2016-09-20 16:35:00

ምእንቲ ሰላም ናይ መላእ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጸሎት


“ናይ ሰላም ጽምኢ፥ ሃይማኖታትን ባህልታትን ኣብ ዘተ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናይ ክርስትናን ዘይክርስትናን ሃይማኖታት ብጠቕላላ ልዕሊ 500 ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕትን ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔርን ካልኦት ዓበይቲ ኣካላትን ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምትን ምሁራትን ናይ ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት መራሕትን ልዕሊ 12 ሽሕ ዝግመቱ መንፈሳዊ ነጋድያንን ማሕበረሰብ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝውክሉ ብዝተረኽብሉ ስነ ስርዓት ካብ ዕለት 18 መስከረም ዝተጀመረን ሎሚ ዕለት 20 መስከረም 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምስታፍን መሪሕ ቃል ምስማዕ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ጸሎትን ኣስተንትኖን ከምእተዛዘመ ልኣኡኽ ጋዜጥይና ራዲዮ ቫቲካን ማሲሚሊያኖ መኒከቲ ገሊጾም።

ናይ ለምብዘበን ናይ ሓባር ጸሎት ምእንቲ ሰላም ፍልይ ዘብሎ ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ካቶሊካዊ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር ብሓባር ነዚ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጸሎት ኣብ ኣሲዚ ዘበገስሉ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ኣብ ዝበዓለሉ እዋን ዝፍጸም ብምዃኑ መኒከቲ ኣዘኻኺሮም ዝተፈላለዩ ናይ ሃይማኖት መራሕትን ናይ ኤኮኖምን ፖለቲካን ናይ ባህልን ኣካላትን ናይ ሓባር ዘተ ዘለዎ እወታዊ ዑቑር ሓይሊ ብምቅላሕ ሰብን ተፈጥሮን ምዕሩይ ተኻፍሎ ሃብቲ ተፈጥሮን ድኽነት ምውጋእን ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ምንጻግን ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ማእከልነት ክወሃቦ ከምዝግብኦ ዘተሓሳስብ ሓባር ምይይጥ እውን ምክያዱ ሓቢሮም፥ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ኣብቲ ናይ ሓባር ዘተ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ እውን ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ስሜተ ፕትርክናኦም ከምዝተበዓለን ካብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ከተማ ፐሩጃ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ዓለም ሓቆፍ ርክባት ጉዳይ ሊቅ እንክብል ናይ ሊቅነት ክብሪ ማዕርግ ከምዝሃቦምን  ኣስዒቦም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ናብ ሰላም ዝመርሑ ሓሙሽተ መገድታት ከምዘለዉን ንሳቶም ድማ ፍቕሪ ፍትሕን ምሕረትን ልልያን ምክብባርን ዝብሉ ምዃኖም ብሰፊሕ ዝትንትን ኣስተምህሮ ከምዝሃቡ መኒከቲ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ መደብ ናይ መላእ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት ንምስታፍ ዕለት 20 መስከረም 2016 ዓ.ም. ንጐሆ ልክዕ ሰዓት ዓሰርተን ፈረቓን ካብ ሃገረ ቫቲካን መዕርፎ ሄሊኮፕተር ነቒሎም ሰዓት ዓሰርተ ሓደን ሓሙሽተ ደቒቕን ኣብ ኣሲዚ ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት ኣብ ዝርከብ ሚጋገሊ ናይ ስፖርት መዳ በጺሖም ናይ ኣሲዚን ኖቸራን ኡምብሪያን ጉኣልዶ ታዲኖ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሶረንቲኖን ናይ ኡምብሪያ ክፍለ ሃገር መራሔ ካቲዩሻ ማሪኒን ናይ ኡምብሪያ ህይንተ መንግስቲ ራፋኤለ ካኒዛሮን ናይ ኣሲዚ ከንቲባ ስተፋኒያ ፕሮየቲን ኣቀባብላ ተገይርሎም ኣብ ገዳመ ኣሲዚ ምስ በጽሑ ናይ ፍራንቸስካውያን ገዳመ ኣሲዚ ዓቃቤ ኣባ ማሩዎ ጋምበቲን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፍሳዊ መራሒ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጸጋውነቶም ጁስቲን ወልባይን ናይ ኣንጽዮኪያ ናይ ሶሪያ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኤፍረም ዳግማውን ናይ ኣይሁድን ምስልምናን ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕትን ኣብ ጃፓን ናይ ተንዳይ ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕን ኣቀባብላ ተገይርሎም ብሓባር ናብ ሲስስቶ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣምሪሖም ኣብኡ ድማ ናይ መላእ ዓዓለም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕትን ናይ ኣቢያተ ክርስትያን መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ኡምብሪያ ብፁዓን ጳጳሳትን ኣቀባብላ ተገይርሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ዘረባ ከምዘስምዑ ዝሃበሩ መኒከቲ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ምስ ኩሎም ናይ ክርስትናንን ዘይክርስትናን ሃይማኖታት መንፈሳውያን መራሕቲ ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝወከሉ ዜጋታት ዝተሳተፍሉ ናይ ምሳሕ መኣዲ ምስ ተቛደሱ ካቶሊካዊ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር ኣቦ መንበር ማርኮ ኢማሊያዞ ብዛዕባ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምእምንቲ ሰላም ናይ ኩለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ታሪኽ ዝድህስስን ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ፕትርክና ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን እማእኪሎም ዘረባ ከምዘስምዑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን መኒከቲ ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰዓት ሰለስተን ርብዕን ምስ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ቀጺሎም ምስ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ወኪልን ምስ ፀጋውነቶም ሊቀ ጳጳሳት ጁስቲን ወልባይን ምስ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኤፍረም ዳግማውን ምስ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖትን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት መራሕቲ ሓደ ብሓደ ምስ ተራኸቡ ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተ ድማ ናብቲ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ጸሎት ዝተዳለወሉ  ናብ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ታሕተዋይ ክፍሊ ባዚሊካ ከምዝኸዱ ሓቢሮም ኩለን ዘይ ክርስቲያን ሃይማኖታት ኣውን ከከም ሃይማኖተን ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖ ስነ ስርዓት ከምሰካየድ ክንገር እንከሎ ኣብቲ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ፥

ነቲ ናይ ለምዘበን ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት መርሕ ቃል፥ ናይ ሰላም ጽምኢ፥ ሃይማኖታትን ባህልታትን ኣብ ዘተ ዝብል ኣሞርኩይዞም ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ.19 ፍቕዲ 28 ፥ ኢየሱስ “ጸማእኩ በለ” ጽምኢ ማይ ካብ ጥምየት እንጌራ እዚዩ ከቢድ እዩ። ስእነት ዝስተ ማይ መዳርግቲ ዘይብሉ ሕሰም እዩ። እቲ ልዑል እግዚኣብሔር ስለ ምሕረት ኣብ መንጐ ሰብ ትሑት ኰነ።

ጐይታ ጸማእኩ ይብል። እንታይ ኢዩ ኸ ዝጸምኦ ብርግጽ እቲ ንሕይወት ኣገዳሲ ዝዀነ ማይ እዩ ዝጸመኦ። ብፍላይ ግና እቲ ካብቶ ንምንባር ኣገድስቲ ዝዀኑ ረቛሕታት ብትሑት ኣገዳስነት ዘይግልጸ ፍቕሪ እዩ። ካብ ምፍቃርና ዝውሕዝ ማይ ሕይወት ክህበና እዩ ጽምኣቱ። ፍቕርና እውን እዩ ዝጸምኦ። ከምቲ ኣብ ነቢይ ኤርሚያስ ምዕ. 2 ፍቕዲ 2 እግዚኣብሔር “…እምነት ንእስነትክን መርዓት ከሎኺ ክንደይ ከምዘፍቀርክንን ኣብ ጸምጸም በረኻ ከም ዝሰዓብክኒ ይዝከረኒ ኣሎ” እንክብል ንኣኡ ዘሎና ፍቕሪ ብምንፋቅ ይዝክሮ። ሰብ ግና ዘየመስግን ብምዃኑ ነዚ ፍቕሪ’ዚ ረሲዑን ዛሕዚሑን ማይ ዘየዕቁር ጎዳጉዲ ይዅዕት። እዚ ድማ ኤርሚያስ ነቢይ ኣብ ምዕ.2 ፍቕዲ 13 ሕዝበይ ንኣይ ፈልፋሊ ማይ ሕይወት ንዝኾንኵ ብምሕዳጎም ንርእሶም ከኣ ማይ ዘየዕቍር ነቓዕ ሓጽብታት ዀዓቱ እንክብል ከምዝገልጾ እዩ።  እዚ ናይ ንቑጽ ልብን ንፍቕሪ ብፍቕሪ ዘይምልስ ከምቲ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 69 ፍቕዲ 21 “ ምስ ጸማእኩ እውን መጺጽ ኣስተዩኒ” ከምዝብሎ እዩ። ዘሕዝን ምርኢት።

“ዘይተፈቕረ ፍቕሪ” ማዕረ እቲ ዘፍቀረካ ፍቕሪ ዘይምብራኽ። ታሪኽ ከምዝሕብሮ ድማ እዚ ዓይነት ጭቡጥ ጉዳይ እዩ ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘሰክፎ ዝነበረ። ፍርንቸስኮስ ስለ ስቅያት ጐይታ ክበክን ድምጹ ዓው ኣቢሉ ከልቅስ ኣይሓፈረን ( ጽሑፋት ምንጪ ፍራንቸካውያን ቍ, 1413 ረአ)። እምበርኣር ከስ ነቲ ስቑል፥ ፍቕሪ ዝጸምኦ ጐይታ ክነስተንትን እንከሎና ነዚ ኢና ከነስተውዕል ዝግብኣና። እናቴ ተረዛ ዘካልኵታ ኣብ ኩሉ ቤት ማሕበራታ ኣብ ዘሎ ምስሊ ዝቑል ኢየሱስ ጸምኤ ዝብል ቃል ክጸሓፍ ትሓትት። ነዚ ናይ ጐይታ ጽምኢ ፍቕሪ፡ ኣብ መስቀል ቅድስቲ ተረዛ ንድኻታት ብምግልጋል መልሲ ትህበሉ። ኣብ ቅድሚ ብሕሰምን ብድኽነትን ዝሳቐዩ ኣሕዋትና ኣብራኽና ዓጺፍና ለውሃት ፍቕሪ ክንነብር እንከለና ናይ ጐይታ ጽምኢ ነርውይ። ኣብ ናይ መወዳእታ ፍርዲ እቶም ንዝጸምኡ ማይ ንድኻታት ጭቡጥ ሓላይ ፍቕሪ ነዘርአዩ ብፁዓን እያቶም እንክብል ክጽውዖም እዩ፡ “ንሓደ ካብዞም ዝነኣሱ ኣሕዋተይ ዝገበርኵምዎ ንኣይ ከምዝገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” (ማቴ.24,40) ከምዝብሎ እዩ።

ናይ ኢየሱስ ቃል በቶም ልባዊ እንገዳ ዝሓቱን ብሕይወት መልሲ ብዝሓቱ ኣቢሉ ይዛረበና። ኣብቲ ጸሚኤ ዝብል ቃሉ ናይቶም ዝሳቐዩ ድምጽን ንኣሽቱ ንጹሓን ናይዚ ዓለም ብርሃን ዝተሓርሞምንን  ልመና ናይ ድኻታትን ናይቶም ሰላም ዝተሓርሞም እውያት የቃልሕ።

እቶም ነሕዛብ ብጽልእን በጽዋር ውግእን ብዝብክሉ ውግኣት ኣደዳ ዝዀኑ ብውግእን ደብዳባትን ኣብ ስግኣት ዝወደቑን ኩሉ ሓዲጐም ዝስደዱ ኣሕዋትና ኣሓትናን ሰላም ይምሕጸኑ። እዚኣቶም ድማ ናይቲ ስቑል ጐይታ ኣሕዋትን ኣሓኣትን ናይ መንግስቱ ንኡሳንን ናይቲ ዝቖሰለ ኣካሉን ስጋኡን ክፍሊ እያቶም። ጽምኢ ኣለዎም ግናኸ ከምቲ ንኢየሱስ ኣክንዲ ማይ ሓሞትን መጺጽን ዝተውሃቦ ንሳቶም ኣውን ከምኡ። ናይ ተነጽጎ መጺጽ ማይ ይሰትዩ፡ መን እዩ ዝሰምዖምን ጽን ዝብሎምን? መን እዩ ስሌኦም ዝግደስን? እቲ ዘደንጽው ዘይምግዳስን ኢጎነንት ነቲ ኣውያቶም ብናይ መራኸቢ ብዙሃን ንደግፎም ብዝብል መታተሊ መደብ ብሓጺር ጻውዕቲ ብምቕራብ ኣልቦ ርህራሄን ከጓንፎን ምርኣይ እዩ።

ኣብ ቅድሚ “እቲ ሓይልን ጥበብን” (1ቆሮ. 1,24) ዝዀነ ስቑል ክርስቶስ ንሕና ክርስቲያን ናይቲ ፍቕሪ ምላሽ ዘይተወሃቦ ፍቕሪ ከነስተንትንን ንዓለም ምሕረት ከነስፍሕ ዝተጸዋዕና ኢና። ኣብቲ ናይ ሕይወት ኦም ዝዀነ መስቀል እቲ ናይ ክፍኣት መንፈስ ተሳዒሩ እዩ። ናብ ሰናይ ተለዊጡ እዩ። ኣንሕና ሰዓብቲ ናይ ስቝል ኢየሱስ እቲ ብሸለልተይናነትን ዘይምግዳስን ሰትዮም ንዓለም እስትንፋስ ፍቕሪ ዝህቡ ናይ ሕይወት ኦም ንኽንከውን ዝተጸውዕና ኢና። ካብ ጐድኒ ዝቑል ክርስቶስ ደም ድሕነትን ማይ ትእምርቲ ሕይወትን ወሓዘ (ዮሓ. 19,34 ረአ) ሎሚ ካባና ካብ እሙናቱ ነቶም ኵሎም ዝጸምኡ ሓልዮት ይውሕዝ፡

ከም ማርያም ኣብ እግሪ መስቀል። ጐይታ ምሳኡ ንምሕባርን ነቶም ዝሳቐዩ ቐረባ ንኽንከውን ይፍቐደልና። ነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ስቑል ሕይወት ንዝነብሩ ዘለዉ ካብቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ስቑል ኢየሱስ ናይ ምፍቃር ሓይሊ ገሊልና ንቕረቦም። እዚ ምስ እንገብር ኣብ መንጐና ውሁደትን ሱታፌን ይኽወን፥ “ንሱ ሰላምና እዩ” (ኤፈ. 2,14) ነቶም ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ሰላም ከበስር ዝመጸ (ኤፈ. 2,17) “ንሱ ሰላምና ዝዀነ” (ኤፈ.2,14)። ስለምታይ ድላዩ “… ሓደ ክዀኑ” (ዮሓ. 17,21) ዝብል ብምዃኑ እዩ እሞ ንሱ ኣብ ፍቕሪ ይዓቅበናን ኣብ ሓድነትና ይቀበለና፡ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን መኒከቲ ገሊጾም።

ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ስነ ስርዓት እቶም ከከም እምነቶም ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ጸሎት ስርዓት ዘዕረጉ ናይ ዝተፈላለያ ዘይ ክርስቲያን ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ምስ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፍሳዊ ላዕልዎት መራሕቲ ሰዓት ሓሙሽተ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ምስ ተራኸቡ ናይ ኣሲዚ ኖቸራ ኡምብሪያ ጉኣልዶ ታዲኖ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሶረንቲኖ  ቀጺሎም ናይ ውግእን ዓመጽን ኣደዳ ዝዀኑ ስደተይናታት ሳዕቤን ውግእን ጽልእን ዘማእከለ ቃል ምስክርነት ምስ ኣስምዑ ናይ ውህደተ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ናይ ምስልምና ሃይማኖት ብምውካል ኣብ ኢንዶነዢያ ናይ ቤት ምኽሪ ኡለማ ኣቦ መንበር ስያምሱዲንን ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ወኪል ኣብ እስራኤል ናይ ሳቭዮን ዓቢይ መምህር ዳቪድ ብሮድማን ናይ ኣውሽዊዝ ሰፈር ሕልቂት ተመክሮ ዘማእከለ ዘረባ ድሕሪ ምቕራቦም ኣብ ጃፓን መበል 257 ናይ ቡድሃ ተንዳይ ሃይማኖት ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኮአኢ ሞሪካዋንን ናይ ካቶሊካዊ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር መስራቲ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲ ዘረባ ኣስሚዖም ምስ ኣብቅዑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይቲ መበል 30 ዓለም ሓቆፍ መደብ ናይ መላእ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም ናይ ሓበር ጸሎት መደብ ናይ መዕጸዊ ዘረባ ከምዘስምዑ ኣፍሊጦ፡  ድሕሪ ሓጺር ናይ ሕልና ጸሎት፡ እቲ ዝተነበ ናይ ሰላም ጻውዒት መልእኽቲ ንመላ ሃገራት ዓለም መራሕቲ ንምትሕልላፍ  ንዝተፈላለዩ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝተዋጽኡ ሕጻናት ተዓዲሉ ምስ ኣብቅዔ ናይ ክርስትናን ዘይክርስትናን ሃይማኖታት መንፈሳውያን መራሕቲ ኣብቲ ናይ ሰላም ጻውዒት መልእኽቲ ክታሞም ኣንቢሮምን ክልተ ትእምርቲ ሰላም መቕረዝ ናይ ምብራህ ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ ኩሎም መንፈሳውያን መራሕቲ ሰላምታ ብምልውዋጥ ነናብ ዝመጽሉ ከምእተሰናበቱን ቅዱስነቶም ናብ ቅድስት ማርያም ዘመላእክት ሚጋገሊ ስፖርት ሜዳ ኣብዝርከብ መዕርፎ ኤሊኮፕተር በጺሖምን ልክዕ ሰዓት 07.00 ነቒሎም ሰዓት 07.35 ደቓይቕ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ሄሊኮፕተር ከምዝኣተዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።   








All the contents on this site are copyrighted ©.