2016-09-06 16:23:00

ናይ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ወርሒ መስከረም ናይ ጸሎት ሓሳብ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ወርሒ መስከረም 2016 ዓ.ም. ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ፥  መልሲ ንዝተኸስተ እዋናዊ ቅልውላው ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዝብል ተግባር ክኸውን ቢሎም ስለምታይ ነፍሲ ወከፍ ስለ ናይ ሓባር ጥቕምን ሰብኣዊ ማእከል ዝገበር ሕብረተሰብ መታን ክቐውም ግዴኡ ከበርክት ዝዕድም ክኸውን እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ብናይ ምስማዐ-ርእየት ብቋንቋ ስፐይን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብቛንቋ ዓረብን ቻይናን ብዘጠቓልሉ ካልኦት ሸሞንተ ቋንቋታት ብቐጥታ ከምእተተርጐመ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ኣፍሊጠን።

ኣብ ቅድሚ እዚ ብመንፈስን ብማሕበራዊ ኣካላውን ስቓይ ዘዕለቕልቕ ኣብ ዘሎ ዓለም ናይ ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስን ሕይወትን  መዳይን ጸገማትን ክፍታሕ ዘኽእል ማእከልነት ሰብኣውነት እዩ።

ሰብኣዊ ፍጡር ኣዚዩ ጽንኵር ብዝዀነ ኤኮኖሚያውን ቁጠባውን ጥራሕ ዘይኰነስ ምህዳራውን ሕንጸታውን ግብረገባውን ሰብኣውን ቅልውላ እዩ ዝሓልፍ ዘሎ። እዚ ከምዚ ዓይነት ጽንኩር ኩነት’ዚ ዝፈጠሮ ምድንጋርን ስቓይን ንምትሕብባርን ምድግጋፍን ኣጋጣሚ ይፈጥር ቢሎም ካብዚ ተበጊሶም ኩሉ መታን ንናይ ሓባር ጥቕምን ሰብኣውነት ዘማእከለ ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽ ግዴኡ ከበርክት ኦ እግዚኣብሔር ነዓ ርድኣና  እንክብሉ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ወርሒ መስከረም ናይ ጸሎት ሓሳብ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ከምዝገለጹ ጂሶቲ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.