2016-09-29 15:58:00

ቅዱስ ኣቦና፥ እቶም ኣብ ኣለፖ ብስርሒት ደብዳብ ተሓተትቲ ምስ እግዚኣብሔር ዝጸባጸብሉ መዓልቲ ክትመጽእ እያ


ስርሒት ደብዳብ ፈጸምቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔ ዝጸባጸቡላ ዕለት ክትመጽእ እያ ዝብል ብርቱዕ ቃል መግናሕቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ዕለት 28 መስከረም 2016 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ክምእተሰምዔን እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ውግእን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ከተማ ኣለፖ ምስ ዝተፈጸመ ናይ ደብዳብ መጥቃዕቲ ኣተሓሒዞም ዝገልጽዎን ህልው ኩነታት ሶሪያን ሕዝባን ልቢ ዘድምይ ምዃኑን ገሊጾም ኣብ ሶሪያ ሰላም ክወርድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ቅዱስነቶም ሓሳቦም ኩሉ ናብታ ኣብ ጽኩር ኵነት እትርከብን እትደምይን ዘላ ፍቕርቲ ሃገረ ሶሪያ ኣቕኒዖም ብዛዕባ ናይ ሕዝቢ ኣለፖ ጽንኩር ዘሕዝን እዋናዊ ጽሕፍቶ ዝገልጽ ዝበጽሖም ሓበሬታ ጠቒሶም ኣብቲ ናይቲ ሕዝቢ ሓዘንን ስቓይን ብጸሎተን ብመንፈሰይን ቀረባ እየ ቢሎም፥

ዝስምዓኒ ጥልቂ ሓዘንን ኣብታ ከተማ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝወርድ ዘሎ መዓት ኣዚዩ ዘሰክፍን ሕጻናትን ኣረጋውያንን ህሙማንን መናእሰይን ብጠቕላላ ሕዝቢ’ታ ከተማ ንሞት ዝዳርግ ዘሎ ጽንኩር ኵነት ጠቒሶም በርገሳዊ ሕዝቢ ካብ ሓደጋ ሞትን መቝሰልትን ካልኦት ሓደጋታትን ንምክልኻል ኩሉ ሓይሉ ኣዋዲዱ ክዓዪን እዚ ድማ ክኽበር ዘለዎ ሕጹጽ መሰረታዊ ትእዛዛዊ ዓንቀጽ እዩ ከምዝበሉ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነቲ ዝሳቐይ ዘሎ ኣብ ድነ ሞት ዝርከብ ሕዝቢ ዝከኣሎ ኽገብር ድሕሪ ዘቕረብዎ ንጹርን ጥንቁቕን ጻውዒት ኣስዒቦም እቲ ዝረአይ ኣዕናውን ዘሳቕይን ኩነት እናተራእየ እቲ ዘሕዝን ሎሚ እውን ናይ ንግድ ኣጽዋር ኣመክንዮ ልዕሊ ኵሉ ተዓዋቲ ምግባር እዩ። ምእንቲ’ዚ ነቶም ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ተሓተትቲ ዝዀኒ ጽባሕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክጸባጸቡ ዝዀኑ ሕልና ጻውዒት አቕርብ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ላ ቨላ ኣስዒቦም፥

ነቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ናይ ደገፍን ግብረ ሰናይን ሕቶታት ንምምላስ ኣሚቱ ዝተፈላለያ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝጥርንፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ ሮማ ኣብ ዝጸወዖ ብዛዕባ ሶሪያን ከምኡ እውን ዒራቕን ኣማእኪሉ ዝዝትይ ዕለት 28 መስከረም 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘበገሶ ዓውደ ጉባኤ ከምእተቓልሔ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዛዕባ እቲ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝጸውዖ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣሊያ ካሪታስ ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ ፓዎሎ በቸጋቶ ምስ ራዲድ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣለፖ ዝረአይ ዘሎ ውግእ ነታ ከተማ ዳግማይ ናይ ምቁጽጻር ስርሒት ብምዃኑ ንጹሓን ዜጋታትን ዕጡቓትን ኣሸበርትን ዘይፈልይ ንሕዝቢ ናይታ ከተማ ንዝኸፍኤ ሰብኣዊ ስቓይን ጥምየትን ዝዳርግ እዩ። ከምእንርእዮ ይብሉ ዝስተይ ጽሩይ ማይ እውን ዳርጋ የሎን እዚ ኹሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ናይቲ ንጹሕ ሕዝቢ እዋናዊ ኩነት ትሕቲ ሰብኣውነት ምንባር እዩ ኰይኑ ኣሎ እንክብሉ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት ማሕበረሰብ ዓለም ከቃልበሉን መንግስታት ዓለም መልሲ ክህብሉን ተስፋ እገብር እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ  መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.