2016-10-13 16:08:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንመበል 103 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ዕለት 15 ጥሪ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ተዘኪሩ ንዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምኽንያት ዓለም ለኻዊ መልኽቲ ከምዘመሓለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. መልእኽቲ ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 9,37 “ካብዞም ከምዚኦቶም ዝበሉ ቘልዑ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር ንኣይ ኣይኰነን ዚቕበል” ካብ ዝብል ቃል ተበጊሶም ምስ እዚ ቃልዚ ተምሳልነት ብዘለዎም ወንጌል ማተ. ምዕ. 18,5ን ሉቃስ 9,48ን ዮሓ. 13,20 ኣሰዮም እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ቃለ ወንጌል፡ ወንጌላውያን፡ ንማሕበረ ክርስቲያን ውዕዉዕን ናይ ሓባር ግብረ ኣገልግሎት ትርጉሙ እንታይ ማለት ምዃኑ ብኢየሱስ ብዝተውሃበ ይቕርቡ …. እቲ ካብቶም ዝነኣሱ ተበጊሱ ናብ እግዚኣብሔር ዝበጽሕ መገዲ ብኢየሱስ ዝሓልፍ እዩ። ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኣብ ቃለ ወንጌል ዝግለጽ እንገዳ ትስብእት ዝሕብር እዩ ኢሎም፡ እግዚኣብሒር ብኢየሱ ኣቢሉ ሓደ ከማና ኰነ። እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ከፈተ። ኣንሕና በቶም ዝተናዕቁን ንኡሳንን ኣቢልና ናብኡ መታን ክንኣትው።

…. ፍቕርን እምነትን ተስፋን ኣብ ግብረ ምሕረት ዝተሳዅዑ እያቶም፡ ኣብ ማቴ. ምዕ. 18,6 “እቲ ንሓደ ኻዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናእሽቱ ዜስሕት ድማ ኣድጊ ዝጥሕነሉ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ኣሲሮም ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ኬጥሕልዎ ይሕሾ” ነዚ ቃል’ዚ ብተመሳሳሊ ምስ  ማር. 9,42ን ኣብ ሉቃ. 17,2 ኣተሓሒዞም ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነዚ መጠንቀቕታ ወይ ስምዕታ ናይ ጐይታ ነቶም ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ኢሰብኣዊ ተግባራት ዝፍጽሙን ሕጻናት ንወሲባዊ ዓመጽ ዝዳጉኑን መጠቀሚ  ምስ ስጋዊ ርክባት ዝተተሓዙ ጽሑፋትን ስእልታትን ዝገብርዎም ናብ ውትህድርናን ዕጡቓት ሓይልታትን ንዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታት መጋበርያ ዝዳርጉን ንስደትን ምዝብልናን ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን ንበይኖም ተሓዲጎም ንዝርከብሉ ዝድርኽዎም ጸረ ሰብኣውያን ተግባራት ክትሓስብ ይድርኽ። ምእንቲ’ዚ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን እቲ ኣብ ልበይ ዘሎ ኣተክሮን ሓልዮትን ንሕጻናት ዝብል ብዛዕባ ሕጻናት ስድተይናታትን ተመዛበልትን ብፍሉይ ክሕሰብ ይድርኸኒ … ።

ስደት ንሓደ ሃገር ወይ ድማ ክፍለ ዓለም ዝምልከት ኣይኰነን ዓውሎማዊ ክስተት እዩ። ናይ ኤኰኖሚ ሽግር ጥራሕ ዘይኰነስ ካብ ዓመጽን ውግእን ከምልጡን ሰላምን ድሕነትን ክረኽቡ ዝስደዱ ዝምልከት እዩ። ኣብዚ ክስተት እዚ ድማ ኣዚዮም ንሓደጋ ዝቃልዑ ሕጻናትን ህሙማንን ኣረጋውያንን እያቶም … እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብር ውሳኔ ዝሕብሮ ናይ ሕጻናት ዜጋታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ እንነብረሉ ዓለም ብሰፊሕ ዝገሃስ ኰይኑ ከምዘሎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብሰፊሕ ተንቲኖም፡ ትሕቲ ዕድመ ገና ሕጻን ብምዃኑ ኣዚዩ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝተቓልዔ እዩ። ስለዚህ ኣብ ሓደ ጥዑይ ስድራ ቤትን ብናይ ኣቦን ኣደን ኣብነት ተመሪሑ ክዓብን ደሓር ድማ ናቱን ናይ ሃገሩን መጻኢ ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውን ብቑዕ ሕንጸት ክረክብ ክብራዊ መሰል ዘለዎ ክቡር ፍጡር እዩ። … ኩሎም ሕጻናት ክጻወቱን ክሕብሐቡን ሕንጸት ክረኽቡን ከም ዕድሚኦም ክዓቢዩ መሰልን ክብርን ኣለዎም እዚ ነቲ ብጹሕ ዓለም ድማ ከኽብሮ ዝግብኦ ግቡእን ግዴታኡን እዩ።

…. ነቲ ናይ ሕጻናት ናይ ሕጻንነት ጊዜኦም ዘምክን መጻወዲያ ምብታኽ….

ጸኣት ስደተይናታት ሓደ ናይ ታሪኽ ስሉዕ ክፍሊ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ናይ ድሕነት ታሪኽ ክፍሊ እዩ። … ኦሪት ዘጸኣት ምዕ. 22,20 “ንስኻትኵም ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተይናታት ኔርኵም ኢዅም እሞ፡ ንስደተይና ኣይትዓምጽዎ ወይ ኣይትጨቍንዎ” … ከምኡ እውን ኣብ ኦሪት ዘዳግም ምዕ. 10,19 “ንስኻትኵም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተይናታት ነርኵም ኢኹም እሞ ስደተይና ፍተዉ” እዚ ማሕበራዊ ክስተት’ዚ ናይ ጊዜ ምልክት እዩ። ኣብ ታሪኽ ምሕረትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ዝዛረብ ምልክት … ናይ ኵላዊነት ሱታፌ ምልክት እዩ፡ …  ቤተ ክርስቲያን በዚ ቋንቋን ናይ ጊዜ ምልክት ዝዀነ ክስተት ኣቢላ ሰብኣዊ ፍጥረት መደብ ኣምላኽ ኣብ ማሕበረ ክርስቲያን ሓደ’ኳ መጻእተይናን ስደተይናን ከምዘይኰነ “ኩሎም ኣሕዛብን ዓሌታትን ሕዝብታትን ካብ ብዘሎ ቋንቋታትንዝተኣከቡ” (ራእ. 7,9)  “ብዝል ርግጸይናነት መሠረት ክለልይ ትድግን ትሓንጽን፡ … ሰብኣዊ ፍጡር ካብ ነገራት ንላዕሊ እዚዩ ልዑል እዩ። ብፍላይ እቶም ተነቀፍቲ ንኣብነት ሕጻናት።

ኣተሓሒዞም ቅዱስ ኣቦና ኣብ መእኽቶም ይብሉ ሓለዋን ክንክንን ተዋሂድካ ናይ ምንባባር ክብርን መሰልን ነባሪ መፍትሕን ማለት ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት መሰሎምን ክብሮምን ክሕለወሎምን ዘድሊ ዝበለ ኵሉ ክንክንን ሓለዋን ክግብረሎም ይግባእ። ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2008 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “እቶም ንገዛእ ርእሶም ዝሕደጉ ኣብ ፈቐዶ ጎዳናታት ንግብረ ምዝመዛ ክዳረጉ ዝሕደጉን ንናይ ዓመጽ መጋበርያ ናብ ንዋታውነት ዝቕየሩን መጋበርያ እከይ ግብርን ንናይ ወሲብ ዓመጽን መጋበርያነት ዝዳረጉ” ካብቲ ዝወደቕዎ ትሕቲ ስብኣውነት ኩነት ክላቐቑን ክንክን ክግበረሎም ኩሉ ስለ ሓለዋኦም ክተግህ ግድን እዩ ኢሎም።

ገለ ገለ ኵነት ወዲ ሰብ ንናይ ገበን ጉጅለታት መጋበሪያ ክኸውን ኮነ ተባሂሉ ዝተወጠነ መደብ ዘሎ እዩ ዘምስል። ድኽነት ዓመጽን ውግእን። ብዙሕ እዋን መራኽቢ ብዙሃን እውን ናይ ዓለም ሓቆፍ ሕግን ባህልን ግብረ ገብን መሃይማን ኰይኖም እዮም ዝርከቡ። እዚ ድማ ካብቲ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣደጊፎም ካብ ዘቕርብዎ ትንታኔ ዝስትውዓል ሓቂ እዩ። …. ሓደ ሕጻን ንወሲብ ዓመጽ ክዳረግን ንምዝመዛን ዝኣመሰሉ ክብሪ ሰብ ዝግህሱ ተግባራት ዝዳረግ እኮ ናይ ዕዳጋ ሕቶ ስለ ዘሎ እዩ። …. ንሓለዋን ክንክንን ትሕቲ ዕድመ እውን ወለዳቶም ምስቲ ዘእንገዶም ሕብረተሰብ ክተሓባበሩ ይግባእ። ኩሉ ስለ ምኽባርን ክንክንን ትሕቲ ዕድመ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ መታን ኣብዚ መዳይ ምትጋህ፡ ካብቲ ዝወደቕሉ ንስደት ዝዳርጎም ጸገም ንኽላቐቑ መገድታት ምፍጣር እምበር ስደተይና ከይኣትው ቢልካ እናኸልከልካ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ንዘንቀሳቐሱ ንናይ ግብረ ጉጅለታት ምርካቦምን ንዝተፈላለየ ኵለ መዳያዊ ጸገም ክዳረጉን ንገዛእ ርእሶም ምሕዳግን ኣየድልን። ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ሰብኣውነት ዓቐን ብዘለዎ ኣገባብ ምስ ዘእንገዶም ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ምድጋፍ ይግባእ።

ኣብ ስድራ ቤት ውሽጢ ክዓብዩ ምግባር። ንስደትን ሓሳርን ዝዳርጉ ጸገማት መፍትሒ ንኽርከበሎም ማሕበረሰብ ዓለም ክዓዪ፡ ስለዚ ድማ ዘኽታማት ኣብ ስድራ ኣባይቲ ተኣንጊዶም ንኽዓብዩ ከም ወለዳቶም ኰይኖም ንኽኣልይዎን ዝደልዩ ኣባይት ስድራ ምድጋፍን ተዓሚትካ ከነዕብዮም ንደሊ ንዝብሉ ምርካብ ዘይኰነስ ኩሉ ኣጽኒዕካን መርሚርካን ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻን መሰልን ክብር ዘማእከለ ውሳኔ ምሃብ የድሊ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ መደብ መዕበያ ሕጻናት ኣብ ስድራ ቤት ምንቕቓሕን ምጽዳቕን የድሊ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ሕጻናት ናይ ሰብኣዊ ተስፋ እያቶም ስለዚህ ናይ ሕጻናት ጥቕሚ ናይ ምኽባር ባህሊ ምስፋሕ ንሕጻንን ንኹላትናን ክሕሸና እዩ፥ …. ሕጻናት ስደተይናታት ደገፍ የድልዮም እዩ እሞ ኣብ ደገፎም ንትጋህ። ሕጻን ንዓለምን ሓገርን ንቤተ ክርስቲያን እውን ተስፋ እዩ።

ኵሎም ሕጻናት ስደተይናታን ኣባይቲ ስድራኦምን እቶም ቀሪቦም ዘግልግልዎምን ንሓለዋን ድጋፍን ናዝራዊት ቅድስቲ ቤተሰብ አወክፍ። … ጸሎተይ ብምርግጋጽ ሓዋርያዊ ቡራኬይ አመሓላልፍ፡

ሃገረ ቫቲካን ዕለት 8 መስከረም 2016 ዓ.ም.

ዓመታዊ በዓለ ልደታ ለንጽሕት ድንግል ማርያም

እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.