2016-10-18 16:28:00

ብሓባር ሓቂ ንድለይ፥ ናይ ክርስትና እምነትን ታኦይስ ሃይማኖት ናይ ሓባር ዘተ


ናይ ታይፐ ባኦኣን ቤተ መቕደስ ማሕበር ምስ ጳጳሳዊ ናይ ውስጠ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ቤት ምኽርን ናይ ቻይና ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብሓባር ዘሰናደውዎ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ጽልእን ቂምታን ሕነ ምፍዳይን ሕድ ሕድ ምጥርጣርን ምፍርራሕን ኣብ ዝነገሰሉ ዓለም ናይ ብርሃን ጮራ ኰይንካ ምርኻብ ዝብል ጸዋዕታ ዘቃልሔ ናይ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲኢያንን ናይ ታኦይስን ሃይማኖት ናይ ሓባር ዘተ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ብሓባር ሓቂ ንደልይ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ናይ ሓባር ዘተ ከምእተኻየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ኣክንዲ ፍቕሪ ጽልእ ኣክንዲ ኣሃድነት ፍልልይ ካብ ምክብባር ንምዕዓቕ ካም ምርድዳእ ምግርጫው ኣክንዲ ሕይወት ሞት ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም ምክብባርን ምቅብባልን ናይ ሕይወት ባህልን ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብሮ ዝብል ክቡራት ዋጋታት ብምርግጋጽ ብሓባር ምምስካርን ምስፋሕን ናይ ኩለን ሃይማኖታት ዓቢይ ሓላፍነት ምዃን ዝገለጸ ናይ ሓባር ርክብ ምንባሩ ዝገለጻ ጃዳ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን ኣብቲ ርክብ ብወገን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ውስጠ ሃይማኖት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፍቲ ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዮስ ጉይክሶትን ኣባ ኡዱኒል ኮዲዙማ ምንባሮ ሓቢረን እቲ ናይ ሓባር ዘተ ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ ስነድ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን እታዮይስትን ሃይማኖት ዝግበር ናይ ሃባር ዘተ እንታይ ከምዝመስል ተመልኪቱን እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ቀውስን ምዝባዕ መንፈሳውነትን ብምልላይ ንምፍታሕን ሰላም ንምርግጋጽ ብሓቂ ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሃባር ዘተ ቀንደይና ረቛሒ ምዃኑ ከምእተመልከተ ገሊጸን።

ዓውሎማነት ዘንብሮም ብድሆታትን ማሕበራዊ ክስተት ጸኣት ስደተይናታትን ሃይማኖታውን ባህላውን ግርጭትን ብጥልቂ ዘርዚሩ ብዑምቀት ዝዘተየ እቲ ዝተኻይደ ናይ ሓባር ርክብ ነዞም ብዶሆታትን ኣብዚ ሓደ ስድር ኣብ ዝኸውን ዘሎ ዓለም ብኸመይ ምብዳህ ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ኣብዚ መዳይ ኩለን ሃይማኖታት ዘለወን ግደ ዓቢይ ምዃኑን ብምምልካት ኣቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ማሕብራዊ ሕይወት ዘወግድ ቀጥዒ ኣልቦ ዓለማውነት ን ባህሊ ኣልቦ ባህሊ ብምግጣም ፍትሒ ማዕርነት ኣሃድንትን ሰብኣውነትን ንምርግጋጽ እቲ ልዑል ክብሪ ብምቅላሕ ክገጥመኦን ኣብዚ መዳይ ምእመናን ኩለን ሃይማኖታት ብምስታፍ ሕውነትን ምክብባርን ህብረ ባህልን ህብረ ሃይማኖታትን እወነታዊ ምዃኑ ክምስክሩ ዝተጸውዑ እያቶም ዝብል ቅዉም ሓሳብ ከምእተነብሮ ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

ምድሓን መደብ ኣምላኽ ንኹሉ እዩ። ሓቂ ክበሃል እንከሎ እኽብካብ ህልዩን ወይ ከኣ ርእየት ዓለም ዘይኰነስ ሓቂ እናስር ሕይወትን መንቀልን ተበጽሖን ብምዃኑ ንዅሉ ዘዋህድ እዩ። ሃይማኖት ድማ ምቅርራብን ምክብባርን ሕውነትን ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ዘተባብዕ ብምዃኑ እዚ ድማ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ምስ ሃይማኖት ዘራኽብ ከምዘይብሉ የረጋግጸልና ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ናይ ሓባር ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ኣኵይሊኖ ኣመልኪተን።  








All the contents on this site are copyrighted ©.