2016-10-06 16:38:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ንቀዳማውነቶም ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጸጋውነቶም ወልብይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውነቶም ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጸጋውነቶም ወልባይን ሰላምታኦም እንከቕርቡ

ጸጋውነቶም ዝተፈተኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብኽርስቶስ

ኣብዚ ንምርኻብኩም አመስግን። ጸጋውነቶም ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውነትኩም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምርኻብኩም ናይ ሕውነት ትእምርቲ እዩ። ብሓባር ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስትያን ብጋሴ ናይ ሓባር ርክብ ዝኽሪ መበል 50 ዓመቱ ኣብዒልና…።

ኣብ ሮማ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማእከል ምቛምን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዋሚ ልኡኽን ኣቲ ናይ ሓባር ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ካብ 1982 ክሳብ 2005 ዓ.ም. ዘወጽኦ ናይ ሓባር ሓሙሽተ ሰነዳት ናይቲ ቅድሚ 50 ዓመት ዝተበገሰ ርክብ ውጽኢት እዩ።

ብዛዕባ እቲ ንውህደት ኣሚትና እንግበሮ ናይ ሓባር ጉዕዞ እንክሓስብ ሰለስተ ቃላት ኣብ ኣእምሮይ ይመላለሱ ንሱ ኸኣ ጸሎት ምስክርነትን ተልእኾን ዝብሉ እያቶም፥

ጸሎት ትማሊ ዘዕረግናዮ ናይ ሓባር ጸሎተ ዘሰርክ፡ ሎሚ ንጐሆ ኣብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ መቓብር ፊት ዘዕረግክምዎ ጸሎትን። ምእን’ቲ ብሓባር ከነትክል ጐይታ ናይ ኣሃድነት ጸጋ ክጽግወና ንለምን።

ምስክርነት፥ እቲ ቅድሚ 50 ዓመት ኣሃዱ ዝበለን ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ዝበጽሔን ዝቅጽልን ዘሎ ናይ ሓባር ርክብን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበሩ ርክባትን ካብቲ ዝፈላልይ እቲ ዘሕብረና ረቛሒ ይዓብይ ንሱ ኽኣ እምነት እዩ። እምነት ድማ ናይ ፍቕሪ መሰኻኽር ዝገብር እዩ። እዚ ንዓለም ክንምስክሮ ዝተወሃበና ቃል ድማ ፍቕርን ሓድነትን እዩ (ዮሓ. 15,12፡ 17,21)።

ተልእኾ፥ መጽሓፈ መክበብ (ምዕ. 3,1) ንኹሉ ዘመን ኣለዎ ይብል እዚ ብመጽሓፍ መክበክ ተገሊጹ ዘሎ ጊዜ ዝብል ቃል ድማ እቲ ንኹልና ዝሓትትን ዝጽውዕን ናይ ጐይታ ጊዜ እዩ። ካብ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውጻእን ካብቲ ናተይ እንብሎ ወጽኢና መሓሪ ፍቕሪ ንኸነብጽሕ ዝሓትት ጊዜ ማለት እዩ … ፡ ንሓድ ሕድ ንደጋገፍ ወንጌላዊ ሕጹጽ ኣገዳስነት ነማእክል ኣብዚ ተልእኾ’ዚ ኩለንተናና ነወፍይ … የቐንየለ እንክብሉ ዘስሞዎ ዘረባ ኣጠቓሊሎም።

ኣስዒቦም ዘረባ ዘስምዑ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳሜ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ወልብይ፥

ቅዱስነቶም ንመርሕነትኩም ኣብነትኩምን ብፍላይ ድማ እተርእይዎን እትገልጽዎን ንኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለኵም ኣፍቅሮት ከመስግን እፈቱ።

ብእተካይድዎም ሓዋርያውያን ጉዕዞታትን ብእትበጽሕዎ ከባብን ሕዝብታትን ንኽርስቶስ ምምሳልን ተልእኾ ነገልግሎት ንድኻታትን ብቓልን ሕይወትን ኣብነት ኢኹም። … ኣዋናውያን ግብረ ጊልያነትን ንግድ ሰብን ዝኣመሰሉ ናይ እዋንና ግብረ እከይ ብምቅላዕን ብምውጋዝን ክንክን ስነ ምህዳር ኣብ ዘማእከለ ዕላማ ሃገራትን መንግስታት ዓለምን እተነቓቕሑን ኣብዚ ሓላፍነት’ዚ ናይ ኩሉ ሕልና እተነቓቕሑን ኢኹም።

… ንሰብኣዊ ክብሪ ሓደገይና እናዀነ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም፡ ኵሉ ዝፈልጦ ክነሱ መልሲ ክረከብ ዝጽዕሩ ድማ ውሑዳት እያቶም። እዚ ውግእን ጸኣትን ብከላ ምህዳርን ዓመጽን ካብ ኤኮኖሚ ተነጽሎን ኢማዕርነትን ምግባረ ብልሽውናን ምስፋሕ ግንባር ኣኽረርትን ሃይማኖት ሕቖ ዝገበረ ዓመጽን ጽልእን ንህዝብን ንዅለን ሃይማኖታትን ሓደጋ ዝዀነ መንፈስ ክፍኣትን በስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ምዕባለ እደ ጥበብ ዘወዓውዖን ዝስፍሕን እቲ ዓላምዊ ክብሪ እናተባህለ ዝስበኽ መሰል ገና ዘይተወልዱ ዕሸለታ ዝቕንጽል ኣካለ ስንኩላንን ኣረጋውያንን ዝነጽግ ሰብ ዘይኰነ ሃብቲ ገንዘብ ዝብል ኤኮኖሚ ዘማእክል ባህሊ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ብድሆታት ቅዱስነቶም በቢ ዕለቱ ብምትንታንን ብምውጋዝን ሰብኣውነት ሰብ ክማእከል ተስተምህሩን ትሓንጹን ትገንሑን።

… ምግምማዕ ምስክርነት የሰናኽልን ድኹም ይገብር፡ ስለዚህ ሓደ ዘይምዃንና ዓለም ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝመጸ ኢየሱስ ምርኣይ ተሳኢንዎ ኣሎ። ሓድነትና እንኰ ቅዱስ ቁርባን ዘይንካፈሎ ብምዃኑ ድኹም እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ሓጐስ ይጋርዶን የደብኖን።

… ክርስቶስ ብፍቕሪ ብመስቀሉን ትንሳኤኡን መንፈስ ቅዱስ ልኡኹን ሰብኣዊ ክብሪ ዳግም ሓዲሱ … እቲ ናይ ሓባር ድርገት ብናይ ሓባር እቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ምትእስሳር ክርስቶ ተስፋ ዓለም ምዃኑ ዝምስክር ግብረ ተልእኾ ውህበቱን ውበቱን ይምስክር። ብሓባር ውግእን ኢፍትሓውነትን ክንቃወም የተባብዓና….

ቅዱስነቶም …  መሕልፎ እቲ ዘሎና ፍልልያትን ዘይውህደትን ስሌ እቶም ዝሳቐዩን ንስደትን መከራን ዝዳረጉ ማሕበረ ክርስቲያን ድምጽና ብጣምራ ነስምዕ።… ኢየሱስ ቀቅድሜና እናመርሔ ተባዓት ክንከውን ይሓትተና። ብተቐራራብነት ብሓባር ንጓዓዝ … በዚ ዓይነት ናይ ሓባር ጉዕዞ ዓለም ኣብ ኣምልዀን ስግደትን ተልእኾን ምስክርነት ዘሎ ሓድሽ ሕይወትን ሓይልን ሓሴትን ተስፋን የማዕድው።

እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.