2016-10-18 16:20:00

ሃገረ ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ስሎቨኒያ ርእሰ ብሔር


ዕለት 17 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ  ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ናይ ቅድስቲ መንበር ርክባት ወጻኢ ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ንዝተሰነዩ ናይ ስሎቨኒያ ርእሰ ብሔር ክቡርነቶም ቦሩት ፓሆር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጐ ሃገራት ቫቲካንን ስሎቨኒያን ዘሎ ናይ ሓባር ርክብ ሰነይ ምዃኑን እዚ ድማ ዓዚዙ ኣብዚ እዋን’ዚ ስሎቨኒያ መበል 25 ዓመት ሃገራዊ ናጽነታ ኣብ እትዝክረሉ ዘሎ እዋን ከምእተረጋገጸን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ልባዊ ርክብ ኣብ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ናይ ሓባር ድላይ ኣብ ዘተኰሩ ኣርእስታት ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደን ከምኡ እውን ህልዉ ኩነታት ሃገረ ስሎቨኒያ ኣብ ዝምልከት ርእሰ ሓሳብ ዘተ ምክያዱን ብምትሕሓዝ ኣብ ስሎቨኒያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን መንግሥቲ ስሎቨኒያን ዘሎ ርክብን ንሕዝቢ ስሎቨኒያ ናይ ሓባር ጥቕሚ ብፍላይ ድማ ናይ ስሎቨኒያ መንእሰይ ወለዶ ምሉእ ሕንጸትን ዝኣመተ ምዃኑን ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ዓለም ሓቆፍ ጉዳያትን ብድሆታት ስሎቨኒያን ብድሆታት ስሎቨኒያ ኣብ ኤውሮጳን ብድሆታት ኤውሮጳን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ሰፊሕ ናይ ሓሳብ ልውውጥ እውን ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.