2016-10-06 16:35:00

ርክባት ካቶሊካዊትን ኣንግሊካዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ናይ ሓባር መግለጺ


ዕለት 2 ሕዳር 1960 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክሌኣዊ ርክብ ዮሓንስ መበል 23ን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳሚ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጸጋውነቶም ፊሸርን ነቲ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳሚ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ሚካኤል ራምሰይ ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 24 መጋቢት 1966 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ነዘካየድዎን ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ባዚሊካ ንናይ ሓባር ጸሎት ተራኺቦምን ጸጋውነቶም ራምሰይ ብርኮም ዓጺፎም ኢድ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ እንክሳለሙ ጳውሎስ ሻድሻይ ድማ ናይ ሮማ ጳጳስ ቀለበቶም ኣውጺኦም ኣብ ኣጻብዕ ጸጋውነቶም ከምዘንበሩን እቲ ርክብ ንሓድነት ኣሚቱ ቀጻልነት ክህልዎ ዝደረኸን ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘርከብ ክሌኣዊ ርክብ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምኽንያት ዕለት 6 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መራሔ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጸጋውነቶም ጁስቲን ወልባይን ብዘካይድዎ ርክብን ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅዱሳት እንድሪያስ ወጎርጎሪዮስ ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን በርብዓ ናይ ክልቴኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ተዓጂቦም ናይ ሓባር ጸሎተ ዘሰርክ ኣዕሪጎም።

ዕለት 6 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ንጎሆ ጸጋውነቶም ወልባይ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ 38 ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መራሕያን ጳጳሳት ተዓጂቦም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ከምእተረኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ፡

ድሕሪ እቲ ናይ ሓባር ጸሎተ ዘሰርክ ክልቲኣቶም መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ሓባር መግለጺ ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ ኣብቲ ናይ ሓባር ኣዋጃዊ መገልጺ ቅዱስ ኣቦናን ጸጋውነቶም ወልባይ ኣብ መእተዊ ነቲ ዝበዓል ዘሎ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ናብ ሓድነት ዘተኰረ ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ክሌኣዊ ርክብ ብጋሴኡን ታሪኻዊ ተበጽሖታቱ ዝዳህሰሰን ነቲ ብቕዱሳንን ደመ ሰማእታትን ብቓልን ሕይወትን ዝተመስከረ እናተወራረሰ ዝመጸ ዘሎን  ክሳብ ወሰን ምድሪ ክንምስክሮ (ግብ.ሓዋ. 1,8) ዝተቐበልናዮ ናይ ክርስቶስ ወንጌል እዩ ቢሎም ክሳብ ወሰናስን ዓለም ዝብል ቃል መልክኣ ምድራዊ ውክልና ዘለዎ ጥራሕ ዘይኰነስ ነቶም ዝተነጸሉን ዝተናዕቁን ኣብ ናይ ሕብረተሰብን ህልውናን ወሰናይ ኣብሊጹ ዝውክል ምዃኑ የስምርሉ።

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይን ሊቀ ጳጳሳት ራምሰይን ርክብ ናይ ሓባር ካቶሊካዊ ኣንግሊካዊ ዓለም ሓቆፍ ድርገት ኣቑይሞም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ኣብ ናይ ሓባር ትውፊት ቤተ ክርስቲያንን ዝቖመ ንሓድነት ዝኣመተ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ኣነቓቒሖም እዮም። እዚ ድርገት’ዚ ሊሚ ኣውን ኣገልግሎቱ ብምቕጻል ብዙሕ ውጺኢት የዕትር ኣሎ … ።

… መንፈስ ቅዱስ ዝመርሕን ናብቲ ምሉእ ሓቂ ንኽንበጽሕ ድማ ክመርሓና እዩ (ዮሓ. 16,13) ምእንቲ’ዚ እቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ርክብ ኣብ ጸሎትን ፍቕርን ከምቲ ኢየሱስ ሓደ ምእንቲ ክዀኑ ቢሉ ናብ ኣብኡ ዘዕረጐ ጸሎት ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያናት ኣውን ከምኡ።  … (ዮሓ. 17,20-13) ጐይታ ኣብታ ናይ መወዳእታ ድራር ሓደ ምእንቲ ክዀኑ ጸለየ፡ ዝፈላልይ ብዙሕ ነገር እውን እንተሎ ኣብ ጸሎት ምሕባር። ብሓባር ምጽላይ ተኽእሎ ዘይኰነስ ግቡእነት እዩ።

ሓደ ምዃን ስለምታይ “መላእ ዓለም መታን ክኣምን” (ዮሓ. 17,21) ካብቲ ዝፈላልይ እቲ እንካፈሎ እምነትን ናይ ሓባር ወንጌላዊ ሓሴትን እዚዩ ዓቢይ እዩ።  … ዓለም እምነትና ብሓባር ብቓልን ሕይወትን ክንሰብኽን ክንምስክርን ክርእየና ኣለዎ። … ብሓባር ስለ ናይ ሓባር ቤትና ክንንክ ክንዓዪ ፍጥረትን ተፍጥሮን ብምኽባር ነቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ስነ ምሕዳራዊ ብከላ ክውገድ ንኹሉ ዘጠቓልል ማንም ዘይንጽል ማሕበራውን ሰብኣውን ምሉእ ምዕባለ ዘረጋግጽ ተቐባልነት ዘለዎ ልምዓት ምንቕቓሕን ኣብ’ዚ ኩሉ ዕላማ’ዚ ሓደ ምዃን ተኣምኖትና ተኣማኒነቱ ነረጋግጽ። … ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ከም ውዳቕ ዝሓሰቡን እቲ ተጠቂምካ ምጉሓፍ ዝብል ከም ውዳቕ ርአ ዝብል ባህሊ ዓመጽን ግርጭትን ብዙሕ ጊዜ ሃይማኖታዊ ምኽንያት እውን ዝወሃቦ ጸረ ስብኣዊ ተግባራት ብምቅዋም ንዓለም መገዲ ሰላም ብምብራህ ኩሉ ኣብ ሕንጸት ሰላምን ናይ ዘተ ባህልን ክተግህ ምድጋፍ ስለምታይ ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ ሰብኣዊ ፍጥረት ቅዱስ ምዃኑ ተኣሚና ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብሪ ክንጣበቕ ዝተጸዋዕና ኢና።

… ጳውሎስ ሻድሻይን ሊቀ ጳጳሳት ራምሰይ “ኣሕዋተይ … ሓደ ነገር ደኣ ኣሎ ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ ናብቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ኣቢለ ኣናተመጣጠርኩ ..” (ፊሊ. 3,13-14) ኣብ ዝብል ቃል ተመርኵይዞም ዘበገስዎ ናይ ሓባር ርክብ ነቲ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ዓሚይቕ ርክብ መሰረት ኰይኑ ኣሎ …. ። ብምሉእነት ሓደ መእንቲ ክንከውን ኣብ ቃልን ተግባርን ድሕነትን ፈውስን ኣብ ዝዀነ ቃል ክርስቶስ ንበርኽ … ቢሎም ናይ ቅድስቲ ስላሴ ቡራኬ ኣብ ልዕሊ እቶም ንሓድነት ኣሚቶም ዝዓዩ ኩሎም ንምሕጸን …” ከምዝበሉ ናይ ቅስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.