2016-10-15 17:04:00

ስምምዕ ዛዕባ ምሕደራ ሕዝባዊ ገንዘብ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኢጣሊያን


እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ዕለት 1 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ተበጺሑ ዝነበረ ዛዕባ ምሕደራን ኣተሓሕዛን ሕዝባዊ ገንዘብ ዝብል ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ካብ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ክልቴኣተን ሃገራት ገቢራዊ ክኸውን ዘብቅዖ ናይ መወዳእታ ናይ ይተግበር ስምምዕ ውሳኔ ከምእተጠናቀ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ስምምዕ ድማ እቶም ናይ ሃይማኖታዊ ተግባር ናይ ተቛም ምሕደራ ሕዝባዊ ገንዘብ ህሉው ስርዓት ክኽተሉ ዝደልዩ ኣብ ውሽጢ 180 መዓልታት እቲ ሓድሽ ስምምዕ ገቢራዊ ካብ ዝኾነሉ ዕለት ጀሚሩ ዝትግበር ሰነድ ብተዛማዲ ጠቐስ ሕቶኦም ከቕርቡ ከምዝኽእሉ የመልክት።

እዚ ካብ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ገቢራዊ ዝኸውን ናይ ስምምዕ ሰነድ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብ ነቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ግልጽነት ኣብ ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብ ዝብል ሕጊ ምሉእ ብሉእ ካብ ምኽባር ሓሊፉ ብኣብነት ክትጥቐስ ዝገብራ ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ከምእተሰምረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.