2016-10-20 16:50:00

ቃል ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ዛዕባ ንኡስ ቁጠባ


ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርሶን ኣብቲ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኤውሮጳዊ ሳልሳይ ጉባኤ ዛዕባ ንኡስ ቁጠባ ተረኺቦም ዕለት 20 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ናይ ሰብኣዊ መጻኢ ኣብ ናይ ድኻታት ተዋሳእነት ዝማእክል እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሃሳብ ኣርጊጾም ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ዋና ኣርእስቲ ናይ ዕዳጋ ማሕበራዊ ኤኰኖምን። ኣኽእሎ ናብ ንኡስ ቁጠባን ድኽነት ምውጋእን ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ሓደ ምዕባለ ጥዑይን ሰብኣውን ማሕበራውን ምሉእን ዝኸውን እቲ ናይ ሓባር ጥቕምን ምትሕብባን ደገፍን ዝብል ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቕ ትምህርቲ ሕብረተሰብኣውነት ተመልኪቱ ንዘሎ ረቛሒ ግምት ምስ ዘእትው እዩ። ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሐፈሻዊ ስእነት ስራሕን ኢማዕርነትን ምንቁልቋል ምህዳርን ንምግጣም እዋናዊ ማሕበራዊ ኤኰኖሚ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚህ ኣብዚ ከይዲ’ዚ ሰብኣዊ ፍጡር ብምምእካል ማንም ሰብ ዘይንጽል ኣብቲ መሃዝነትን ተደማዕነትን ሐላዋን ዝገብር ማሕበራዊ ኤኰኖሚ ክህሉ ግድን ይኸውን ዝብል ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሓሳብ ተንቲኖም ከምዘረድኡ ልእኽቲ ጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ኣፍሊጠን።

ንኡስ ቁጠባን ንኡስ ልቓሕ ዝብል ክልተ መጋበርያ ኤኮኖሚ ኣብ ማሕበራውን ባህልን ዓቢይ ማሕታ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ በቲ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ዝጠቓለሉ እያቶም። ስለዚህ ነቶም ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይ እማኔ ሓይሊ ዝህብ እዩ። ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ ገዛእ ርእሱ ብቑጠባ ብቕዓትን ኣብ ናይ ዕዳጋ ከይዲ ተዋሳእነት ክህልዎ ዝድግፍ ብምዃኑ ሰብኣዊ ክብሩ እውን ከስተማቕር ዝድርዀን ኣብ ናይ ማሕበራዊ ምዕባለ ከይድን፡ በዚ መገዲ’ዚ ድማ እቶም ድኻታት ኣብ ከባቢያውን ብሔራውን ዓለም ለኻውን በዓል እጃም ዝገብሮ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተባብዕዎን እዚ ሓሳብ’ዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ውርሒ ሐምሌ 2015 ዓ.ም. ኣብ ቦሊቪያ ሓዋርያዊ ዑደት ተረኺቦም ንናይ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ዘስመሩሉ ሓሳብ ከምዝዀነ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ከምዝሓበሩ ጂሶቲ ገሊጸን።

ብፁዕ ካርዲናል ቱርሶን ነቲ ብሸውዓተ ገጽ ዝጠቓለል ዘስምዕዎ ዘረባ ንኡስ ቁጠባን ንኡስ ልቓሕ ዝብል ክልተ መጋበርያ ኤኮኖሚ ኣብ ማሕበራውን ባህልን ዓቢይ ማሕታ ዘለዎ ኣብ ኤኮኖሚያዊ ምዕባለ ኩሉ ከከም ዓቕሙ ተዋሳኢ ዝገብርን ኣብ ዕዳጋ እትወት ዝህብን ናይ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ክብሪ ዘነቓቕሕ ክነሱ ብምንሻው በቲ መኽሰብ ዝብል ኣመክንዮ ዘስተማእምእ ተግባር ክዕብለል ብሓቂ ግብረ ገባዊ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ግምት ብምሃብ ድማ እተን ኣዚየን ዝተጐድኣ ድኻታት ዝበሃላ ሃገራት ዝኽተልኦ ናይ ንኡስ ቁጠባን ንኡስ ልቓሕክ ከይዲ ኤኮኖሚ ነቲ ቅልውላዎ ዘስዓበ ምጽንጻን ኤኮኖሚ ሸውሃት ከይከውን ሓደራ ምጥቃቕ የድሊ ከምዝበሉ ጂሶቲ ኣመልኪተን። 








All the contents on this site are copyrighted ©.