2016-10-29 16:07:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስሌና ዝጽልይ ኢየሱስ መሰረት ሕይወትና እዩ


ዕለት 28 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ዘነግህ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርክበ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ብላቲን ባሕረ ሓሳብ መሰረት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ቅዱሳት ሓዋርያት ስምኦን ወይሁዳ እተብዕለሉ ዕለት ብምዃኑ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 19 ክሳብ 22ን ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 6 ካ ፍቕዲ 12 ክሳብ 19  ዝተወስዱ ቅዱሳት ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝግለገስዎ ኣስተንትኖ፥

ኢየሱስ መላእ ሕይወቱ ኣብ ምርጫታቱን ዝዀነ ይዅን ወስታቱን ምድራዊ ሕይወቱን ክሳብ ኣብ መስቀል ምሟቱ ብጸላይነቱ እዩ ዝልለይ። ኢየሱስ ፍልይ ቢሉ ብተመስጦ ምስ ጸለየ ደቀ መዛሙርቱ ሓረየ። ቅዱስ ኣቦና ነዚ ናይ ዕለቱ ምንባበ ወንጌል ዘማእከሎ ንክርስትያናዊ ሕይወትና መሰረት ዝዀነ ሓሳብ የነጽሩ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን እምኒ ርእሲ መኣዝን እቲ ስሌና ኣብ ቅድሚ ኣቡኡ ዝጽልይ ኢየሱስ ኢዩ

ናይ መኣዝን ርእሲ ኢየሱስ እዩ። ብዘይ ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን ዘይህልውቲ እያ። ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ንኽጽልይ ናብ እምባ ደየበ ምልእቲ ለይቲ ድማ ጸለየ ምስ ወረደ ከኣ ካብቲ ኣብ ዙርያኡ ተኣኪቡ ካብ ዝነበረ ሕዝቢ ውሽጢ ዓሰርተውክልተ ደቀ መዛሙርቱ ሓረየ። እንታይነት ተልእዀኦም ድማ ሕሙማን ክፍውሱን ኣጋንንቲ ክግስጹን ዝብል ምዃኑ የነጽረሎም። ናይ መኣዘን ርእሲ ኢየሱስ። ጸላይ። ሎሚ እውን ስለ ቤተ ክርስቲያን ይጽልይ። ንሱ ስሌና ኣብ ቅድሚ ኣቡኡ ይጽልይ ስሌና ይምሕጸን ንሕና እውን ንኢየሱስ ንጽልይ። ኰይኑ ግና መሰረት ጸሎትና ንሱ ስሌላ ዝጽልይ ምዃኑ እዩ።

ውሕስነትናን ስለ ነፍሲ ወከፍና ኢየሱስ ዝጽልይ ምዃኑ እዩ

ኢየሱስ ወትሩ ስለ እቶም ናቱ ዝዀኑ ይጽልይ። ኣብ ናይ ምወዳእታ ድራር እውን ከምኡ። ዝዀነ ይዅን ዓይነት ተኣምር ቅድሚ ምፍጻሙ ይጽልይ ነበረ። ንኣልኣዛር ካብ ሞት ቅድሚ ምትንሳኡ ኢየሱስ ነብኡን ናብ ኣቡኡን ጸለየ።

ኣብ ደብረ ዘይቲ ይጽልይ። ኣብ መስቀል ከይኑ ይጽልይ። መላእ ሕይወቱ ጸሎትን ጸላይን። እዚ እዩ ውሕስነትና እዚ እዩ ናይ ሕይወትና ርእሲ መኣዝን። ስሌና ይጽልይ። ስለይ ይጽልይ። ኢየሱስ ምእንታይ ከምዝጽልይ ርግጸይና እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦ ስሙየይ ይኸውን። ዝጽልይ ኢየሱስ እዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ርእሲ መአዘን እምኒ።

ኣብ ጸላይ ኢየሱስ ዝጸንዔት ናይ ቤተ ክርስቲያን ምስጢር ነስተንትን

ኢየሱስ ቅድመ ሕማማቱ ዝነበሮ እዋን ንሕሰብ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ገነሖ። ክገንሖ እንከሎ ግና ማለት ምስ ገነሖ ኣስዒቡ ስሌኡ ከምዝጸለየ የረጋጸሉ። ዝጸለየሉ ድማ እምነቱ ከይጐድልን ከይቕህምን እዩ። እቲ ንጴጥሮስ እምነትካ ከይጐድል ስሌኻ ጸለይኩ ዝብሎ ንነፍሲ ወከፍና ዝብሎ እዩ። እዚ ድማ ወትሩ ኣብ መንበረ ታቦት ዝዓርግ ጸሎት እዩ። ኣብ መንበረ ታቦት ስሌና ክምሕጸንን ክጽልን ህልው ይኸውን። ኣነ ናይቲ ኢየሱስ ዝጽልየሉ ንሱ ርእሲ መአዘን ናይ ዝዀነሉ ማሕበረሰብ ወገን እየ። ሎሚ ስለ ቤተ ክርስቲያን ክንሓስብ ክሕሸና እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ምስጢር። ንሕና ሕንጻ ኢና መሰረትን ናይ ማእዘን እምንን ድማ ወትሩ ስሌና ዝጽልይ ኢየሱስ እዩ።  እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.