2016-09-17 17:32:00

ዓውደ ጉባኤ መላእ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ዛዕባ ፍሉይ ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት


ካብ ዕለት 15 መስከረም ክሳብ ዕለት 17 መስከረም 2016 ዓ.ም. ብዛዕባ እቲ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝንበር ዘሎ ፍሉዩ ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት ኣማእኪሉ ዝዝትይ ጳጳሳውያን ልኡካን ቅድስቲ መንበር ዘሳተፈ ቅዱስ ኣቦና ናይ ዝጸውዕዎ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ብዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምእተጠናቐቐ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 17 መስከረም 2016 ዓ.ም. ንመላእ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ኣብ ዓለም ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐብሉም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን፥ ነቶም ኣብ መላእ ሃገራታ ዓለም ዝውክልዎም ሓዋርያዊ ልኡኻት ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ንቑሕን ጥንቁቕን ርእየት ክህልዎም ከምዘተሓሳሰቡ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካምፒዚ ኣስዒበን ናብዚ ጉባኤ ዝተጸውዑ እቶም ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ሓሙሽተ ማዕርግ የኔታ ዘለዎም ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቀዋሚ መሰል ተዓዛቢ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ዘለዎም ዝርከብዎ 108 ማዕርግ ሊቀ ጵጵስና ዘለዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ክዀኑ እንከለዉ ካብዚኣቶም ክልተ ሓዋርያዊ ልኡካን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብቲ ካብ ዕለት 15 መስከረም ጀሚሩ ዝተነብረን ሎሚ ዕለት 17 መስከረም 2016 ዓ.ም. ዝተጠናቐቐ ናይ ምሕረት ዓመት ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ልኡካን መዓልቲ ኢዮቤል ክሳተፉ ብዘይምኽኣሎም 106 ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ልኡካን ከምእተሳተፉ ኣዘኻኺረን፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስልጣናዊ ምዕዳኖም፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ልኡኽ ኣብ መንጐ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ ከባቢ ቤተ ክርስቲያንን ድልድል ምዃን እዩ። ምእንቲ’ዚ ንናይ ቤተ ክርስትያን ሕይወትን ኣስፍሆተ ቃል ኣምላኽን ህያው መሰረት እዩ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ብዘይ ትሕትና ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣገልግሎት ዝከኣልን ወይ ድማ ፍርያማ ክኽውን ማለት ዘይሕሰብ እዩ፡ ናይ ሓደ ሓዋርያዊ ልኡኽ ወይ ድማ ወኪል ንኸገልግል ናይ ዝለኣኸሉ ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን ዘፍቅርን ብትሕትና ዘገልግልን እዩ። ብዛዕባ ናይታ ዘገልግለላ ሃገርን ናይ ከባቢ ቤተ ክርስትያንን ኩነት ሕዝብን ቅኑዕ ፍቕርን ተኻፋልነት ኩነትን ዝነብርን ብሓባር ዘዝትይን ዝራኸብን ዝዝትይን ብምትሕብባር ኩነታት ኩል ብዕምቆት ዝመምይ ዝትንትንን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምሕባርን ዝብል ኣገልግሎትን ሓላፍነትን ድማ ዘለዎ እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ሓደራ ነቲ ድኹምን ዘሕዝንን ናይ ሕሱር ፖለቲካዊ ውግእ ስልቲ ካባኻ ብተሓሳስባን በረኣእያን ዝፍለይ ንምፍራድ ኢዱ ዊጥ ዘብልን ካብ ዝወቃስን ተግባር ሓደራ ተቖጠቡ ስለዚህ እቲ ዓይነት መንቀሊ ውጥረት ቤተ ክርስቲያን እትኽተሎ መገዲ ከምዘይኰነ መስክሩ።

ጠመተና ሰፊሕን ጥልቅን እዩ ክኸውን ዘለዎ። ምእንቲ’ዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣገልግሎት እቲ ጽንዓትን ጥንቃቔን ዝሓትት ናይ ሕልና ሕንጸት ቀዳምነት ዝህብ ግብረ ተልእኾ እዩ፡ ኣብ ዓለም ንመጓሰይ ንሓደጋ ዘቃልዕን ዘዕንዎን ስግኣት ከምዘሎ ምስትውዓል ከም ኣብነት ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ቅልውላውን ንህላዌ ማሕበረ ክርስቲያን ስግኣት ዝዀነ ዕግርግርን ካብቲ ከባቢ ህላዌ ክርስያን ዘንጽት ብዙሓት ብሱቕታ ዝርእይዎ ዘለዉ ስግኣት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣዚዩ ከስተውዕሎ ይግባእ።

ኣብታ ተላኢኾም ዝነብሩላ ሃገር ምስ ዘለዉ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ቁምስናታትን ዝራኸቡን ብሓባር ዝነብሩን ምስ ናይ ባህሊ ተቛማትን ማሕበራዊ ህይወትን ርክብ ዘለዎም ክዀኑ ይግባእ። ቤት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ቤተ ር.ሊ.ጳ. ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ናይ ከባቢ  ቤተ ክርስቲያን ናይ እምነት ምጽንናዕ እትረኽበሉን ንክሌኣዊ ርክባት ኣብ መንጐ ክልተ ሃገራት ጉዳይ ጥራሕ ዝከታተል ዘይኰነስ ካብዚ ወጻኢ ኣውን ሃገራት ክውከሰኦ ዝኽእላሉ ምኽርን ርክባትን ዝንበሮ ቤት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እምበር ናይ ግሊ የዕሩኽን ናይ የዕሩኽ ኣዕሩኽ መራኸብን መሕብእን ናይ በለካን ለኸዓካን ናይ ስልጣን ህርፋን ናይ ዘለዎም ሰባት መራኸቢያ ስፍራ ከይከውን ሓደራ እንክብሉ ከምዘተሓሰቡ ካምፒዚ ኣፍሊጠን።

ሓዋርያዊ ልኡካን ቅድስቲ መንበር እቲ ዝተሓላለኸ ኵነትን ጸገማትን ከይፈርሑ ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ምስሕሓብን ወይ ድማ ርእየት ዓለም ናጻ ኰይኖም ብትብዓት ክገጥሙ  ከምዝግብኦን እንከተሓሳስቡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ መዕረፊ ኣዳራሻት ዝኸውኑ ስምምዓትን ኣብ ዝተሓጽሩ ስምምዓት እትቐውም ዘይኰነስ ህላዌ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ንጐይታ ዘለዋ ግብረ ተኣማንነት እዩ። ኣናስር ቤተ ክርስቲያን ምሕረት እግዚኣብሔር እዩ። ስለዚህ ኣብ ዲፖሎማሲያዊ ኣገልግሎትን ሽታ ኣናስር ቤተ ክርስቲያን ዝምስከርን ዓለምን ሕዝቢ ዓለምን እዚ ኣናስር’ዚ ዝተሓርሞም ኰይኖም ክነብሩ ጽኑዕ ዘይምድላይ ተግባር ክኽወን ኣለዎ። እዚ ኣፍልጦ’ዚ ድማ ምስ ኩሉ ንምራኻብን ንምዝታይን ናይቶም ዝተነፍጉ ድምጺንምዃን የተባብዕ። ናይቶም ዝግፍዑ ኣውያት ናትና ገይርና ብሓባር እቲ ፈላላይን ናይ ዘይምግዳስን ንኣይነትን ምስሉይነትን ዘንግሱ መናድቕ ክዓንው ንዓዪ። ንኹሉ ንምስናይ መታን ክከልኣ ድማ ሓዋርያዊ ልኡካን ተላኢኾም ኣብ ዘገልግሉለን ሃገራት ህዝቢ እግዚኣብሔር እታይ ይሓስብን ሻቕሎትን ጥልቂ ሕቶታትን ንምርዳኣኡ ኣብ ሰበኻታት ምብጻሕ ዘካይዱን ገዳማትን መንፈሳውያን ማሕብራትን ቁምስናታትን ኣባይትን ኣባይቲ ትምህርትን ዘርኣ ክህነት ዝበጽሑን ክኾነ ይግባእ። ናይታ ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን እተብል ቤተ ክርስቲያን መሰኻኽር ምዃን የድሊ። ስለዚህ እቲ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር እቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓለም ጥንቁቕ ርእየትን ዝምስክር ይኹን። መሰኻኽር ባህርይ ነብይነት ቤተ ክርስትያንን  ምሕረት ናይ ሓቂ ውህብትን ውበትን ሓይል ዘነኣእስ ከምዘይኰነ ዝሓንጹን ክዀኑ ሓደራ ቢሎም። ዓለም ፍርሕ ዝነብርን ፍርሒ ዘስፍህን ኰይኑ ኣሎ እዚ ፍርሒ’ዚ ድማ ናይ ኣነባብራን ፖለቲካን መሰረት እናዀነ ፈላላይ መናድቕ የስፍሕ ኣሎ ስለዚህ ድማ ከምቲ ኣብ ካልኣይ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ጢሞተዎስ እንክጽሕ ኣብ ምዕ. 2 ፍቕእዲ 7 ዝብሎ “ከመይ ኣምላክ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ገዛእ ርእስኻ ምግታእን እምበር መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናን” ዝብሎ ዝምስከረሉ ተልእኾን ልኡኽነትን እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ ስልጣናዊ ምዕዳኖም፥ ርክባትን ድልድላትን ሕውነትን ምሕዝብነትን ኣሃድነትን መስክሩ። ናይ ጸሎት ሰብ ኩኑ፡ ሓደራ ጸሎትን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ኣይተድኵሙ ንሱ እዩ ናይ እውነተይና ኣገልግልትኩም ምንጭን ሓይልን። ፍርሒ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ጸላም ክትነብር እዩ ዝድርኽ። መጻኢ ናይ ክርስቶስ እዩ ስለዚህ ናይታ መጻእነት እዩ ከምዝበሉ ካምፒዚ ሓቢረን። 








All the contents on this site are copyrighted ©.