2016-10-29 16:10:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ንመላእ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ተሓባበርትን ናይ ውፉያን ሕይወት ማሕበራት ልኡካንን


ካብ ዕለት 28 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 30 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኣንቶኒያኑም መንበረ ጥበብ ናይ ውፉይ ሕይወትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎ ማሕበራትን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዘዳለዎ ንመላእ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተሓባበርቲ ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ውፉይ ሕይወት ማሕበራት ልኡካንን ዝዓደመ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ይካየድ ከምዘሎ እንክምልከት፥  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓመተ ውፉያን ሕይወት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ እቶም ናይታ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጓሶት፤ እናደገፉን እናነቓቕሑን ኣብ ልልያ ጸዋዕታ ክድግፉን እዚ ድማ ብለውሃትን ሓልዮትን ፍቕርን እቶም ውፉያን ኣብ ስቓይን ድኻምን ኣብ ዝርከብሉ እዋንን ቀረባኦም ክዀኑን ንሕዝበ እግዚኣብሔ ናይ ውፉይ ሕይወት ክብሪ ከስተውዕሉ ብትምህርቶም ክሓንጹን በዚ ተግባር’ዚ ኣቢሎም ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጽባቔን ቅድስናን ክንጸባርቑ ሓደራ እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣማእኪሉ ዝክየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ናይ ውፉይ ሕይወትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ማሕበራትን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተሓባበርቲ ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ መንጐ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍርያማ ቤተ ክርስቲያናዊ ሱታፌ ክረጋገጽ ዘነቓቕሕን ንጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ዝምችእ ኩነት ንምኽዋን ዘተባብዕ ምንቕቓሓትን ውዕዉዕ መንፈሳዊ ስምዒትን ዘማእከለ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝመርሑ ልኡካን ዘሳትፈ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ብምስንዳው ጓሶትን ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ብሓባር ነቲ ገዳማዊ ህይወትን ህቡኣን መናንያንን ገዳማውያን ልኡካነ ወንጌልን ዝብል ብዝተፈላለየ መገዲ ዝንበር ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ይትንቱንን ብሓባር እናጸለዩን ብዝተሓደሰ መንፈስ ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ነኸነቓቕሑ ዘተባብዕ ምዃኑ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ነቶም ተጋባእያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም መርሕ ቃል ከዝለገሱ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅድም ብስም ተጋባእያን መልእኽቲ ንዘስምዑን ንቕዱስ ኣቦና ቃል ምስጋና ንዘቕረቡ ናይ መናንያንን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝ ኣመስጊኖም፥

ንስኻትኩም ፍቱዋተይ ነቶም ንውፉይ ሕይወት ንዝተጸውዑ ንኽትድግፉ ዝተጸዋዕኩም ኢኻትኩም

1- ውፉይ ሕይወት ኣብ ካባብያዊት ቤተ ክርስቲያን

ጸዋዕታ ህያብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝውለድን ዝዓብን ኩለንተናኡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝበረቐ ጸጋ እዩ። ከምዚ ምዃኑ ድማ ጓሶት ኮኑ ጽዉዓት ውፉይ ሕይወት እውን ክስሕትዎ ኣይግባእን። ናይቲ ብጥምቀት እትቕበሎን ምስጢረ ክህነትን ኣቢልካ እትቕበሎ ክህነታዊ ህያብ ከምዘሎን እዚ ድማ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ህያባት ማዕቅን ዝስራዕ እዩ። ብፁዓን ኣቡናት ነዚ ጸዋዕታ’ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ለውሃትን ድማዕን ኣቦነትን ዘተባብዕን ኣብ ሓላፍነት ዘነቓቕሕ ፍቕሪ ኣናርኣዩ ብሓሴትን ብውፉይነት መንፈስ ንኽቕበልዎ ሓላፍነቶም እዩ። ውፉይ ሕይወት ንስድራ ቤት መንፈሳዊ ማሕበራት ውፉይ ሕይወትን ንናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎ ማሕበራትን ጥራሕ ዘይኰነ ንናይ ኣካለ ክርስቶስ ኩሉ ሰናይን ጥቕምን ኣስተዋጽኦ ዘቕርብ መንፈሳዊ ሃብቲ እዩ። ስለዚህ ድማ ንስኻትኩም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ተሓባበርትን ናይ መናንያንን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕበራት ውፉያንን ልኡካንን ዘይነጽግዎ ዘይሕደግን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ወሳኒ ረቛሒ ዝዀነ ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወትን ናይ ሓዋርያዊ ኣገግሎትን ኣብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ጭቡጥ ኩነት ምዃኑ ኣስትውዒልኩም ብልባውነን ብሓሴትን ሓንጎፋውይ ቢልኩም ተቐብልዎ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥  … ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ብናይ መንፈሳዊ መርሖ ነጻነትን ብካቶሊካውነትን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ኵላዊነት ቤተ ክርስቲያን ዝንበራን ዝንጸባረቐላን ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ዝንበር ህያብ እዩ (ብርሃነ ኣሕዛብ, 4 ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ረአ)። ቤተ ክርስቲያን በቲ ዘቑማ ኅብረ ኩርናዕ ኣቢላ ትግለጽ። ኣባላት ውፉያን ሕይወት ድማ ብተራኦም ዕጽዋት ሃብቲ ዘይኰኑስ ናብቲ ማእከል ዝዀነ ክርስቶስ ዘብሉ ጎድንታ ናይ ኣካለ ቤተ ክርስቲያን ምሉእነት መግለጺ ምዃኑ ከስተውዕሉ ይግባእ።

2- ቅዋመ ሓደስቲ ማሕበራት ውፉያን ሕይወት

ቅድመን ድኅረን ካልኣይ ጉባኤ ቫታካን ሓደስቲ ማሕበራት ውፉያንን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕበራትን ንቡር እዩ። መንፈስ ቅዱስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ (ዮሓ. 3,8)። Iuvenescit Ecclesia - እትምንእስ ቤተ ክርስቲያን ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 15 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበረ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ገርሃርድ ልድዊግ ሚዩለር ፊርማ ዝተነብሮ ዝወጸ ሰነድ ንቅዋመ ሓደስቲ ማሕበራት ውፉያንን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕበራት ድልው ዘብሉ መምዘንታት ዝተነብሮ ቅቡል ኰይኑ እተን ሓደስቲ ማሕበራት ካብ ናይ ከባቢት ቤተ ክርስቲያን ፍቓድ ጀሚረን ዝቖማ ብምዃኑ ናይ ሰበኻ ብፁዓን ጳጳሳት ዓሚዩቕ ክትትልን መጽናዕትን እቲ ሓቀይና ህያብ መንፈስ ቅዱስ ከለልዩን እቲ ዝቐውም ማሕበር ዘስዕቦ መንፈሳዊ መርሖ ሓዲስነቱን ነቢያው ጎድኑን ኣብታ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሱታፌን ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌልን ማሕብራዊ ጎድኑን ኣጽኒዖም ኣብ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ቅዋሜኡ ንምርግጋጽ እቶም መስረትቲ ቤተ ክርስቲያናዊ ብስለቶምን ናይ መንፈስ ቅዱስ ተግባር ዘይተጻራርነቶምን እቲ ዝተቐበልዎ መንፈሳዊ መርሆ ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ ሱታፌ ብቑዕ ውህደት ዘለዎ ከምዝዀነ ከለልዩ ይግባእ … ።

3- ሓባራዊ (ሕድ ሕዳዊ) ርክብ

ንስኻትኩ ኣብ መንጐ ጓሶትን ውፉያትን ሓባራዊ ርክብ ክህሉ ዘብቅዕ ኣገዳሲ ሓላፍነት ዘለኵም ኢኻትኩም። እዚ ሓሳብ’ዚ ድማ ኣብ እተካይድዎ ዘለኹም ዓውደ ጉባኤ ብዕምቆት እትምርምርዎ ነጥቢ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኰይኑ ግና እዚ እቲ ኣብ 1994 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሓባራዊ ርክብ ዝምልከት ሕንጸት ክኽለስ ኣለዎ ዝበሎ ውሳኔ ገና ኣብ ፍጻሜ ዘብጻሕናዮ ኣይመስለንን። ዝደንጐይና ኰይኑ ይስምዓኒ።

እቲ ሕድ ሕዳዊ ርክብ ኣዛዝን ተኣዛዝን ብፍርሒ ድዩ ወይ ድማ ንኽጥዕመኒ (ክምችኣኒ) ሕላነ ዘይኰነስ ናይ ሕድ ሕዳዊ ሓባራዊ ርክብ ዘለዎ ክቡር ዋጋ ብዕምቆት ብምልላይ ዝፍጸም ክኸውን ኣለዎ። ነታ ናይ ሓባር ቤትና ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ረብሓ ዘማእከለ ክኸውን ይግብኦ። …  ስለዚህ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝመጽእ ብዙህነት ከፍርሓና የብሉን።

ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብቲ Costituzione Apostolica Vultum Dei quaerere- ሓዋርያዊ ቅዋም ድልያ ወጅሒ እግዚኣብሔር ብዝብል ኣርእስቲ ዘመልከትዎ ብዛዕባ ማሕበራት ህቡኣን ወይ ድም ዕጹዋት መናንያን ዝምልከት ብጽሞና ኣብ ገዳም ዝንበር ሕይወት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ንቤተ ክርስቲያንን ጸላይ ልብን ናይ ምስጋናን ፍርያማ ሓዋርያውነትን ዝውክል ናይ ጸጋን ምሕረትን እጽብን ዘደንቕን ውጺእት (ፍርያማ) ዘውሕዝን እዩ እብክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳን ኣጽኒዖም ስለዚህ እዞም ከምቲ ንሓንቲ መርከብ ኣብ ወደባ ንኽትበጽሕ ዝመርሑ ጮራ ዝዀኑ ንቤተ ክርስቲያን የድልይዋ እያቶም። … ብሕውነትን ፍቕርን ምስናዮምን ኣኽብሮት ዝተሰነዮ ኣቀራርባ የድልዮም። ነተን ናይ ዕጹዋት ገዳማት ኣባላት ደናግል ግቡእ ኣቀራርባ ይግብኤን፡ … ።

ፍትዋት ኣሕዋተይ ኣፍቀርቲ ናይ ውፉይ ሕይወት፡ እንታይነት ውፉይ ሕይወት ኣዕሙቑ፡ ካብ ቤተ ክርስትያናዊ ስታፌ ካብ ናይ ሓባራዊ ናብራን ካብ ቅኑዕ ንውፉያን ሕይወት ዝምልከት ሉኣላውነት ዝምንጭው ናይ ሓባር ሕድ ሕዳዊ ርክብ ኣቑሙ፡ ንብፁዓን ጳጳሳትኩምን ንመላእ ናይ ሰበኻታትኩም ኣባላት ማሕበራት ውፉያን ሰላምታይ ኣብጽሑለይ።

ጸሎተይ አረጋግጸልኩም ንስኻትኩም ብተራኹም ድማ ስለይ ምጽላይ ኣይትረስዑ

የቐንየለይ ሰናይ ዓውደ ጉባኤ እምነየልኩም

እንክብሉ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.