2016-09-08 16:08:00

ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት፥ ኢዮቤል ናይ መናብርተ ጥበብን ናይ ስነ ምርምር ተቛማትን መምሃራን


በቲ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝንበር ዘሎ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ምኽንያት ናይ ካቶሊካዊ ስነ ትምህርቲ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ምስ ናይ ሮማ ሰበኻ ናይ መናብርተ ጥበብ ሐዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝተዳልወ ዕለት 10 መስከረም 2016 ዓ.ም. ዝጠናቐቕ ናይ መናብርተ ጥበብን ናይ ስነ ምርምርን መጽናዕትን መምሃራን ኢዮቤል ትማሊ ካብ መላእ ሃገራ ዓለም ብዝተዋጽኡ 1500 ልኡካን ኣሳቲፉ ናይ መናብርተ ጥበብን ናይ ስነ ምርምርን መጽናዕትን መምሃራን ሮማ ኣብ ግዳማዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ከምእተኸፍተ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።

ናይቲ ናይ መናብርተ ጥበብን ናይ ስነ ምርምርን መጽናዕትን መምሃራን ኢዮቤል መርሕ ቃል “ስነ ፍልጠትን ምሕረትን። ሳልሳይ ተልእኾ መናብርተ ጥበብ”  ዝብል ክኸውን እንከሎ መላእ ተጋባእያን ዕለት 9 መስከረም 2016 ዓ.ም. ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡ ምዃኖም ናይቲ ናይ መናብርተ ጥበብን ናይ ስነ ምርምርን መጽናዕትን መምሃራን ኢዮቤል ኣሰናዳኢ ኰሚቴ ኣቦ መንበር ቸሳረ ሚራበሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ኣብ መንጐ ፍልጠትን ምሕረትን ጥምረት ኣሎ። ካብ ጥንቲ ናይ ምርምር ጅማሬ ኣትሒዙ ስነ ፍልጠንት ሰብን ርትዓዊ ግንዛበን እምነትን ተተሓሒዞም ዝኸዱ ምዃኖም ናይ ስነ ምርምርን እምነት ታሪኽን የረጋግጾ ኣብዚ ናይ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት፥ ተመሓርነትን መሓርነትን ኣብ ክውንነት ሰብ ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ ብጨናፍር ስነ ምርምር ብዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ጐድንታት ብትኽክል ምሕረት ዝብል ስም እውን እንተዘይሃብሉ ይገልጽዎ። 

መናብርተ ጥበብ ፍልጠት ዝቕሰመሉን ፍልጠት ዝንገረሉን ዝትንተነሉን ዝሰፍሓሉን ዓውዲ እዩ። ኣብ ከይዲ ቕስመትን ተራኽቦን ተኻፍሎን ፍልጠት ብውሹጥ ተፈላጥነት ምሕረት ኣሎ። ብዘይ ምሕረት እተካፍሎን እተራኽቦን ፍልጠት ጥበብ ከይኰነ እዩ ዝተርፍ። ስለዚህ ብምሕረት ፍልጠት ናብ ጥበብ ይሰጋገር። ኣብ ከይዲ ስነ ፍልጠት ኣሰር ምሕረት ህልው ምዃኑን ኣሰር እውን ጥራሕ ዘይኰነስ ብትኽክል ዛዕባ ምሕረት ዝምልከት እውን እዩ። ስለዚህ እቲ ናይ መናብርተ ጥበብን ናይ ስነ ምርምርን መጽናዕትን መምሃራን ኢዮቤል ነዚ ዘማእከለ እዩ ኢሎም።

መንበረ ጥበብ ብባህርይኡ ዶብ የብሉን ንዝተን ንዝተፈላለዩ ባህልታት ዘራኽብን ምትሕንፋጽ ባህልታት ዘተኣታትውን ባህልታት ዘላልን ብምዃኑ ኵላውነት ጸዋዕታ እዩ ዘለዎ። ስለዚህ እቲ ዝካይድ ዘሎ ናይ መናብርተ ጥበብን ናይ ስነ ምርምርን መጽናዕትን መምሃራን ኢዮቤል ነዚ ዘቃልሕ እዩ ቢሎም፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ናይ መላእ ዓለም መናብርተ ጥበባት ላዕለዎት ኣመሓደርቲ እውን ዘራኽብ እዩ። እዚ ርክብ’ዚ ድማ ተቀባልነት ዘለዎ ምዕባለ ሰብኣውነት ዘማእከለን ሰብኣውነት ዘማእከለ ምህዳርን ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ስደትን ምዝብልናን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ኣማእኩሉ ምይይጥ ክካየድ እዩ። እዚ ርክብ’ዚ ድማ ምሕረት ዘቃልሕ እዩ፡ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.