2016-10-11 16:24:00

ኢትዮጵያ፡ ናይ ሰላምን ዘተን ጻውዒት ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ


ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ብቐጻሊ ዝረአይ ዘሎ ዓመጽን ንናይ ብዙሓት ዜጋታት ሞት ምኽንያት ኰይኑ ንዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ብፁዓን ጳጳሳትን ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያናት ቤት ምኽሪ ጻውዒት ከምዘቕረበ እንክሕበር ሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካውያ ኢትዮጵያን ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ናይ ምስራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበርን ብፁዕ ካርዲናል በርሃነኢየሱስ ደምረው ሱራፊኤል፥  ዝዅነ ይዅን ዘይምርድዳእ ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣንሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

 እቲ ዓመጽ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ከተማ መደብ ልምዓት ብዝብል ናብቲ ከባቢ ምምሕዳር ዝሓጸጾ መደብ ብምቅዋም ተተሓሒዙ ዝመጸ እዩ ተባሂሉ ዝነገረሉ ዘሎ ቅልውላው መንግስቲ ነዚ ግምት ብምሃብ እቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ መደብ ልምዓት ንኽቋረጽ እውን ከምዝገበሮን ኰይኑ ግና እቲ ሕዝቢ ኦሮሞ ዘለዓዓሎ ናይ ተቓውሞ ዓመጽ ሕጂ እውን ካብቲ ብውሑድ ዓሌት ምሉእ ቁጽጽር ዝግበረሉ እዩ ቢሉ ካብ ዝኣምነሉ ናይ ፖለቲካን ኤኮኖምን ሕይወት ዝተነጸልና ኢና እንክብል ይቕጽለሉ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

መፍትሒኡ ዘተ ጥራሕ እዩ፡ ዘተ ናብ ብሩህ መጻኢ ይመርሕ

ኣብ ዕለት 19 ነሐሰ  2016 ዓም. ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ሓላፊ ፒተር ፕሮቨ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዓመጽ ናይ ሞት ሓደጋ ነዘጋጠሞም እግዚኣብሔ ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ነቶም ናይ መቝሰልቲ ሓደጋ ንዘጋጠሞም ቅልጡፍ ምሕዋይ ተመንዮም፡ ሓይሊ ጸጥታ ካብ ዘይተመዓራረየን ዘምጡን ሓይሊ ካብ ምጥቓም ምርጫ ተቖጢቡ ዘተ ዘተባብዕ መገዲ ክመርጽ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበራ ጋዜጠይና ራዲዮቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ኣስዒበን ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይታ ሃገር ኩሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ  ኣብ ማሕበራዊ ፍትሕን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ንናይ ኢትዮጵያ ብሉጽ መጻኢ ክተግህ መታን ክጽልያ እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ የዘኻኽራ።

ኣብ ዝሓለፉ ማዕልታት እውን ናይ ሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካውያን ኢትዮጵያን ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካውያን ብፁዓ ጳጳሳ ጉባኤ ኣቦ መንበር ናይ ምስራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል በርሃነኢየሱስ ደምረው ሱራፉኤል፥ ሓደ ካብ ጽልእ ናጻ ዝዀነ ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ኩሎም እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ንሕንጸ ሃገርን ንመጻኢ ትውልድ እናማዕደዉ ክሓብሩን ዕግርግር ናይ ጸገም መፍትሒ ከምዘኰይነ እንክሕብሩ ዕግርግር ሃገር ካብ ድኽነት ንኽትላቐቕ ንዘልድያ ምዕባለን ልምዓት ዕንቅፋት እዩ ከምዝበኡ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘጋሪኒ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.