2016-09-06 16:27:00

ዓውደ መጽናዕቲ ኣቢያተ ክርስትያን፥ መጻኢ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ


ኣብ ሃገረ ዮርዳኖስ ርእሰ ከተማ ኣማን ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕትን ዝተፈላዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓበይቲ ሊቃውንቲ ማእከላይ ምብራቕ ኣሳቲፉ ዕለት 6 መስከረም 2016 ዓም. ከምእተጀመረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣንጽዮኪያ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ዮሓና ዓስራይን ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ራፋኤል ቀዳማውን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፉዋድ ትዋልን ናይ ሶሪያ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ኣቡነ ኢግናሰ ዩሲፍ ሳልሳውን  ናይ መልቂት ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፅዕ ኣቡነ ግረጎሪዮስ ሳልሳውን ኣብ ግብጺ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱ ታዋድሮ ዳግማዊ ክሳተፉ ምዃኖም ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ዘተን ሓባራዊ ናብራ ምስ ማሕበረሰብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና

እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብዚ ታሪኻዊ ጽንኩር ሕይወት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዳህሲሱ ህልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ እውን መምዩ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣገዳስነትን ወሳንነትን ናይ ሓባር ዘተ ብምቅላሕ ዛዕባ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመዛበሉን ዝስደዱን ዘለዉ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትናን ድማ ተመያይጡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እቲ ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ዘሎ መዕለቢ ዘይተረኽበሉ ውጥረትን ግጭትን መፍትሒ ከርክብ ዘኽእል ባይታ ከለልይን ኣብቲ ከባቢ ሰላም ምእንቲ ክረጋገጽ ከይተሓለለ ክዓዪ ጻውዒት እውን ከቕርብ ምዃኑ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ሃገረ ዮርዳኖስ ኣብነት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን

ሃገረ ዮርዳኖስ ናይ ሃገሩ ታርኽ ክርስትናን ቅርስ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ ሃገሩ ብልዑል ክብሪ ዝዕቅብ ህላዌ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ዮርዳኖስ ክፍለ መልክዓ ቅንስል ክፍሊ ባላውን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ጽባቔን ምዃኑ ስለ እትእምን በዚ መሰረት’ዚ ድማ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣብነት ክትኸውን ከምዝገበራ ጠቒሱ ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብዱላሕ ዳግማዊ ዕለት 4 መስከረም 2016 ዓ.ም. ንናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ዳግማዊ ተቐቢሎም ኣብ ዘካይድዎ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ክሌኣዊ ርክብ ብፁዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ዳግማዊ ዮርዳኖስ ኣብ መንጐ እስላምን ክርስቲያንን ናይ ውሁድ ሓባራዊ ናብራ ኣብነት እያ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ወቅዱስ ትዋድሮስ ዳግማዊ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ምብጻሕ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ኣብ ማዳባ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድሚኦም ፓትሪያርክ ዝነበሩ ኣብ 2005 ዓ.ም. ዝዓረፉ  ሹኑዳ ሳልሳዊ  ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ኣተሰምየ ቀዳማይ እምነ መሰረት ዘንበርሉ ዝተጠናቀቐ ናይ ግብጺ ኦርቶዶስዊት ቤተ ክርስቲያን ገዳም ከምዝመረቑን ኣብቲ ሙሴ ናይ ቅድስቲ መሬት ቃል ኪዳናዊ ራእይ ካብ እግዚኣብሔ ዝተዓደለላ ጎቦ ነቦ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፥

ሃይማኖተይና ምንጪ ዝገበረ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ዘይምርድዳእን ተቐሓሓርነትን ንኽውገድ ኣብ 1974 ዓ.ም. ዋና መንበሩ ኣብ በይሩት ዝቖመ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕ ቤት ምኽሪ ናይ ሓባር ጉባኤ ዓቢይ ክብሩ ብምትሕስሳብ ናይቲ ቤተ ምኽሪ ሸቶ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብርቕ ህልውና ማሕበረ ክርስቲያን ውሑስ ንምግባር ሃይማኖታዊ መሰረት ዝገበረ ተጻባኦነት ምውጋድ ዝብል ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.