2016-09-02 15:51:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዘለዎም ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ፍሉይ ሓዋርያዊ ስልጣን መሰረት ዘመሓላለፍዎ ኣዋጅ ሰብኣዊ ምዕባለ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዘቕውም ኣዋጅ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ብብርሃነ ወንጌል መሰረት ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ምዕባለ ብኹሉ ተግባራታ ከተነቓቕሕ ዝተጸወዔት እያ፡ እዚ ምዕባለ እዚ ድማ በቲ ኣዚዩ ክቡርን ክትመዝኖ ዘይከኣል ናይ ፍትሕን ሰላምን ክብሪ ዘፍጥረት ብምኽንኻን ዝኽወን እዩ፡ ስለዚህ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ነዞም ልኡላን ክብርታት ንምርግጋጽ ኣብ ዘካይድዎ ተልእኾ ብቐረባ ኰይኖም ንሰብኣዊ ፍጥረት ንኸገልግልዎም ዝተጸውዑ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕጹጽ ኣድላይነት ብብሉጽ ምስትውዓል ሓልዮ ክግበረ መታን ዝተሓባበርዎም ዓበይቲ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ኣካላት ዝጥርንፍ ቤት ምኽርታትን ቅዱሳት ማሕበራትን ብምቛም ድማ ይትግበርዎ።

ከምኡ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ኣገልግሎት ክፍልታቱ ብዝቐርብ ሓሳብ መሰረት ንኣብነት ክንክን ጥዕናን ግብረ ሰናይን ዝምልከት ግብረ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ግምት ብምሃብ ናይ ሰብኣዊ ምሉእ ምዕባለ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ከምዘቖሙን እዚ ቅዱስ ማሕበር’ዚ ስደተይናታትን ድኻታትን ሕሙማንን ዝተነጸሉን ዝተገፍዑን ዝግፍዑን ኣደዳ ዓመጽን ውግእን ኣደዳ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታትን ንዝዀኑን እሱራትን ብስእነት ስራሕ ንዝተጠቕዑን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት እውን ከይተረፉ ዝትንክፍ ናይ እዋንና ብሓደስቲ ጊልያነት ተግባራት ንዝተጠቕዑን ኣደዳ መግረፍትን ስቅያትን ንዝዀኑ ዝከናኸንን ካብ መላእ ዓለም ናይ ፍርዲ ሞት  ንግድ ሰብን ክውገድን ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእ ዘተባቦዕን ሓልዮ ምሉእ ምዕባለ ሰብኣዊ ዝከናኸን ዝነቓቕሕን ምዃኑ የነጽሩ።

እዚ ሓድሽ ቅዱስ ማሕበር ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ጀሚሩ እቲ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ናይ ውሁድ ልቢ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ከምኡ እውን ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘጠቓልል ኰይኑ ብወግዒ ኣገልግሎት ክጅምር ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ኣዋጅ ገሊጾም፡ ብሓዋርያዊ ቅዋም ሕያዋይ ጓሳ ካብ 142 ክሳብ 153 ብዘሎ ናይዞም ዝተፈላለዩ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርታት ቅዋሜኦም ዝምልከቱ ኣንቀጻት ክሕከኹ ምዃኖም የነጽሩ።

ቅዱስ ኣቦና ብዘለዎም ፍልዩ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ኣገባብ እቲ ዘቖምዎ ቅዱስ ማሕበር ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ምሉእ ብምሉእ ብዘይ ምንም መኸላእታ ኣገልግሎት ዝጅምር ምዃኑ ናይ ቅዱስ ሓዋርያዊ መንበር ተግባር ብዝብል መለለዪ ርእሰ ዓቀጽ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ብእተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ወግዓዊ ዕለታዊ ጋዜጣ ተሓቲሙ ብውግዒ ንንባብ ከምዘብቅዔ ድማ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

እቲ ዕለት 31 ነሐሰ 2016 ዓ.ም. ብ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ተሓቲሙ ብወግዒ ንንባብ ዝበቕዔ ናይቲ ሓድሽ ቅዱስ ማሕበር ቅዋመ ዝገልጽ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ናይዚ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኰይኖም ንኸገልግሉ ድማ ሓደ ናይቲ በዚ ሓድሽ ቅዱስ ማሕበር ዝጠቓለል ናይ ፍትሕን ሰላም ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኰይኖም ዘግልግሉ ዘለዉ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን ከምዝሹሙ የመልክት።

ቅዱስ ኣቦና ናይቲ ዘቖምዎ ሓድሽ ቅዱስ ማሕበር ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝከታተል ሓዋርያዊ ጨንፈር ብግዚያውነት ባዕሎም ብፍሉይ መልክዕ ክመርሕዎ ምዃኖም ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ሓድሽ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በቲ ዘለዎ ሓላፍነትን ናይ ኣገልግሎት ተልእዀኡ መሰረት ዝተሓባበርን ኣብዚ መዳይ ዝተፈላለዩ ንናይ ሰብኣዊ ምሉእ ምዕባለ ሓልዮ ተበግሶታት ዝነቓቕሕን ብዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተቛማትን ማሕበራትን ዝነቓቕሑ ጅማሬታት እውን ዘተባብዕን ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ እውን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ምንቕቓሕ ምስ ዘገልግሉ ዝተፈላለዩ ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ተቛማትን ዝተሓባበርን ከምዝዀነ የነጽሩ።

እዚ ሓድሽ ቅድስ ማሕበር ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ ዓንቀጽ ኣብ ግብሪ ክትርጎምን ማሕበራዊ ርክባንትን ኤኮኖምን ፖሊቲካን ብወንጌላዊ መንፈስ ክትንከፉ መታን ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ ዓንቀጽ ብዕምቆት ዝምምይን ዘጽንዕን ዘስፍሕን ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ኣዋጅ ሰነድ የመልክቱ።

በቲ ሓድሽ ዘቐምዎ ቅዱስ ማሕበር ናይ ግብረ ሰናይ ድርገትን ናይ ስነ ምህዳር ድርገት ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ከምኡ እውን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ጉዳይ ናይ ምክትታል መዝነት ከምዘለዎ ሓቢሮም ኣተሓሒዞም ድማ ዝተፈላለዩ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዝከታተልን ናይዘን ግብረ ሰናይ ማሕበራት መካየዲ ኣገልግሎትን ነቲ ዝቖመሉ ዕላማ መካይደዲ ክኸውን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ምክትታል ሓላፍነት ለበስ ከምዝዀነን ብሓደ ህየንተ ዝምራሕ ኰይኑ ዓለማውያን ይዅኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ ብሓደ ተሓባባርን ዋና ጸሓፍን ብውሑዱ ድማ ሓደ ምኽትል ጸሓፊ ዘለዎን ክኸውን ኣብቲ ዕለት 17 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ክታሞም ዘንበርሉ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ከምዘነጸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.