2016-09-13 16:32:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንብፁዓን ጳጳሳት ሃገረ ኣርጀንቲና


ናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ናይ ፍቕሪ ሓሴት እተሰምየት ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ መሰረት ብፍላይ ድማ ዓንቀጽ ሸሞንተ ኣማእኪሎም ዝተፋትሑን ዳግማይ መርዓ ንዝፈጸሙ ኣባላት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ጉዕዞ እምነቶ ብምሉእነት ክርስትያዊ ሕይወት ንኽጓዓዙ ዘብቅዖም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብልልያን ብርህራሄን ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራህ ምዃኑ ዘነጽር ብዝደረስዎ ሰነድ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መተባዕን ምዕዶን መልእኽቲ ከምዘመሓኣለፉ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ገሊጸን።

ቅዱስነቶም ናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ምዕዳን ብዕምቆት ዘረድእን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንኸመይ ትግባሬኡን ዝመርሕ ብምዃኑ ኣድናቖቶም ገሊጾም ዝተፋትሑን ዳግማይ ዝተመርዓዉን ምእመናን ኣብ ጉዕዞ ምሉእነት ክርስቲያናዊ ሕይወት ዝድግፍ ብምዃኑ ብሓቂ ነዞም ምእመናን ሓደ ካህን ከመይ ገይሩ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከሰንዮም ከምዝግብኦ ዝመርሕ እዩ። ስለዚህ ልልያን ሓልዮትን ነቶም ካብ ቤተ ክርስቲያን ርሒቖም ዝነብሩ ምእመናን ቀረባ ክትከውንን ከተእንግዶምን ኣብ ሰብኣውን መንፈሳዊ ጉዕዞኦም ከተሰንዮምን ምስ ማሕበረ ክርስቲያን ውሁድ ጥርናፈ ክህልዎም ዝድግፍ እዩ። ብርግጽ እዚ ጉዕዞ’ዚ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ዝዛዘም ክኸውን ግድን ከምዘይኰነ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእክት እንከመክቱ እቲ ናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ሰነድ እቶም ዝተፋትሑን ዳግማይ ዝተመርዓዉ ምእመናን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ሱታፌኦም ኽቕጽልን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ጸሎት ማሕበራትን ኣብ ተልእኾ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝዋስኡ ክዀኑ ብዝብል ምዃኑ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ስልጣናዊ ትምህርቲ ይሕብሮ። ነቶም ዝተፋትሑን ዳግማይ ዝተመርዓዉን ርእሰ ግትኣትን ርእሰ እዳበን ዝብል ሓሳብ ክቐርበሎም ይግባእ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ክትግበር ዘኽእሎ ኩነት እንተድኣ ዘየለ ናይ ሓላፍነትን ኣባሲነትን ውሱንነትን ከምዘሎ ግምት ሂብካ ነቶም ካብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣባይቲ ስድራ ንዝውለዱ ሕጻናት ከስዕቦ ዝኽእል መንፈሳውን ሰብኣውን ጉድኣት ኣሚትካ ብምቕራብ ንኣኣቶም ቅዱስ ምስጢረ ስሓን ዕርቅን ቅዱስ ቁባንን ክፉት ምግባር ዝከኣል ምዃኑ ይረድእ።

እዚ ክበሃል እንከሎ እቲ ዝነብርዎ ናይ ፍቱሕን ዳግማይ መርዓን ኩነት ቅኑዕ እዩ ዝብል ድረት ኣልቦ ሱታፊ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ይሃልዎም ንምባል ኣይኰነን። እንታይ ደኣ ብወገን ካህናት ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝተፋትሐን ዳግማይ መርዓ ዝፈጸመን ምእመን ኩነት ብዘይ ሓፈሻዊ መልክዕ ልልያ ገይሮም ፍትሕን ዳግማይ ምምርዓውን ናይ ክርስትና ሓሳብ ከምዘይኰነ ንኸስተውዕሉ ምድጋፍን ከምዘድሊ ዘተሓሳስብ እዩ። ገለ ገለ ዘይቅኑዓት ዝበሃሉ ጸገማት መፍትሒ ከይረኸቡ ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ምፍቃድ ዕንቅፋት እዩ። ስለዚህ ዕንቅፋት ብዘይኰነሉ መገዲ ሱታፌ ክህሉ ዝብል እዩ። በዚ መገዲ’ዚ ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝተሰርዓ ምስጢረ ተክሊል ዘይፍታሕ እዩ ዝብል ናይ ቤተ ክርስቲያን መስረታዊ ትምህርቲ ማለት ጠመቓዊ ስርወ እምነት  ብዘየደናግርን ኣብ ሕቶ ብዘይምዕትው መገዲ  ኣብ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ምርዳእን ምእንጋድን መንፈስ ብምብርታዕ ዝትግበር ምዃኑ ናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ሰነድ የመልክቶ። እቲ ሰነድ ልልያ ዕጹው ወይ ድማ ድምዱም ዘይኰነስ ተንቀሳቓሲ ጠባይ ዘለዎ ብምዃኑ ወትሩ ንሓደስቲ ናይ ዕብየት ምዕራፋትን ደረጃታትን ክፉት ምዃኑ ከምዘገንዝብ ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.