2016-09-22 16:42:00

ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 20 መስከረም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይቲ ዘቕረብዎ ሰለስተ መደረ ጽማሬ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 20 መስከረም 2016 ዓ.ም. ኣብ ነውዮርክ ኣብ ዝርክብ ናይ ሕቡራት መንግስታ ዓለም ሕንጻ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዛዕባ ተመዛበልትን ስደተይናታን ኣብ ዝዘተየ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሃገራት መራሕቲ ዋዕላ ከምእተሳተፉን ስለስተ መደረ እውን ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ተመዛበልትን ስደተይናታን ዝዝትይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መላእ ሃገራ መራሕቲ ዓውደ ጉባኤ ብምዕዳሙ ቅድስቲ መንበር ኣዚያ ምስጋናኣ ተቕርብ ቢሎም እቲ ኣዚዩ ዝዓበየ ሰብኣዊ ፓለቲካዊ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ህልው ጽንኵር ኩነት ንምግጣምን ብሓባር ብቑዕ መልሲ ክወሃበሉ ኣሚቱ ዝተጸውዔ ብምዃኑ እቶም ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝተቐመጡ ሰበ ስልጣናት ነቲ ናይ ኣሕዛብ ደሕነት ንምኽባርን ንምርግጋጽ ዘለዎም ግብረ ገባዊ መሰረታዊ ግዴታኦም ምዃኑ ዘተሓሳስብ እዩ። ስለዚህ ነቲ ናይ ኩሉ ሰብ ዘተኣማምንን ርጉጽን ኩነት ረኸብ ማንም ከወግዶን ምስትብሃል ክነጽጎን ዝከኣል ኣይኰነ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣፍሊጠን።

ነቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታን ተመዛበልትን ኩነት መፍትሒ ንኽረክብ እቲ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቅዋም ብፍላይ ዘመልክቶ ናይ ሰብኣዊ መሰረታዊ መሰልን ግቡእን ናይ ሰብ ሰብኣውነት ክብርን ማእከልነት ሂብካ ምኽባሩ ግድን እዩ። እቲ ናይ ሕቡራት መግስታት ዓለም ቅዋም ዘመልክቶም ክቡራት ዋጋታት ናይ ሃማኖታት ባህልታት መትከል እዩ። እዚ መትከል’ዚ ድማ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ናቶም ኩነት ኔርና እንተንኸውን ክግበረልና እንደልዮ ክንክን ከምኡ ኣውን ንኣኣቶም ብልክዕ ክኽወን  ዝብል ወርቃዊ መምርሒ የተሓሳስበና።

ብርግጽ እቲ ጸኣት ስደተይናታትን ተመዛበልንት ዘጋንፎን ጸገምን ነቲ ስደትን ምዝብልናን ዝዳርጎም ምኽንያት ፍታሕ ንኽረክብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እቲ ጸኣት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብዓይነቱ ኣዚዩ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው ብምዃኑ ስደተይናታት ዝኣትውለን ሃገራትን ሕብረተሰብን ስክፍታኡ ክገልጽ ግብእን ምኽንያታውን ምዃኑ ግምት ምሃቡ የድሊ እንተኾነ ግና እቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ቁጽሪ ዘይኰኑስ ስምን ወጅህን ዘለዎም ሰብኣውያን ምዃኖም ክሰሓት የብሉን፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎም እያቶም። ብጀካ ምትሕብባርን ስሌኦም ምቡቕባቕ ሰብኣዊ መሰሎም ክብሮም ክሕለወሎም ይግባእ።  እዚ ኣቀራርባ’ዚ ድማ “ቅድም ቀዳድም ኩሉ ከም ሓውን ሓፍትን ዝረኣኣየሉን ካብ ፈላላይ መናድቕ ዘራኽብ ድልድል ዝሓንጽ ሓደ ሰብኣዊ” (ቅዱስ ኣቦና ኣብ ለስቮስ ዕለት 16 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም.) ክህሉ ይጠልብ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቅዋም ኣብ መንጐ ኣህዛብን ሰባትን ህላዌ ኣካላዊ ድዩ ሕጋዊ መናድቕን መጋረዲ ከምዘሎ ኣፍልጦ ከምእንህብ ዘረጋግጽ እውን እንተዀነ መናድቕን መጋረድን መፍትሒ ኣይኰነ። መጋረዲ ሰባትን ኣሕዝባን ይኸፋፍሉን ውጥረ የተኣታትውን  ንምዕባለ የማስንን የሰናኽልን ስለዚህ ጸገም እውን እንተሃለወ ኣብ ሃገራት ንዝካየዱ ናይ ሕዝባዊ መረጻታትን ዘሎና ስክፍታናን  ምኽንያታዊ እውን እንተዀነ ዘሎና ሓላፍነት ነዞም ፍርሕታን ዕንቅፋታን ብምውጋድ ሕዝብታትን ሰባትን ብነጻነትን ተኸባቢሮምን ዝነብሩሉ ዓለም ንምህናጽ እቲ ዘሎና ሓላፍነት ዝጠልቦ ተግባር እዩ ከምዝበሉ ሓቢረን።

እቶም ዓበይትን ዝተሓላለኹ እቲ ጸኣት ስደአይናታትን ተመዛበልት ዘስዕቦም ብድሆታት ብብቕዓትን ብግቡእን ብሓላነትን ገጢምና መልሲ እንህብ ብሓባብር ምስ እንሰርሕ እዩ። እቲ ብኣይ ተመሪሑ ናብዚ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዝመጸ ጉጅለ ልኡካን ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጐ ሃገራትን ማሕበራትን ስግር ሃገራዊ ስምምዓትን ምትሕብባርን ዘለዎ ሕጹጽ ኣገዳስነት ብኣጽንዖት የተሓሳስብ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰላ ምዕዳወ ኣብ ናይ ሃይማኖታትን ናይ እምነት ማሕበረ ሰብኣውያን ማሕበራ ምትሕብባር ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ንጹር እዩ። ስለምታይ ነቲ ናይ ስደተይናታን ተመዛበልንትን ሕቶ ብቐዳምነት መልሲ ዝህቡ ስግር ሃገራዊ ምንቅስቓሳት ብምዃኖም እዩ። 

ማንም ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ መበቆል መሬቱን ሃገሩን ብሰላምን ቅሳነን ክነብር መሰሉ እዩ። ኰይኑ ግና ብዙሓት ኣእላፍ ዜጋታት ኣብ ጽንኩር ኩነትን ሕይወቶም ንሓደጋ ተቓሊዑን ገዛእ መሬቶምን ሃገሮምን ዛሕዚሖም ካብቲ ዘጓንፎም ዝተፈላለየ ዓይነት ዓመጽን ስደትን ግፍዕን ድኽነትን ማሕበራዊ ተነጽሎነትን ንምድሓን ክስደዱ ይረአይ። ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ቤቶም ሓዲጐም ክስደዱ ዝተገዱን ብዘይ  መሳነዪ ዝስደዱ ሃለዋቶም ንዝተፈላለየ ዓመጽን ውርደትን መጋበሪያ ንክዀኑ ዝተሃድኑን ዝህደኑን ብጥፉኣት ዝግለጹ ኣለዉ። እዚ ድማ ብሕይወት ምንባር መርገም ዝብል ባህሊ የስፍሕ ኣሎ።

ቅድስቲ መንበር እቶም ንስደትን ምዝብልናን ዝዳርጉ ነቲ ዝረአይ ዘሎ ጠንቂ ናይ ሕዝብታት ምዝብልናን ስደትን ግህሰት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዕንወት ምህዳርን ሕሱም ድኽነትን ንግድን ምዝውዋር ናይ ውግኣ ኣጽዋርን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ድልሁም ናይ ቁጠባን ንግድን ምስ እዚ ዝተተሓሓዘ ጉጉይ ምሕደራ ኤኮኖምን ዓመጽን ውግእን መፍትሒ ክርከበሎም ፖለቲካውን ህብረ ጎድናዊ ጻዕርታ ክካየዱ እተቕርቦ ሕጹጽ ጻውዒት ዳግም ብምቕራብ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ናይ ልምዓት መሳለጢ ሃብቲ ገንዘብ ብምዕሩይን ግልጽን ክካፈልን ብግቡእ ንመደብ ልምዓት ክውዕል ዘለዎ ኣገዳስነት ውሑስ ክኸውን ተተሓሳስብ ቢሎም፥ ቅድስቲ መንበር እቲ ሕቡራት መንግስታት ዝጠለቦ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ምስፋሕ ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት ንምውጋድ ዝዓዪ ብምዃኑ ኣገዳስነቱ ብኣጽንዖት ተዘኻኽር፡ እዚ ንኽትብል ዘነቓቕሓ ድማ እቲ ብቐጻልነት ዝዀነ ይኹን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ዓመጽን ኣድልዎን ንምክልኻልን ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰሉ ብብቕዓት ውሑስ ክኾነሉን ብፍላይ ድማ ነቶም ተነቀፍቲ ሕፃናትን ደቀንስቲዮን ሓልዮት እትህቦ ኣገልግሎት ይድርኻ ከምዝበሉ ፒሮ ገሊጸን።

ፖለቲካዊ ውዕልታት ንስደትን ምዝብልናን ዝተገዱ ከምቲ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጡር ዝጠልቦ ውሕስነትን ንጸገማቱ ፍታሕ ክርከበሉ ዝሓቶ ማዕረ ዝኾነ መሰልን ክብርን ኣለዎም ዝብል እማኔኡ ስለኦም ሕርኩት ጻዕርታት ምክያድ ዘለዎ ሕጹጽ ኣገዳስነት ልኡካን ቅድስቲ መንበር ክስትውዓል ይሓትት። ብኻልእ መዳይ ናይ ብሔራዊ ሃገራት ጭቡጥ ኩነታት ዓእቕምን ቀዳምነት ዝወሃቦም ሕቶታትን ናይ ልምዓት ደረጃታትን ግምት ብምሃብ ምስቲ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ሉኣላውነት ሕጊ ዝጠልቦ ግቡእን መሰልን ውሁድ ክኸውን ከምዘለዎ ዘስተውዕል ፖለቲኣክዊ ውዕልታት እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ እተን ውሳኔ ማእሰርቲ ንትሕቲ ዕድመ ዝብሉን ንናይ ትሕቲ ዕድመ እሩም ዕብየት ዘየተግብርን ንናይ ትሕቲ ዕድመ መሰረታዊ ድላይ ብሉጽ ስፍራ ብዘይ ምዃኑ ክውገድ ኣለዎ ዝብሉን ካብ መቕጽዒ ሕግታተን ውሳኔ ቤት ማእሰርቲ ሕጻናት ዝሓካ ሃገራት ተድንቕን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታትን ዝተፈላለያ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ዘሎ ምትሕብባርን ተደንቕ ስለዚህ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ስደተይናታትን ምዕባለን ዝከታተል ቋሚ ጉባኤን ዓለም ሓቆፍ ናይ ስደተይናታት ጉባኤ ክቕውም ብሓደራ ትምሕጸን። ከምዚ ዓይነት ተበገሶታት ኣብ ሰብኣውነት ዘማእከሉ መልስታት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ንናይ ተመዛበልትን ስደተይናታት ዓለም ሓቆፍን ብሔራውን ዞባውን ምንቅስቃሳትን ክወሃብ ተስፋ ትገብር ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ቀጺሎም፥

በቲ ንኹሎም ናይ ሃገራት መንግስታትን ሓገግትን መላእ ሕብረተሰብ ዓለምን ናይቶም ተገዲዶም ዝስደዱን ዝመዛበሉን ክብሮም ንክሕለውን መነባብሮኦም ናብ ዝበለጸ ክመሓየሽን ነቶም ሓደስቲ ኣሳዶን ዓፈናን ጸቕጥን ሓደስቲ ባርነትን ብስሉጥ ብጋሴታትን ብሓደስትን ኣዋናዊ ተቓርቦታት ብምብዳህ ግቡእ መልሲ ክወሃብ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ምትሕብባርን ክንክንን ሕጹጽ ምንጋወን ብፍላይ ድማ ስቑረት ግንዛበን ርህራሄን ይሓቱ ብዝብሉ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ (ዕለት 24 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ጉባኤ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዘስምዕዎ ቃል ዝተወስደ) ዘረባይ እዛዝም ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.