2016-09-15 16:38:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ መግለጺ


ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 12 መስከረም ክሳብ ዕለት 14 መስከረም 2016 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ናይ ቅድስቲ መንበር መዋቕራት ኣባይቲ ኣገልግሎት መውሃብን ሕዳሴ መደብ ኣብ ምትግባሩ ዝዓዪ ብቕዱስ ኣቦና ዝተሓየ መማኽርቲ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ከምዘካይደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዕለት 15 መስከረም 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ እፍሊጦም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ቅድም ክብል ብዝተወጠነ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ምኽንያት ክሳተፉ ዘይከአሉ ብጀካ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ርእሰ ከተማ ኪኒሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብፅዕ ካርዲናል ላውረንት ሞሰንግዎ ፓሲንያ ካልኣቶ ኩሎም ኣባላት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ኣሳቱፉ ዝተኻየደ ምንባሩን ቅዱስ ኣቦና እውን ኣብቲ ናይ ዕለት 14 መስክረም 2016 ዓ.ም. ብምኽንያት ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ክርስቶስ መደብ ከምዘይተሳተፉ ቡርከ ሓቢሮም፡ እቲ ነናይ ዕለቱ ኣኼባ ንጎሆ ሰዓት ትሽዓተ ጀሚሩ ዓሰርተ ክልተን ፈረቓን ድሕሪ ቐትሪ ድማ ካብ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ክሳብ ሰዓት ሸውዓተ ዝተኻየደ ምንባሩ እውን ገሊጾም፡ እቲ ዝክረ ነገር ሕዳሴ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎትን ተልእኾን ብሉጽ ክኸውን ዝድግፍ ዝብል ከምዝነበረ ኣውን ኣብሪሆም እቲ ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 14 መስከረም ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ካህናት ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ኣብ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ከምኡ እውን ናይ ካቶሊካዊ ሕንጸት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ጳጳሳዊ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣሃድነት ሓልዮ ቤት ምኽርን ዘተኮረ ከምዝነበረን፡ ናይ ሓደ ብፁዕ ዓቡን ተክለ ሰብነት መንፈሳውን ኖላውን ዘቐድምን ዝብልን ከምኡ ድማ እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ኰይኖም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘገልግሉ ዘለዉ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ናይ ዝስየሙ ብፁዓን ጳጳሳት ሕርየት ዘለዎም ልዑል ተራ ሓላፍነት ለበስ ሚዛንን ኣተኩሮን ክህብሉን ኣብ ዝብል ሓሳብ ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደ ቡርከ ገሊጾም፡ ብዛዕባ ናይ ፍትሃ ዲያቆናዊ (ግልጋሎት) ማለት ፍትሓዊ ኣገልግሎትን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ዝቖመ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ዘተ ከምእተኻደን። ብዛዕባኡን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበርን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ሓልዮ ቤት ጽሕፈትን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ጽሕፈትን ጳጳሳዊ ናይ ትሕቲ ዓቕመ ኣዳም ሓልዮ ጳጳሳቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘቐረብዎ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰነዳት ዝተማእከለ ምይይጥ ከምእተኻየደ ሓቢሮም ቀጻሊ ኣኼባ ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 14 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ክካይድ ከምእተወሰነ ኣፍሊጦም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠናቒቖም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.