2016-09-15 16:13:00

ዓውደ ጉባኤ መላእ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ዛዕባ ፍልዩ ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 15 መስከረም ክሳብ ዕለት 17 መስከረም 2016 ዓ.ም. ብዛዕባ እቲ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝንበር ዘሎ ፍሉዩ ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት ኣማእኪሉ ዝዝትይ ጳጳሳውያን ልኡካን ቅድስቲ መንበር ዘሳትፍ ዓውደ ጉባኤ ከምዝጸውዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ናብዚ ዓውደ ጉባኤ ዝተጸውዑ 108 ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን፡ ንሳቶም ድማ 103 ማዕርግ ሊቀ ጵጵስና ዘለዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ክዀኑ እንከለዉ እቶም ሓሙሽተ ድማ ማዕርግ የኔታ ዘለዎምን ኰይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቀዋሚ መሰል ተዓዛቢ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ዘለዎም ከምዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ፥ ካብ ጠቕላላ 108 ብጀካ ክልተ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ሮማ ንምምጻእ ኣብ ዘይከኣሉሉ ኩነት ዝርከቡ ክዀኑ እንከለዉ እቶም 106 ጳጳሳውያን ልኡካን ሃገረ ቫቲካን ከምዝኣተዉን ኣረጋጊጹ።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ መዘምራን ቤተ ጸሎት ዕለት 15 መስከረም 2016 ዓ.ም. ልክዕ ሰዓት ሾሞንተ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ጀሚሩ ብኽልተ ጉባእያዊ ከይዲ ተሰንዩ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝርከብ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እዋናዊ ዓለም እዋናዊት ቤተ ክርስቲያንን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝብል ኣርእስቲ ሶፊያ ናይ እተሰምየ መንበረ ጥበብ ኣቦ መንበር ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ፕሮፈሰር የኔታ ፒየሮ ኮዳ ኣስተምህሮ ከምዝሃቡን ኣብ ካልኣይ ከይዲ ዋዕላ ድማ ሓድሽ ዛዕባ ናይ ጾታዊ ስምዒት ማለት ካብቲ ባህርያዊ ዝኾነ ጾታዊ ስምዒት ኣንስት ተባዕት ዝብል ወጻኢ ኅብረ ጾታዊ ስምዒት ኣሎ ናይ ዝብል ሓድሽ ባህሊ ኣናስርን (ዘፍጥረት) ፍሉይ መንቀልታቱን ነዚ ባህሊ’ዚ ድማ ከመይ ገርካ ምግጣሙን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመርኵይዞም ኣብ ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥብብ ናይ መሰረታዊ ስነ ምግባር ክፍለ ትምህርቲ መምህር ፕሮፈሰር ክቡር ኣባ ሮበርት ግሃል ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡን ኣብ ኣማስይኡ ተጋባእያን ቅዱስ ኣቦና ዝተዓደምሉ ማዕዲ ድራር ከምእተቛደሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ቀዳም ዕለት 16 መስከረም 2016 ዓ.ም. እቶም ተጋባእያን ብጉጅለ ተኸፋፊሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሰብ መዚ ኣባላት ዘሳትፍ ናይ ዕዮ ክቢ ጠረጴዛ ኣኼባ ከካይዱን ኣብ ካልኣይ ክፋል ዋዕላ ድማ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታዉራን ዘተ በይነ ሃይማኖታት፥ ርክብ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘመርኰዘ ኣስተምህሮ ከቕርብን፡ ኣብ ኣማስይኡ ድማ ተጋባኣያን ምስ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ሓዋርያዊ ሰበ ስልጣናት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሉኡካነ መንግስታት ሃገራት ዓለም ኣሳቲፉ ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዘክር ርክብ ክካይድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቀዳም ዕለት 17 መስከረም 2016 ዓ.ም. 40 ናይ ቅድስቲ መንበር ልሂቅ ሓዋርያዊ ልኡካን ዘሳትፍ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዘሎ ቤተ ጸሎት መላእ ተጋባእያን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሓብሩን ቀጺሉ ጳጳሳዊ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተቛም ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፒየርኣንጀሎ ሰኵይሪ መንፈሳዊ ኣስተንትኖ ምስ ተውሃበ ሰዓት ዓሰርተ ተጋባእያን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝሎ ቅዱስ በሪ ክሓልፉን ሰዓት ዓሰርተ ሓደን ርብዕን ኣብ ሃቨረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ቀለምንጦስ ሓዋርያዊ ሕንጻ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦም መርሕ ቃል ክቕበሉ ምዃኖም ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ልክዕ ሰዓት ሓደ ኣብ ሃቨረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ መላእ ተጋባእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ብሓባር ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቛዲሶም ነናብ ዝመጽሉ ክሰናበቱ ምዃኖም ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.