2016-09-08 16:16:00

ዓውደ መጽናዕቲ ኣቢያተ ክርስትያን፥ ክርስቲያን ናይ ምሕረት መጋበርያ


ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ኣሳቲፉ ዕለት 6 መስከረም 2016 ዓም. ጀሚሩ ኣብ ሃገረ ዮርዳኖስ ርእሰ ከተማ ኣማን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓውደ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተዎፊሎስ ሳልሳይ፥ እቲ ኣብ ምእከለይ ምብራቕ ዝረአይ ዘሎ ዓመጽን ጽልእ ውግእን ንዅሉ ናይ ማእከላይ ምብርቕ ሕዝቢ ዝትንፍክ እዩ። እቲ ዓመጽን ውግእን ናይ ክፍእት መንፈስ እዩ ነዚ ናይ ክፍኣት መፈስ ንምስናፍ ምቅላስ ማለት ድማ ጸረ ርኹስ መንፈስን ናይ ጸልማት ጐይቶትን ምቛም ማለት እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ወቅዱስ ተኦፊሎስ ሳልሳይ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ቅልውላው ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ስደትን መከራን ኩሉ ብዓይኒ ምጽኦታትን ምልክታ ናይ ፍጻሜ ሰዓቱ ብዝብል ሓሳብ ብምትንታን ነቲ ዓውደ ጉባኤ ብወግዒ ከምዘጀመሩ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፥ ናይቲ ህልዉ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል ካብ መዝሙረ ዳዊት “ንጐይታ ባርኹ ሰምንታይ ሕያዋይ እዩ፡ ምሕረቱ ድማ ዘለኣለማዊ እዩ” ዝብል ቃል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ድማ ክርስቲያን ኣብቲ ብዓመጽን ኢፍትሓውነትን ውዲትን ብናይ ስልጣን ጎነጽን ምፍሕፋሕን ዝደምይ ዘሎ ዓለም ናይ ምሕረት መጋበሪያ ክዀኑ ዝተጸውዐ ምዃኑ እዩ ዘመልክት ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ህላዌ ክርስቲያን ምኽባርን ምክልኻል

ነቲ ህልዉ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ዘርዚሮም ናይ ማሕበረ ክርስቲያን ስቓይን መከራን ንምውጋድ ናይ ኩሉ ጻዕሪ ይሓትት። ህላዌ ምክልኻልን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሓላፍነት እዩ፡ ማሕበረ ክርስትያን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ብውክልና ዝትግበር ኣይኰነን ወይ ድማ ካልኦት ክፍጽምዎ ምጽባይ ጌጋ እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ወቅዱስ ቶዋድሮስን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኢግናዚዩስ ኣፍሬም ዳግማውን ናይ ኣርመን ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣርዓም ቀዳማውን ኣብ ኣንጺዮኪያ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዮሃና ዓስራይን ዘረባ ከምዘስምዑን እዞም ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ርሑቕን ቀረባን ህልውን ታሪኽ ዳህሲሶም ኣብ መንጐ ማሕብረ ክርስቲያን ዝንበር ሕውነት መሰረት ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ብሰላምን ሕውነትን ምንባር ከምዘድሊ ድማ ጽውዒት ኣቕሪቦም እቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖትን ኣሸበርትን ኩሉ ብሓባር ምግጣምን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕርነት ዜጋታት ክረጋገጽ ኣለዎ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሃይማኖት ምንጪ ዝገበረ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ዘይምርድዳእን ተቐሓሓርነትን ንኽውገድንኣብ 1974 ዓ.ም. ዋና መንበሩ ኣብ በይሩት ገይሩ ዝቖመ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕ ቤት ምኽሪ ናይ ሓባር ጉባኤ ዓቢይ ክብሩ ብምትሕስሳብ ናይቲ ቤተ ምኽሪ ሸቶ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብርቕ ህልውና ማሕበረ ክርስቲያን ውሑስ ንምግባር ሃይማኖታዊ መሰረት ዝገበረ ተጻባኦነት ምውጋድ ዝብል ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.