፈሳዊ ሓይሊ ኮይኑ ነቲ ዝፈላልየና ዝቋመናን ገዲፍና ንሓድነት ዝኲስኲሱ ሓደስቲ መንገድታት ሃሰስ እናበልና ንሓድነትን ውህደትን ንምምዕባል እዩ፣ ነዙይ ኣብነት ዝኾኑና ኣብዚ ቀረባ እዋናት ቅድስናኦም ዝተኣወጀ ቅድስት ማርያ ኤሊዛበታ ሄሰልብላድን ናይ ኤውሮጳ ጠበቃ ዝኾነት ቅዱስት ብርጂታ ቫድስተናን ምርኣይ ይከኣል፣ እዚአን ክልተ ቅዱሳት እዚኤን ኣብ መንጎ ክርስትያን ሓድነት ንክፍጠር ነቲ ዝጠመረናን ሓደ ዝገብረና ናይ ውህደት ምትእስሳር ዝፈጥርን ነገራት ንምርካብ ጸሊየንን ሰሪሔንን፣ ኣብዚ ሎሚ መበል ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ናይ ሉተራዊ ተሓድሶ እንዝክረሉ ዓደን ከኣ ብዙሓትን ዝተፈላለዩን ህዝብታት ብሓባር ክነብሩ ምኽኣሎም ምስክር እዩ፣ ቅዱሳንከስ ብለውሃት ልቢ እዮም ናይ ለውጢ ጸጋ ዝረኽቡ፣ ብለውሃት ልቢ ዕቤት እግዚኣብሔር ክንርዳእ ንኽእል በዚ ከኣ ብንጽሕና ክነምልኾ ንኽእል በዚ ከኣ ነቲ እንኮ ሃብትኻ ዝኾነ እግዚኣብሔር ስለትረክብ ከይጠፍኣካ ወይ ከይትኸስሮ እትፈርሆ ነገር የልቦን፣

መንገዲ ብጽዕናኸስ ናይ ሓደ ክርስትያን መፈለጢ ወይ መንነት እየን፣ እዚ ከኣ ከም ተኸተልቲ ክርስቶስ ብመንገዲ ብጽዕና ክንመላልስ ስለዝተጸዋዕና ነቲ ኣብ ዘመንና ዝኽሰት ስቃይን ቃንዛን ብናይ ኢየሱስ መንፈስን ፍቅርን ክንገጥሞ ኣሎና፣ በዚ መንገዲዚኸስ ብዝተሓደሰ መንፈስን ወትሩ ሓቀኛ ብዝኾነ ኣገባብን ሓደስቲ ነገራት ክነመልክት ንኽእል፣ እቶም እናተዓመጹ ብዓይኒ ምሕረት ዝዕገሱን ብልቦም ዝምሕሩን ብጹዓን እዮም፣ እቶም ነቶም ኩሉ ዘገለሎም ድኻታትን ጽጉማትን ዓይኒ ዓይኖም እናተመልከቱ ዝቀርብዎምን ዝሕግዝዎምን ዘጸናንዕዎምን ብጹዓን እዮም፣ ኩሉ ናይዚ ግዜና ጸገማት ንዝጸለዎ ሰብ ዝሕግዙ ብጹዓን እዮም፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ጸዋዕታ ቅድስና ንኩልና ዝቀርብ ጸዋዕታ ስለዝኾነ ካብ ጐይታ ብመንፈስ እምነት ንቀበላ፣ ቅድመና ዝሓለፉ ቅዱሳን ብኣብነት ሕይወቶምን ብኣማላድነቶምን  ይሕግዙናን የተባብዑናን፣ ንሕናውን እንተኾነ ቅዱሳን ንምዃን ሓገዝ ሓድሕድ የድልየና እዩ፣ ሃየኸስ ብሓባር ነዚ ዕድመዚ ብታሕጓስ ንኽንቅበሎ ጸጋኡ ክህበና ንጐይታ ነታ ንግስቲ ሰላም ዝኾነት ንግስቲ ኩሎም ቅዱሳን ኣኖና እግዚእትነ ማርያም ንለምን፣’ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣

 ድሕሪ ፍጻሜ ሥርዓተ ቅዳሴ  ክአ ምስቲ አብ Swedbank ስታድየም ዝተረኽበ ህዝበ ክርስትያን መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት ደጊሞም፣   

ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  ድሕሪ ፍጻሜ  መልአከ እግዚአብሔር  Swedbank ስታድየም  ብቀጥታ  ንሀገራት  ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ  ተጓዒዞም  ምስቶም  አብኡ  ክጽበይዎም ዝጸንሑ  ናይ መንግስትን ሃያሞኖትን ላዕሎዎት ሰበስልጣናት  ተሰናቢቶም ናይ ክልተ  መዓልቲ   ሐዋርያዊ  ዑደት  ሽወደን   ፈጺሞም  ድሕሪ ቀትሪ ብሮማ ሰዓት አቈጻጽራ ሰዓት ሰለስተን ፈረቃን   ብድሐነ  ሰላም ናብ መንበረ ሐዋርያ  ቅዱስ ጰጥሮስ  ተመሊሶም።

እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ፍፍራንቸስኮስ  አብ ሽውደን  ዘካየድዎ  ሀገራት ሐቆፍ ሐዋርያዊ ዑደት መበል 17  ክከውን እንከሎ  አርእስተ ሊቃነ  ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካብ  ኢጣልያ  ወጻኢ   ዘካየድዎ  ሐዋርያዊ  ዑደት  መበል 154  ከም ዝኾነ  ይዝከር።  








All the contents on this site are copyrighted ©.