2016-09-29 17:12:00

ቤተ ክርስትያን ምሕረት ስለዝኾነት ናይ ኩሉ እያ! ናይ ሕያዎትን ዘይሕያዎትን እያ! ር.ሊ.ጳ


`ቀራንዮ ኣብ እትብሃል ስፍራ ምስ በጽሑ፡ ኣብኣ ሰቐልዎ። ነቶም ገበርቲ ኽፉእ ከኣ ሓደ ብየማኑ ሓደውን ብጸጋሙ ሰቕልዎም። … ካብቶም እተሰቕሉ ገበርቲ ኽፉእውን ሓደ፥ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን፡ ኢሉ የላግጸሉ ነበረ። እቲ ኻልኣዩ ግና፥ ኣታ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ፍርዲ ኸሎኻስ፡ ኣምላኽዶ ኣይትፈርህን ኢኻ፧ ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዚግብኣና ተፈዴና፡ እዚ ግና ሓንቲ ኽፍእቲ እኳ ኣይገበረን፡ ኢሉ ገንሖ። ንኢየሱስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ፡ በሎ። ኢየሱስ ድማ፥ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።’ (ሉቃ 23,33.39-43)

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ዳሓንዶ ሓዲርኩም! ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጊዜ ሕማማቱ ዝበለን ቃላት ጥርዚ ምሕረቱ ይገልጹ፣ ኢየሱስ `ኦ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቅረ በለሎም` (ሉቃ 23.34) እንክብል ይምሕር፣ እዘን ቃላት እዚኤን ማንም ዘረባ ዘይኮነስ ሳዕቤን ከምዘለውንን ክእለት ከምዘለወንን ነቲ ምሳኡ ኣብ የማኑ ተሰቂሉ ዝነበረ `ሕያዋይ ሰራቂ` ብዝሃቦ ምሕረት ጭብጢ ይህባ፣ ቅዱስ ሉቃስ ብዛዕባ ክልተ ገበርቲ ሕሱም ምስ ኢየሱስ ከምተሰቅሉ  እንከመልክት ተጻጻሪ ብዝኾነ መንገዲ ንኢየሱስ ከምዘዘራረቡ የዘንቱ፣

እቲ ቀዳማይ ከምቲ ኩሉ ሕዝብን ኣሕሉቆምን ዝጸርፍዎ ዝነበሩ ይጻረፎ! ተስፋ ቊርጸት ብዝደፋፈኦ ከኣ `ክርስቶስዶ ኣይኮንካን ንዓናን ንርእስኻን ኣድሕን’ ይብሎ፣ እዚ ገዓር እዚ ስቃይ ናይ ጻዕሪ ሞት እንከመልክት ካብዚ ከድሕን ዝኽእል ከኣ እግዚኣብሔር ጥራይ ምዃኑ ካብ ምርዳእ እዩ፣ ኮይኑ ግን እግዚኣብሔር ንመሲሑ በዚ ኣገባብ እዚ ክልእኮ ምሕሳብ ጽንኩር እዩ፣ ልኡኽ እግዚኣብሔር ንክድሕን ፋሕተርተር ከይበለ ኣብ መስቀል ሱቊኢሉ ክመውት ምርኣይ ስግንጢር ኮኖ፣ ኩሎም እውን ክርድእዎ ኣይከኣሉን፣ ናይ ኢየሱስ መስዋዕቲ ምዃን ምስጢር ክርድእዎ ኣይከኣሉን፣ እቲ ሓቁ ግን ኢየሱስ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ኣድሓነና እዩ፣ ኩልና ከምእንርድኦን ዘጓንፉና ናእሽቱ ዕለታዊ መስቀላትን `ኣብ መስቀል ተሰቂልካ ምትራፍ` ቀሊል ኣይኮነን፣ ጐይታ ግን ኣብቲ ዓቢ መስቀል ምስ ዓቢ ስቃይ ንከድሕነና ኣባኡ ወዓለ፣ ከኣሊ ኩሉ ምዃኑ ኣብ መስቀል ኣርእዪና! በዚ ከኣ ንኩልና ይቅረ ኢሉልና፣ ኣብዚ ዕጸ መስቀልከስ እቲ ዝዓበየ ወፈያ ፍቅሩን ይገልጸልና ንዘለዓለም ዝኸውን ድሕነትና ከኣ ካባኡ ይፍልፍል፣ ኣብ ቀራንዮ ኣብ ማእከል ክልተ ገበርቲ ሕሰብ ኮይኑ ድሕነት እግዚኣብሔር ወላ ኣብቲ ዝሓሰመ ኩነትን ስቃይን ንዝርከብ እውን ከይተረፈ ንኩሎም ደቂ ሰባት ብዘይ ገድብ ከምዝተዓደለ ይገልጽ፣ ድሕነት እግዚኣብሔር ንኩሉ ሰብ እዩ! ካብዚ ወላ ሓደ ኣይፍለን! ንኩልና ዝተወፈየ እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ እዚ ኣዊጅናዮ ዘሎና ዓመት ምሕረት ኢየቤል ንኩሉ እዩ፣ ንሕያዎትን ዘይሕያዎቶን ንጥዑያትን ብዝተፈለለየ ምኽንያት ንዝሳቀዩን ብዘይሌላ ጉሌላ ንኩሉ እዩ፣ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ንወዱ መርዓ ዝገበረ ሓደ ንጉስ ዘቅርቦ ምስላ ዘክሩ፣ እቶም ዕዱማት ምምጻእ ምስ ኣበዩ `ሽዑ ንባሮቱ፡ እቶም ዕዱማት ደኣ ዘይብቑዓት ኰይኖም እምበር፡ መርዓስ እተዳለወ እዩ፡ ደጊም ናብ ቀራና መገዲ ኺዱ እሞ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ጸውዑ፡ በሎም። (ማቴ 22.9)፣ ንሕና ኩልና ሕያዎትናን ዘይሕያዎትናን ዕዱማት ኢና፣ ቤተክርስትያን ንሕያዎት ወይ ከኣ ሕያዎት ዝመስሉ ወይውን ሕያዎት ኢና ኢሎም ዚኣምኑ ጥራይ ኣይኮነትን፣ ምናዳ እኳ ነቶም ዘይሕያዎት ሓጢኣተኛታት እንብሎም እያ እትግባእ ከመይ ቤተክርስትያን ምሕረት እያ፣ እዚ ናይ ጸጋን ምሕረትን ግዜ እዚ ከኣ ካብ ፍቅሪ ክርስቶስ ክፈልየና ዝኽእል ምንም ከምዘየለ የዘኻኽረና (ሮሜ 8.39)። ነቲ ኣብ ዓራት ሆስፒታል ተቈሪኑ ዘሎስ ይኹን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዓጽዩ ዘሎ ከምኡ እውን ብውግእ ተኸቢቦም ጸቢብዎም ንዘለው ንመስቀል ክርስቶስ ተመልከቱ እብሎም፣ እግዚኣብሔር ምሳኹም ኣሎ፣ ኣብ መስቀል ምሳኹም ይሳቀ በዚ ኣቢሉ ከኣ ንኩሉኹም ንዓና እንኮላይ ከም መስዋዕቲ ምሕረት ይውፈ፣ ንዓኹም ንእትሳቀዩ ኢየሱስ ንዓኹምን ንዓናን ንኹልና ተሰቂሉ እብለኩም፣ ናይ ወንጌል ሓይሊ ኣብ ልብኹም ሰንጢቁ ክኣቱ እሞ ከጸናናዓኩምን ተስፋ ክህበኩምን ማንም ካብ ምሕረቱ ከምዘይተርፍ ርግጽነት ክህበኩምን ኣፍቅዱሉ፣ ኮይኑ ግን ገለኹም ‘ስምዑስከ ኣባቴ እቲ ኣብ ሕይወቱ ዝሓሰመ ነገራት ዝፈጸመ ንክመሓር ተስፋዶ ኣለዎ ይመስለኩም’ ኢልኩም ክትሕቱ ትኽእሉ፣ መልሱ ከኣ እወ! እወ ካብ ምሕረት እግዚኣብሔር ዝፍለ ወይ ዝውገድ ሓደኳ የልቦን፣ ሓንቲ ዝሕተታ ናብ ኢየሱስ ክቀርብ ከሎ ብጥዑስ ልቢን ኣብ ሕቊፉ ክቅበሎ ሰናይ ድሌትን እዩ፣

እዚ ዝተዛረብናሉ እቲ ቀዳማይ ዓመጸኛ ወይ ፈያታይ እዩ፣ እቲ ካልኣዩ ፈያታዊ ዘየማን ‘ብሕያዋይ ሰራቂ’ ዝፍለጥ እዩ፣ ቃላቱ መወዳድርቲ ኣልቦ ናይ ንስሓ ቃላት እየን፣ ንኢየሱስ ምሕረት ንምሕታት ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ዝምህረና ትምህርተ ክርስቶስ ክንብሎ ንኽእል፣ እዚ ሰብዚ ብመጀመርያ ናብቲ ሕሱም ዝበልናዮ ብጻዩ ቁሊሕ ይብል እሞ ‘ኣታ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ፍርዲ ኸሎኻስ፡ ኣምላኽዶ ኣይትፈርህን ኢኻ፧’ ይብሎ። ንፈሪሃ እግዚኣብሔር ኣብ ቀዳማይ ቦታ ብምቅማጥከስ ናይ ንስሓ ጉዕዞኡ ይጅምር፣ እዚ ፍርሃትዚ ናይ ራዕድን ምሽቊራርን ፍርሒ ኣይኮነን፣ ናይ ክብርን ኣምልኾን ንወላዲ ከየሕዝን ውሉድ ዝፈርሆ ዓይነት እዩ፣ በዚኸስ እዚ ሕያዋይ ሰራቂ ናብ ምሕረት እግዚኣብሔር ንምትእምማን ዘድሊ መሰረታዊ ነገር እንታይ ምዃኑ ይሕብር፣ እዚ ምትእምማንዚ ከኣ እግዚኣብሔር ከኣሊ ኩሉን ሕያውነቱ ከኣ ደረት ከምዘይብሉን ምፍላጥ እዩ፣ እዚ ምትእምማን ዝመልኦ ኣኽብሮ እዚ ከኣ ልብና ንእግዚኣብሔር ክንከፍትን ኣብ ምሕረቱ ክንተኣማመንን ዝሕግዘና፣

ኣስዒቡ እቲ ሕያዋይ ሰራቂ ናይ ኢየሱስ ንጽሕና ይእውጅ ሓጢኣቱ ከኣ ብጋህዲ ይእመን `ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዚግብኣና ተፈዴና፡ እዚ ግና ሓንቲ ኽፍእቲ እኳ ኣይገበረን፡’ (ሉቃ 23።43) ይብል። በዚ ኸምዚኸስ ኢየሱስ ምስቶም ዓመጸኛታት ኣብ መስቀል ይርከብ በዚ ቅርበት እዚ ገሩ ከኣ ድሕነት ይልግሰሎም፣ ነቶም ኣሕሉቅን ነቲ ቀዳማይ ሰራቅን ነቶም ኣብኡ ኮይኖም ንኢየሱስ ዘላግጹሉን ንዝነበሩ ዕንቅፋት ዝኾነ ጉዳይ መስቀል ነቲ ሕያዋይ ሰራቂ መሰረት እምነቱን ድሕነቱን ይኸውን፣ በዚ ከምዚ ከኣ እቲ ሕያዋይ ሰራቂ ምስክር ናይ ጸጋ እዩ፣ እቲ ዘይሕሰብ ነገር ብጸጋ ኣምላኽ ክኸውን ይረኤ፣ እግዚኣብሔርከስ ክሳብ ክንድዚ ኣፍቂሩኒ ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ስለይ መይቱ፣ እዛ እምነት ናይዚ ሕያዋይ ሰራቂ ንባዕላ ናይ ጸጋ ክርስቶስ ፍረ እያ፣ እዚ መስኪን ሓጢኣተኛ ኣዕይቱ ተኺሉ ነቲ ስለኡ ዝተሰቅለ ክጥምታትን ከስተንትንን ክኢሉ፣ ርግጽ እዩ ሓደ ሰራቂ እዩ ነይሩ መዋእሉ ምሉእ እውን ሰሪቁ ክኸውን ይኽእል፣ ኮይኑ ግን ኣብ መወዳእታ በቲ ኩሉ ዝገበሮ ተጣዒሱ ነቲ ብጣዕሚ ሕይዋይ ዝኾነ ኢየሱስን ምሕረቱን እናጠመተ ከኣ መንግስተሰማያት ክሰርቅ ክኢሉ፣ እዚ ብሓቂ ንፉዕ ሰራቂ እዩ፣

ኣብ መወዳእታ እዚ ሕያዋይ ሰራቂ ብቀጥታ ናብ ኢየሱስ ይጠርዕ ሓገዙ ይሓትት ‘ንኢየሱስ፡ ጐይታይ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ፡ በሎ።’ (ሉቃ 23.42)። ብሙሉእ ተኣማንነት ብስሙ ኢየሱስ ኢሉ ይጽውዖ፣ ትርጉም ናይዚ ሽም ከኣ ጐይታ የድሕን እዩ ማለት እዩ፣ ክዝክሮ ዝልምን ዘሎ፣ ኣብዚ ሓረግዚ ክንደይ ጽንዓትን ክንደይ ትሕትናን ከምዘሎ እሞ ኣስተውዕሉ፣ እዚ ዓሚቊ ናይ ደቂ ሰባት ሃረርታ እዩ፣ እግዚኣብሔር ወትሩ ምሳኦም ክኸውን ሃረር ይብሉ፣ ኣይትሕደገኒ ጐይታ ዚዓይነቱ ልመና እዩ፣ በዚ ከምዚኸስ ሓደ ንሞት ዝተፈርደ ሰብ ብኢየሱስ ዝተኣማመን ኮይኑ ኣብነት ናይ ክርስትና ይኸውን፣ ንኣና ንደቂ ሰባት ኣብነትናን ክንክተሎ ዘሎናን ሓደ ንሞት ናይ ዝተፈርደ ኩነት እዩ፣ ኣብ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉኡ ንዝተኣማመን ክርስትያን ከማኡ እውን ነታ ኣብ ስርዓተ ኣምልኾኣ `ተዘከረኒ እግዚኦ ተዘከር ኪዳነከ ፍቅረከ.’ እናበለት ንእትልምን ቤተ ክርስትያን እውን እዚ እዩ ኣብነታ፣ እዚ ሕያዋይ ሰራቂ እዚ ብዛዕባ መጻኢ እንክዛረብ `ኣብ መንግስትኻ ምስ ኣቶኻ ዘክረኒ’ ይብል፣ መልሲ ናይ ኢየሱስ ውዓል ሕደር ዘይብላ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ግብሪ እትውዕል ኮይና፥ ‘ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።’ (ሉቃ 23,43)፣ ኣብ ሰዓት መስቀል ናይ ክርስቶስ ድሕነት ጥርዙ ይበጽሕ እታ ንሕያዋይ ሰራዊ ሰራቂ ዝኣተዋ ቃል ከኣ ተልእኮኡ ከምዝተፈጸመ ማለት ንሓጢኣተኛታት ምድሓን ዝኾነ ተልእኮኡ ከምዝተፈጸመ ንርኢ፣ ጐ፣ኢ፣ክ ተልእኾኡ ክጅምር እንከሎ ኣብ ቤተመቅደስ ናዝረት ‘ንእሱራት ሓርነት ክእውጅ እየ መጺኤ’ (ሉቃ 4.18) ቢሉ ይእውጅ፣ ኣብ ኢያሪኮ እውን ኣብ ገዛ ዕሉል ሓጢኣተኛ ዘከዎስ ‘ወዲ ሰብ ነቶም ዝጠፍኡ ክደልን ከድሕንን እዩ ዝመጸ` (ሉቃ 19.9) ክብል ገሊጹ ነሩ፣ ኣብ ዕጸ መስቀል እውን እታ ናይ መጨረሻ ተግባሩ ነዚ ናይ ድሕነት መደብ ምፍጻም ምዃኑ ኣርእዩና፣ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ምሕረቱ ገሊጹልና፣ እታ ንሓንሳእን ንወትሩን ዝኾነት ዘይትድገም ፍቅሪ ኣቦ እትህብ ምስጢረ ስጋዌ ገሊጹልና፣ ኢየሱስከስ ብሓቂ ገጽታ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ፣ እቲ ሕያዋይ ሰራቂ ኢየሱስ ክብል ጸዊዕዎ፣ ሓጻር ጻውዒት ወይውን ጸሎት ኮይና ንሕና ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ደጋጊምና ክንብላ ዘሎና እያ`፣ በቃ ኢየሱስ ኢየሱስ ምባል እስኪ ምሉእ መዓልቲ ከምኡ ክትብሉ ፈትኑ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.