2016-09-13 16:37:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ


ረቡዕ ዕለት 14 መስከረም 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ሐምለ 2016 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ሩወን ሰበኻ ኣብ ዝርከብ ቁምስና ቅዱስ ኤኣይነ ዱ ሩቭራይ ውሽጢ ብኢድ ኣሸበርቲ ዝተቐትሉ ፍረንሳዊ ወዲ ሰማንያ ዓመት ናይ ሰበኻ ካህን ኣባ ዣከስ ሃመል ተዝካርን ንኣባይቲ ስድራኦምን ቅርበቶም ንምግላጽን ሰዓት ሸውዓተ ንጐሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሳ መልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ሰበኻ ሩወን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶሚኒክ ለብሩን ክሓብሩን ብኣኦም ዝተመርሑ ካብታ ሰበኻ ዝተዋጽኡ ሰማንያ ምእመና ክሳተፉ እውን ምዃኖም ብምምልካት እቲ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ቴለቪዥን መደብር እውን ከምዝመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቀስ ጸብጻብ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.