2016-08-16 12:03:00

ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዓመጽን ባርነትን ሓራ ይኹና! ር.ሊ.ጳ


ላቲናዊ ስርዓተ ኣምልኾ እትክተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትማሊ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ዘኪራ ውዒላ፣ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንክብሪ እዚ በዓል’ዚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘቅረብዎ ናይ መልአከ እግዚኣብሔር ጉባኤ ኣስተምህሮ ‘ኦ ጐይታ ናይ ሰላም ዕለታት ሃበና’ እንክብሉ ናብታ ንግስተ ሰላም ዝኾነት እኖና እግዚእትነ ማርያም ኣብ ሰማይ ብነፍሳን ብስጋኣን ዝፈለሰትሉ በዓል ተማህሊሎም፣

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል እቲ እኖና እግዚእትነ ማርያም ብስራት ገብርኤል መልአኽ ምስ ተቀበለት ተቀላጢፋ ናብ ዝባውንቲ ይሁዳ ከደት ዝብል ኮይኑ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ካብ ብስራት ገብርኤል መልአኽ ዝጀመረ ፈቀዶ ኲርባታት ኢየሩሳሌም ምግስጋስ እኖና እግዚእትነ ማርያም ኣብ ምድራዊ ሕይወታ ክሳብ እታ ዓባይ ዕለተ ድሕነት ዓርቢ ስቅለት መዓልቲ ኣብ ኮረብታ ጎልጎልታ ኣብ ትሕቲ መስቀል ወዳ ትልለዎ ዝነበረት ሓዘንን መስዋዕትን ድሕሪ ምዝካር ሎሚ ግን በንጻሩ ናብታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ንግጽ ሰማያዊ ኣቦ ክትርእን ገጽ እትፈትዎ ወዳ ኢየሱስ እንደገና ንክትርእን ንሰማይ ምዕራጋ ገሊጾም፣ ሎሚ ከምቲ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ራእዪ ዝብሎ ‘ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ፡ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት።’ (12.1) እታ ናይ መጀመርያ ተኸታሊት ወይ ሓዋርያ ወዳ ዝኾነት እኖና እግዚእትነ ማርያም ናይታ ሰማያዊት ሃገርና ድርኲኺት ንምስጋር እውን ቀዳመይቲ ብምዃን ብነፍሳን ብስጋኣን ንሰማይ ፈለሰት፣ እታ ንኢየሱስ ሕጻን ኣብ ዓለም ኣብ ሕቊፋ ንምቅባል ቀዳመይቲ ዝኾነት ኣብ ሰማይ ኣብ ሕቊፉ ወዳ ዓሪፋ ናብ ዘለዓለማዊ መንግስቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝኣተወት እውን እኖና እግዚእትነ ማርያም እያ፣ ኣብ ግዝኣት ሮማውያን ብዙሕ ተፈላጥነት ናይ ዘይነበሮ ሓደ ቊሸት ትሕትን ገርሀይናን ጓል ንቃል ወንጌል ብኽፉት ልቢ ስለዝተቀበለትን ብኣኡ ተመሪሓ ስለዝነበረትን ኣብ ጐድኒ ወዳ ንክትነግስ እግዚኣብሔር ፈቃዱ ኮነ፣ ብኸምዚ ከኣ ከምቲ ንሳ ኣብ ጸሎታ ዝበለቶ ‘ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም፡ ንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም’ (ሉቃ 1.52) እዩ ነገሩ፣

ናይ እኖና እግዚእትነ ማርያም ንሰማይ ምፍላስ ዓቢ ምስጢር ኮይኑ ንነፍስ ወከፍና የግድስ ምናዳኸኣ ንመጻኢና ይምልከት፣ እኖና እግዚእትነማርያምከስ እቶም ከምኣ ብምስጢረ ጥምቀት ሕይወቶም ምስ ሕይወት ኢየሱስ ናይ ብምትእስሳር ንዝጐዓዙ ኣቀድኢማ ብምምራሕ ንሰማይ ትኣቱ፣ ናይ ሎሚ በዓል ንሰማይ ክንጥምት ይዕድመና! ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ዮሓንስን  ዘበስሩና ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ብምዕዋትን ንክፍኣት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ብምድምሳስ ዝረኸበልና ‘ሓዲስ ሰማይን ሓዲስ ምድርን’ ክነማዕዱ ንዕደም። ነዙይ ምስ እነስተማቅር እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊአ እኖና እግዚእትነ ማርያም ዝደረሰቶ ‘ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ መንፈሰይ ድማ ብአምላኽ በቲ መሓኒየይ ባህ ይብሎ’ ዝብል መዝሙር ምስጋና ናይ ኩሉ ዘመደ ኣዳም መዝሙር ይኸውን፣ ምኽንያቱ ጐይታ ከምታ ንትሕቲ ሕጻን ገሊላ ሓፍ ዘበል ንኩሎም ትሑታት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ድንን ቢሉ ከልዕሎምን ከኽብሮምን ንሰማይ ከኣ ምሳኡ ከንግሶምን ምርኣይን ምእማንን ድንቂ ስለዝኾነ፣ ጐይታ ንትሑታት ከልዕሎም ድንን ክብል እንከሎ ክንደይ ኮን የደንቅ፣ እዚ ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም እዚ ኮይኑ ግን እኖና እግዚእትነ ማርያም ኣብ ሕይወታ ብዙሕ ተሳቅያ እያ፣ እዚ ከኣ ሎሚ ኣብ ዓለምና ክንደይ ዝሳቀያ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ንምሕሳብ የኽእለና፣

‘ብፍላይ እተን ብኽበድ ናብራን ናይ ዓመጽ ድራማን ናይ ሓያላን ትዕቢት ባሮት ዝኾና፣ ሕጻናት ኣብ ዘይሰብኣዊ ስራሓት ተጸሚደን እንክትርኢ፣ ንስምዒታዊ ህርፋንን ሃነፍነፍን ደቂ ተባዕትዮ ከርውያ ስጋአንን መንፈሰንን ክርሕርሓ ዝግደዳ ደቂ ኣንስትዮ፣ ነዘን ግዳይ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ መኣስ ኮን ይኸውን ሰላም ፍትሒ ፍቅሪ ዝረኽባ፣ ካብ ዘዋርደን ኣእዳው ወጺአን ብፍቅሪ ናብ ዝሕብሕባን ናብ መንገዲ ሕይወትን ቅሳነትን መሊሱ ክሳብቲ ሰማያዊ መንገዲ ዝመርሓ ከምዝረኽባ ይኹን፣ ጐይታ ባዕሉ በእዳው ናብ መንገዲ ሕይወት ብምምራሕ ካብዚ ባርነትዚ ሓራ ከውጸኤን ንለምኖ` እንክብሎ ኣስተምህሮኦም ዛዚሞም ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም፣

ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር እንደገና ንግስተ ሰላም ዝኾነት እግዚእትነ ማርያም ካብ ወዳ ሰላም ክትልምነልና ምናዳ ናይቶም ብዝተፈላለየ ግጭትን ዓመጽን ኣብ ትሕቲ ስቃይ ዝርከቡ ሕዝቢ ጓህን ኩነታትን ርእያ ወዳ ፍቅርን ሓልዮትን ምርድዳእን ሰላምን ስምምዕን ክህበና ክተማልደልና ክንልምና ምስ ኣዘኻኸሩ ምናዳ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘጋጥም ዘሎ ከምዝተሓሳሰቦን ናይ ዓለምና ርኢኻ ከምዘረኣኻ ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ ኣጽቅጥ ምባል ዘሕፍር ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

‘ሃመይን ቀልበይን ናብ ነበርቲ ክፍሊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኾነት ሰሜን ኪቩ እዩ ዘሎ፣ ኣብዚ ቁሩብ መዓልታት እንደገና ኣደዳ ናይ ሓዲስ ግፍዕን መቅተልትን ኮይኖም ክንሶም ዓለም ብዓለም ምንም ከይበለትን ከየመልከትን ሱቅ ምባላ ዘሕፍር ሱቊታ ኣዩ፣ እቲ ዘሕዝን ከኣ እዞም ሰባት እዚኦም ብርእይቶ ዓለምና ምንም ክብደት ዘይወሃቦም ንጹሓት ዜጋታት ምዃኖም እዩ፣ ንኩልና እኖና እግዚእትነ ማርያም ናይ ርሕራሔን ምድንጋጽን መንፈስ ዓዲላ ድልየት ሰላምን ስምምዕን ትስዀዓልና’ ብማለት ዝተሰመዖም ጓሂ ብምግላጽ ንኩሎም ርሑስ በዓለ ፍልሰታ ብምምናይ ወትሩ ከምዝብልዎ ምእንታኦም ክንጽሊ ብምዝኽኻርን ብሩኽ ምሳሕ ብምምናይን ተሰናቢቶም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.