2016-08-11 16:46:00

ዛምቢያ፥ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሃገሮም ሕዝባዊ ምርጫ ሰላምውን ግልጽን ክኸውን ጻውዒት የቕርቡ


ናይ ዛምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነቲ ዕለት 11 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ዝተኻየደ ምርጫ ኣማዕድዮም ቅድም ክብል ዕለት 9 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. እቲ ናይ ሃገሮም ሕዝባዊ ምርጫን ምርጫ ርእሰ ብሔርን ምርጫ ሓዳሲ ኣባላት ቤት ምኽርን ከምኡ ድማ ሕገ መንግስቲ ዓንቀጽ 79 ንምሕዳስ ዝምልከት ድምጸ ህዝባዊ ውሳኔ ዝካየደሉ ዕለት ምዃኑ እውን ዓቢይ ግምት ብምሃብ እቲ ምርጫ ሰላማውን ግልጽን ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ዘመሓላለፍኦ ጸብጻብ የመልክት።

ምድማጽ ብነጻነትን ሰላማዊ መገድን ዝትግበር መሰልን ግቡእን እዩ

ናይ ዛምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ደጋጊሞም ሕዝባዊ ምርጫ ሰላማውን ግልጽን ክኸውን እንክብሉ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ጻውዒት ደጊሞም ዴሞክራሲ ብቐዳምነት ሕዝቢ ናይ ምድማጽ መሰሉ ብነጻነትን ሰላማዊ መገድን ከቕርብ ዝውሕስ እዩ። ስለዚህ ድማ ኩሎም እቶም ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ናይ ምድማጽ መሰሎም ግብኡነት ዘለዎ ሃላፍነት ምዃኑ ኣስተውዒሎም ክትግብሩ ሓደራ ቢሎም ከምዝነበሩ ፒሮ ገሊጸን፥ ናይ ምድማጽ መሰልካን ጉብእኻን ጠሪሹ ከሰልክየካ ኣይግባእን ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ተክለ ሰብነት ብቑዕ ተመራጺ

ብፁዓን ጳጳሳት ዛምቢያ ሕዝቢ ንመን ክመርጽ ኣለዎ እንክብሉ ስም ተመራጺ ዘይኰነስ ናይ ብቑዕ ተመራጺ ተክለ ሰብነት ብምትንታን ፖለቲካዊ ብቕዓት ዘለዎን ኣብ መዳይ ኤኮኖምን ማሕበራውን ብቕዓት ዘለዎን ሓቒ ዘይፈርሕን ሓቂ ዝዛረብን ንማሕበራዊ ፍትሒ ዝቐውም ስለ ሕዝብን ሃገርን ናይ ሓባር ረብሓ ዘገልግል ውልቃዊ ረብሓ ዘየማዕድው ስልጣን ንድኻታትን ነቶም ኣብ ዘይተመቻቸኤ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ደረጃ ዝርከቡ ንምግልጋል ማለት ምዃኑ ዝኣምንን ነዚ ዝትግብርን ዘተግብርን ክፉት ኣብ ዘተ ዝኣምንን ቅንዕናን ግልጽነት ኣብ ፖለቲካ ዘተባብዕን ዝነብርን ምሉእነት ዘለዎ ንሕዝብን ሃገርን ግልጽን እሙንን ክኸውን ይግብኦ እንክብሉ ከምዘመልከቱ ፒሮ ገሊጸን።

ከይዲ ሕዝባዊ መረጻ ብብቕዓት ምዕዛብን ምቁጽጻርን

ሕዝባዊ ምርጫ ካብቶም ብሔርተይናነትን ዓሌታውያንን ሃይማኖት ዘማእከሉን ናጻ ኰይኑ ስልጣን ዝዕምጹን ካብ ናይ ሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ ውልቃውን ነቲ ዝፈላለየ ናይ ኣጋጣሚ ኩነት ዘማእከለ ፖለቲካዊ ርእየት ካብ ዝነዝሑ ዜጋታት ናጻ ክኸውንን ጻውዒት ዘቕረበ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዛምቢያ ኣስዒቡ እቶም ተቖጻጸርቲ ሕዝባዊ ምርጫ ካብ ዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ጸቕጥን ዐሌታውነትን ብሓፈሻኡ ካብ ጸላዊ ጉዳያት ናጻ ክዀኑን በዚ መሰረተ’ዚ ንሕዝቢ ናይቲ ምርጫ ከይድን ውጽኢታቱን ብግቡእን ተኣማንነት ከፍልጡ ይግባእ ከምዝበሉ ዝሓበራ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን፥

መንእሰያት ናይ ብሉጽ ሃገር ተዋሳእቲ

ብፁዓን ጳጳሳት ዛምቢያ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዘመሓላልፍዎ ዜና ቅንዕናን ሓቅነት ዝብሉ ስነ ምግባራዊ መሰረት ክኽተሉን ዝተማልኤን ቅኑዕን ንኹለን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ብማዕረ ዝመዝንን ዝርእይን ካብ ተገዛእነት ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ናጻን ኰይኑ ምሉእን ቅኑዕን ሓቤረታ ኣብ ምቕራብ ክተግህ ድማ ጻውዒት ብምቕራብ መንእሰይ ወለዶ ንናይ ሃገሩ ብሉጽ መጻኢ ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውንን ናይ ዓመጽን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ውልቃዊ ረብሓ መጋበርያ ከይከውን ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ሰላም ምሕናጽ

ኣብ ፍጻሜ መልእኽቶም ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዛምቢያ ዜጋታት ሃገሮም ምድማጽ መሰልን ክብርን መሰረታዊ ግቡእነትን ከምዝዀነን ክርስትያናዊ ሓላፍነት እውን ምዃኑ ክእመንን ቢሎም ምእንቲ’ዚ ምድማጽ ኣገዳስን ምትላል ዘይብል ግብረ መንፈስ ቅንዕና እዩ ምስ በሉ መላእ ሕዝቢ ሃገር ዓመጽን ዝዀነ ይዅን ቅርጺ ዓመጽ ብምውጋድ ሰላም ክሃንጽ ሓደራ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ኣመልኪተን።








All the contents on this site are copyrighted ©.