2016-10-08 19:37:00

፩ ሰንበት ዘጽጌ 29 መስከረም 2009 ዓ.ም. (10/9/16)


ንባባት፡ ኤፌ፡5፡21~ፍ፥ ራእ 21፡1~9፥ ግ.ሓ. 21፡31~ፍ፥ ሉቃ 11፡1~4።  ምስባክ፡ፍሬ ጻማከ ተሤሠይ፥ ብፁዕ አንተ ወሠናይ ለከ፥ ብእሲትከ ከመ ወይን ስሙር ውስተ ጽርሓ ቤተከ። “ዕዮ አእዳውካ ዘፍረዮ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ ብፁዕ ኢኻ፥ መነባብሮኻ ኹሉ ኸአ ኺባረኽ እዩ፥ ሰበይትኻ አብ ውሽጢ ቤትካ ከም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን እያ” መዝ. 128፡2~3። እስመ ፈተወ ንጉሥ ስነኪ፥ እስመ ውእቱ እግዚእኪ፥ ወይሰግዳ ሎቱ አዋልደ ጢሮስ በአምኃ። “ብመልክዕኪ ንጉሥ ክፈትወኪ እዩ፥ ንሱ ጎይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ፥ ሕዝቢ ጢሮስ ገጽ በረኸት ኬምጽኡልኪ እዮም” መዝ. 45፡11።

 

አብ ናይ ግዕዝ አቆጻጽራ ዘሎናዮ እዋን ካልአይ ክፍሊ ዓመት እዩ መጽው ይብሃል፥ ካብ 26 መስከረም ~ 25 ታሕሣሥ ዘሎ እዩ። አብኡ ፫ ንኡሳን አዝማን ይርከቡ፡1. ዘጽጌ፥ 6 ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ብ፩ ፪ ፫ ፬ ፭ ፮ ይፍለጥ። 2. ዘአስተምህሮ፥ ዘወረደ፥ ዘቅድስት፥ ዘምኵራብ ዘመጻጉዕ፥ ዘደብረ ዘይት 5 ሰናብቲ ዝሓዘ። 3. ዘስብከት፥ወይ ምጽአት ይብሃሉ። ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ 3 ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ።

ዘመነ ጽጌ እምብአር ፮ ሰናብቲ ዝኀዘ እዩ። አብዚ እዋን ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቤተ ክርስትያን ዘለዎ ርክብ ክገልጽ ኢሉ ብአምሳል ርክብ መርዓትን መርዓውን ነቲ አብ መኀልየ መኅልይ “ንወዲ ኀወይ. . . . . መርዓት ትውድሶ” ዝብል መሰረት ገሩ ንምሕረት አምላኽ ይገልጽ። አብዚ እዋን አምላኽ ምስ ነፍሲ ወከፍና ርክብ ክፈጥር ይደሊ። እንተ ቐረብናዮ አብ ሕይወትና ተሓድሶን ለውጥን ክገጥመና እዩ።

ዘመነ ጽጌ ብፍሉይ እውን ንማርያም ዝውሃብ ጊዜ እዩ። ማርያም ምስ አምላኽ ዝነበራ ርክብ ከምኡ አብዚ ዓለም እንከላ እትኽተሎ ዝነበረት ሕይወት እናገለጸ ዕብየት ማርያም ክነስተንትን ፍሉይ ጊዜ ይኸፍተልና።

አብ መዝሙር ናይ ሎሚ ሰንበት “መርዓት ንመርዓዊ እናወደሰት ኦ ሓወይ ንዓ ንግዳም ንውጻ እሞ ወይንን ሮማንን ፈርዩ እንተሎ ንርአይ፥ ንሰማይ ብኸዋኽብቲ ዝሸለመ ንምድሪ ብዕምባባታት ዘጌጸ። ንሱ ሓደ ወዱ ጎይታ ሰንበት እዩ። መርዓት ኦ ሓወይ ቃልካ ጥዑም እናበለት ትውድሶ” ይብል። አብ መንጎ ክርስቶስን ቤአ ክርስትያኑን ዘሎ ርክብ ብአምሳል ገሩ ይገልጾ። ቤተ ክርስትያን ሕይወታ ዝቐስን ምስቲ መስራቲአ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ ክህልዋ እንከሎ ጥራሕ እዩ። ንሱ እውን ክሳብ መወዳእታ ዓለም ከምዘይፍለያ ነጊርዋ እዩ። ቤተ ክርስትያን እምብአር ንክርስቶስ ክትሰምዖ ክትሰብኮ አብ ኩሉ ልዕሊ ኹሉ ክትገብሮ ትሕዝቲ እያ። አብ ገለ እዋን ናይ ቤተ ክርስትያን ዋና ክርስቶስ ምዃኑ ዘንጊዕና ብዓይኒ ሰብ ጥራሕ ንርእያ ኢና እንተኾነ ታሪኽ ብንጹር ይነገረና።  

ዘመነ ጽጌ እምብአር ምስ አምላኽ ፍሉይ ርክብ ክህልወና እሞ ምስኡ ሓድነት ክንፈጥር ምስኡ ክነብር ዝዕድመና ፍሉይ ጊዜ እዩ። ንሎሚ ሓደ ካብቲ ምስ አምላኽ ሓደ ዝገብረና አብ ወንጌል ሉቃስ ዘሎ መሰረት ገርና ብዛዕባ ጸሎት ዝነገሮ ክነስተንትን። እዚ ምስቲ ሕይወት ማርያም እንተ ረአናዮ ይሰማማዕ እዩ። ማርያም ሕይወታ ሕይወት ጸሎት እዩ። ትውፊት ከም ዝብሎ ካብ ንእስነታ አብ ቤተ መቕደስ ዓብያ ድሕሪኡ እውን ምስ አምላኽ ቀጻሊ ርክብ ነርዋ። ቅዱስ ሉቃስ ነዚ ክገልጽ ኢሉ ንኹሉ አብ ልባ ትሕዞ ነራ ይብል። ነገር አምላኽ ተስተምቕሮ ነራ። አብ ግ.ሓ ከም እንርእዮ ድሕሪ ሞት ወዳ ነታ ቀዳመይቲ ማሕበር አብ ጽርሓ ጽዮን ብጸሎት ትመርሓ ነራ። ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ምስ ማርያም ዘሎ ርክብ እሞ ኩሉ ጊዜ ማርያም ሓጋዚት ለማኒት ምእንታና ገሩ ይነገረና። ወደይ ዝብለኩም ግበሩ እናበለት ድላይ ወዳ ትነግረና። ማርያም መምህር ጸሎት እያ።  

አብዚ እዋን ብዛዕባ ጸሎት ፍሉይ ርድኢት ክህልወና እሞ ምስ አምላኽ ተዛሪብና ክንክእል። አምላኽና ዕላል ይፈቱ ካብ ደቁ ክሰምዕ ደስ ይብሎ። ነዚ ዝተረድኡ ሓዋርያት አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ከም እነንብቦ “ጸሎት ምሃረና” ክብሉ ይሓትዎ። ሉቃስ አብ ወንጌሉ ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ጸሎት ይዛረብ። ገለ ወንጌል ጸሎት እናበሉ ይጽውዕዎ። ካብ ካልኦት ወንጌላውያን ንላዕሊ ኢየሱስ አብቲ ፍሉይ ነገራት፥ ስብከቱ ቅድሚ ምጅማሩ፥ ክጥመቕ እንከሎ፥ ሓዋርያቱ ቅድሚ ምሕራዩ፥ ቅድሚ ናይ ጴጥሮስ ኑዛዜ ብዛዕባ ንሱ መሲሕ ምኻኑ ምዝራቡ፥ አብ ገተ ሰማኒ ቅድሚ ሕማማቱ፥ ከም ዝጸለየ ይነግረና። ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ምስ ሰማያዊ አብኡ ይራኸብ ነሩ። አብ ብሕቱው ቦታ ከይዱ ይጽሊ ከም ዝነበረ ነንብብ። ጸሎት አብ ኢየሱስ ከም ንርእዮ ፍሉይ ርክብ ምስ አምላኽ ምፍጣር እዩ።

ሓዋርያት ክጽሊ ምስ ረአይዎ ነዚ ምኽንያት ተጠቒሞም ከመይ ገርን ከም እንጽሊ ጸሎት ምሃረና ኢሎም ሓቲቶሞ። ካልእ ምኽንያት መሕተቲኦም እውን ብጊዜ ኢየሱስ ዝነ መምህር እሞ ተኸተልቲ ተመሃሮ ዘለዎ ንሱ ዝደረሶ ጸሎት ክምህሮም አለዎ ንአብነት ተመሃሮ ዮውሃንስ ጸሎት ምሂርዎም ነሩ ከምኡ ካልኦት መማህራን ሓዋርያት እውን ነዚ ርእዮም ክኾኑ ይክአል ጸሎት ምሃረና ዝበልዎ። ብዝኾነ ንሕትኦም ክምልሰሎም እንከሎ እዚ ሕጂ እንደግሞ “አቦና አብ ሰማይ እትነብር” ዝብል ጸሎት ምሂርዎም። እዚ አብ ወንጌል ሉቃስ ዘሎ ካብቲ አብ ማቴዎስ ዘሎ ፍልይ ዝበለ እዩ። እቲ መሰረታዊ ነገራት ሓደ እዩ፥ ናይ ማቴዎስ ሾውዓት ልመናታት አልኦ፥ማቴዎስ ወንጌሉ ንአይሁድ ዝነበበሩ ክርስትያን ስለ ዝጸሓፎ ትሕዝቶ ወንጌሉ ብዙሕ አብ ባህሊ አይሁድ ዝተመስረት ነገራት ይጥቀም። ሉቃስ ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረቡ ክርስትያን እዩ ጽሒፍዎ፥ ብዛዕባ ጸሎት አብ ዝጸሓፎ ሓምሽት ልመናታት እዩ ዝጠቅስ ።

ኢየሱስ ንሓዋርያቱ እዚ ጸሎት ክምህሮም እንከሎ ክድግምዎ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ውሽጦም ምስ አምላኽ ርክብ ክፈጥሩ ንማለት እዩ። ንነፍስወከፍ ልመና ኢየሱስ ዘስተምሃሮ ብዕምቆት እንተ ረአናዮ ብሓቂ ክንጽሊ ንኽእል። ንነፍስወከፍ ልመና ብአስተንትኖ እንተ ደገመናዮ አብ ውሽጥና አቲና ኩነታትና ክንርኢ ክውጥረና እዩ። ነዚ ክሕግዘና ሕጽር ብዝበለ በብሓደ ንርአዮ።

አቦና. . . .

ንእግዚአብሔር አቦና ኢልና ንጽውዖ፥ አቦና ኢልና ክንጽሊ ከሎና አምላኽ ምንጪ ሕይወትና፥ ንሱ ፈጣሪ ናይ ኩሉ ምዃኑ ንእመን። ንአምላኽ አቦና ክንብሎ እንከሎና ንሕና ደቁ ምዃና ንገልጽ አሎን። ደቂ እግዚአብሔር ምዃና ንገልጽ። ኩልና ናይ ሓደ አምላኽ ደቂ ካብ ኮና ኩልና አብ ነነድሕድና አሕዋት ኢና፥ ካብዚ ዝግለል ወላ ሓደ የለን። አብ ቅድሚ አምላኽ ብፍሉይ ዝርአ የለን ኩልና ብአምሳሉ ዝተፈጠርና አሕዋት ኢና። አቦና ሓደ ዝና ፍጡራት አምላኽ ኢና። እሞኸ አነ ነዚ ክደግም እንከሎኹ እዚ ርድኢት ዘሎኒ? ንዝኾነ ሰብ አብዚ ዓለም ዝረኽቦ ዓለቱ፥ ዘግነቱ ሕብሩ፥ ደረጅኡ፥ ሥርሑ፥ ዕድሚኡ፥ ሃይማኖቱ፥ ጠባዩ ብዘየገድስ ከም ሓወይን ሓብተይንዶ እርኢ? ከምኡ እንተ ዘይኮነ ነዚ ጸሎት እዚ ክደግሞ አይክእልን እየ ክሳብ ከምኡ ዘይገበርኩ ክጽልዮ የብለይን። ነዚ ክንርኢ ከሎና ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ክጽልዩ ዘምሃሮም ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ንአናን ንአአቶምን ክንርኢ ንኽእል። አብ መንጎ ሰባት ፍልልይ ዝአቱ ኩልና ካብ ሓደ አምላኽ ምዃና ምስ ዘንጋዕና ጥራሕ እዩ። አብ እምነት ክርስትና ጣርሕ እዩ ንእግዚአብሔር አቦና ኢልና እንጽውዖ፥ እዚ ኸአ ምስኡ ዘሎና ምቅርራብ ክሳብ ክንደናይ ምዃኑ ክንገልጽ ኢሉ መምህርና ኢየሱስ ክርስቶስ ከማና ምስ ኮነ ዝመሃረና ጸሎት እዩ።

ስምካ ይቀደስ. . . . ።

ስም እግዚአብሔር ብቐደሙ ዝተቀደሰ እዩ፥ ንሕና ሓንቲ ክንገብሮ አይ ንኽእልን ኢና። አብዚ ልመና ምሉእ ዓለም ንናይ እግዚአብሔር ቅድስና ከለሊ፥ ምሉእ ዓለም ምስ መላእኽቲ ኮይኑ ቅዱስ ቅዱስ . . . . እናበለ ክዝምር ምእንቲ ኢና እንደግሞ። እግዚአብሔር እዚ አየድልዮን እዩ ንሕና ኢና ዘድልየና። ንሕና ነዚ መዝሙር ብምሉእ ልብና ክንዝምር እንከሎና ብምሉእ ናቱ ምዃና ንገልጽ ንሱ ጎይታና ምዃኑ ንፈልጦ።

ካልእ መገለጺ ናይ እዚ ልመና መንግስትኻ ትምጻእ እናበልና ንልምን። ደጋጊምና ነዚ ክንድግም እንከሎና ንመንግስቲ አምላኽ ኢና እነመልክት። እዚ መንግስቲ አምላኽ እንብሎ እቲ አምላኽ አብ ልቢ ደቂ ሰብ አብ አእምሮ ደቂ ሰብን አብ ርክባቶምን ዝግለጸሉ እዩ። ሰባት አብ ዓለም ንመንግስቲ አምላኽ አብ መንግኦም ክገብሩ ከለዉ ሓቅን ፍቕርን አብ መንግኦም ይርከብ አብ ሕይወቶም ክብሪ እግዚአብሔር ይገልጹ። ሳዕበኑ ኸአ ነጻነት፥ሰላም፥ ፍቕሪ ዝነገሳ ዝመልአ ዓለም ይረኽቡ።

ነዚ ልመና ክንደግም እንከሎና ንእግዚአብሔር ንሕና ኮፍ ኢልና እንከሎና አብዚ ከምጽአልና አይኮናን እንልምኖ ዘሎና። ንሕና መንግስቲ አምላኽ አብ ምምጻእ ብወገና ዝድለ ክንገብር እጃምና ክንጻወት ንውፈ አሎና። ናታትና ሱታፌ አብዚ ብዘይመጠን አድላዪ እዩ። ክርስትያን ምዃን ሓዋርያ ምዃን ማለት አብዚ ተልእኮ እዚ ኢድካ ምሕዋስ እሞ ንመንግስቲ አምላኽ ክዉን ምግባር ማለት እዩ። ሕጂ አብዚአ እዋን እዩ ክጅምር ዘለዎ እምበር ንመጻኢ ኢልካ ዝሕደግ ጉዳይ አይኮነን። አብቲ ናይ ማቴዎስ ዘሎ አብዚ ምድሪ መንግስትኻ ይምጻእ ዝብል ተወሲኽዎ አሎ። እምብአር ከም ኩሉ ልመናታት እዚ ጸሎት እዚ ድላይ እግዚአብሔር ክዉን ክኸውን ናታትና ተሳትፎ የድልዮ። ብሓቂ ብሓላፍነት ክንገብሮ ዘሎና ጸሎት እዩ።

መግቢ ዕለትና ሎሚ ሃበና. . . . .

እዚ ጸሎት አብ መዓልታዊ ሕይወትና ክነብር ዝሕግዘናን ዘድልየናን ልመና እዩ። አብዚ ሃበና ዝብል ቃል ከቢድ ቃል እዩ። ሃበና ክንብል እንከሎና ንመን የስምዕ? ስድራይ፥ አዕሩኽተይ? መሳርሕተይ?ደቂ ዓደይ? ደቂ ሃገረይ? ዓለተይ? ብርግጽ ንኹሎም ደቂ እግዚአብሔር ብዘይ አፈላላይ እዩ ዘስምዕ።

እዚ እንተ ኾይኑ ዘስምዖ እዚ ጸሎት ምእንቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ አብ ዕለታዊ ሕይወቱ ዘድልዮ መግቢ መታን ክረክብ ኢና እንጽሊ ዘሎና። እዚ ግን ንሕና ኢድና ከይሓወስና ክኸውን አይኽእልን እዩ። እዚ ልመና እዚ ሱቕ ኢልና ናብ አምላኽ እነመሓላልፎ ጥራሕ አይኮነን። ንስኡናት አሕዋትና ክንምግብ ክንዕንግል ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት እዩ። አብዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ሰብ ብዝፈጠሮን ባህርይ ብዝፈጠሮን ምልዮናት ብናይ ጥመት ሓለንጊ ይቕዘፉ አለዉ፥ ሕፃናት ስአን መግቢ ሰውነቶም ማህሚኑ ዝሳቐዩ ብዙሓት እዮም፥ ገለ ኸአ ብገፋዕቲ እቲ ዝግብኦም መሰል ስኢኖም ዝሳቐዩ አለዉ ነዚ ኹሉ አብ ንቡር ክንመልስ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት እዩ። ብዓይኒ ሓቂ እንተ ረአናዮ ኩልና ናይ ዕለት መግብና ክንረክብ ዝክአለና ንገብር የለናን። እዚ ልመና እዚ እምብአር ናይ ብሓቂ አብ ሕልናና አቲና ክንገብሮ ንዝግብአና ክንሓስብ ዝሕግዘና እዩ።

አብ ቅዳሴ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ክንቀርብ እንከሎና ክንደግሞ እንከሎና ዝያዳ ሓላፍነት የልብሰና። ቅዱስ ቍርባም ምልክት ናይ ማሕብር ብኹሎም አባላታን ካልኦትን እትግደስ እዩ። ምስጢር ምቑራስ ምስ አሕዋትና እዩ። ንመአዲ ቅዱስ ቍርባን ድሕሪ ምቕባልና ንሱ ካባና ዝደልዮ እንተ ዘይገበርና ዘሕፍር እዩ። ክርስቶስ ሥጋኡን ደሙን ክህበና እንከሎ ንሕና እውን ብዓቕምና ንከማና ዝበለ ሰብ ሕይወት ክረክብ ዝክአለና ክንህብ ኢሉ እዩ። ዝህብ እዩ ዝውሃብ።

በደልና ሕደገልና ንሕና እውን ንዝበደሉና ክንሓድገሎም፡ 

ነዚ ክንደግም ከሎና ክንደይ ቀሊል እዩ። እንተ ኾነ አስተውዕል እንተ አበልና ናይ ብሓቂ ዘፍርሕ እዩ። ነቲ አምላኽ ክሓድገልና እንደልዮ አብቲ ንሕና ክንሓድጎ ዝግብአና ውዕሊ ነእትዎ። ክንምሓር መጀመርያ ክንምሕር ከም ዘሎና ክንርዳእ። ሕድገት ምምሓር ቀንድን መሰረትን ናይ ሓደ ክርስትያናዊ ሕይወት ክኸውን ይግባእ። ኩላትና ክም እንፈልጦ አብ ገለ እዋናት ክተተግብሮ ከቢድ እዩ። አምላኽና ኩሉ ጊዜ ክሓድገልና ክምሕረና ኩሉ ጊዜ ምስ ደለየ እዩ። ንአኡ ክንመስል ፍጹማት ክንከውን እንተ ደለና ንሕድገት ስንድዋት ክንከውን አሎና። እቲ ቀንዲ ዘገድሰና ንምፍራድ ወይ ንምቕጻዕ ዘይኮነ ንምሕረት ነቲ ተበቲኹ ዝነበረ ከምብሓዲስ ሕይወት ምሃቡ እዩ። ሕደጉ ክሕደገልኩም ይብለና። ታቦት አምላኽ ዝኾነ ልብና ብቂምታን ቅርሕንትን መሊእና አይንንበር ምሒረ አሎኹ ኢልና አብ ቅድሚ አምላኽ ንሓውናን ሓፍትናን ምሕረት ንአውጀሎም ሽዑ ናይ ብሓቂ ደቂ ሓደ አቦ ክንከውን ኢና።

አብ ፈተና አይተእትወና፡

ንሕና ካብ አምላኽ ክፈልዩና ዝደልዩ ብሕሱማት ጸላእቲ ዝተኸበብና ኢና። ካብ አምላኽ ከይንወጽእ አብ ካልእ ደምበ አቲና ጓኖት ኮና ከይንነብር ካልኦት ናቶም ገሮም ካብ ገጽ አምላኽ ከየርሕቝና ክንጥንቀቕ አሎና። ኩሉ ጊዜ ካብቲ ጥሒልናዮ ዘሎና ክንወጽእ ነጻነት ዝህብ ጸጋ አምላኽ የድልየና። ከምቲ ንጴጥሮስ ምስ ጠሓለ ኢየሱስ ብኢዱ ስሒቡ ዘውጽኦ ንአና እውን ካብ ክፍአትናን ጸላእትናን ክንድሕን ኢድ አምላኽ ክውሃበና የድልየና። አብዚ ብምሉእ አብ ኢድ አምላኽ አብ ጸግኡን ክንውከል አሎና። አብዚ ርድኢትና ክበርህ አለዎ አምላኽ ክፉእ ነገር አይህበናን እዩ፥ ንሕና እንልምኖ ዓቕሚ ስኢና አብ ክፉእ ከይንወድቕ ክሕግዘና ንሱ ከአል ኩሉ ከንሱ ናታትና ድላይ ክርኢ ይደሊ። ሎሚ እምብአር አብ ሕይወተይ ኩሉ ክትገብር አፍቅደልካ አሎኹ እሞ ሓግዘኒ ንበሎ።

እዚ ጎይታና ዘምሃረና ጸሎት ብሓቂ እቲ ዝበለጸ ጸሎት እዩ። ክንደግሞ ከሎና አብ ሕይወትና አቲና ከም እንሓስብ ይገብረና። ክንደግሞ ከሎና ብህድአትን ቀስ ኢልና ክንደግሞ ከሎና ናይ ብሓቂ አብ አምላኽ ከም እንቐርብ ይገብረና። ካብዘን ልመናታት ከም አድላይነቱ ምስ ሕይወትና ዝሰማማዕ ገርና ሓንቲ ወሲድና ክነስተንትን ከሎና አብ ጉዕዞ ሕይወትና ዓቢ ለውጢ ከምጽአልና ይኽእል። አዚ ጸሎት እዚ ዝድገም ጸሎት ዘይኮነ አብ ልብኻ አቲኻ እተስተንትኖ እዩ ስለዚ ኩልና ክንደግሞ ከሎና ለውጢ ከምጽአልና ብምስትውዓል ክንጽልዮ ይግብአና።

ማርያም ሕይወታ ሕይወት አስተንትኖ እዩ ጸሎት ክትገብር እንከላ ምስ አምላኽ ትራኸብ ነራ ከምኡ ስለ ዝኾነት ምልእተ ጸጋ ንብላ እምብአር ሎሚ እውን ጸሎት ምሃርና ንበላ። ለምኑ ክትረኽቡ ኳሕኩሑ ክርሓወኩም ኢሉና አሎ እሞ ንለምኖ አብኡ ንመለስ ክምሕረና ኸአ እዩ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.