2016-08-11 15:44:00

ምሕረት ካብ ልቢ ናብ ኣእዳው ክሰጋገር ኣለዎ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ምሕረት ካብ ልቢ ነቂሉ ብናይ ምሕረት ምግባረ ሰናይ ናብ ኣእዳው ዝበጽሕ ጉዕዞ እዩ’ እንክብሉ ነቲ ጐ.ኢ.ክ ንእንኮ ውሉድ መበለት ኣብ ናይን እትበሃል ዓዲ ብዓቢ ርሕራሔን ድንጋጼን ካብ ሞት ናይ ዘተንሰኦ ቃል ወንጌል ተንቲኖም፣

እቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ሻብዓይ ምዕራፍ ተመልኪቱ ዘሎ ታሪኽ ናይታ መበለትን ሞት እንኮ ወዳን ልቢ ብዝትንክፍ ዝርዝራዊ ትረኻ እዩ ቀሪቡ ዘሎ፣ እቲ ቦታ ብዙሓት ሰባት በብጉዳዮም ላዕልን ታሕትን ዝብሉሉ ኮይኑ ኢየሱስ ክሓልፍ ከሎ ሬሳ ተሸኪሞም ዝኸዱን ብዙሕ ዝሓዘነት መበለት ምስ ረኣየ ዝሓተቶ ዘይብሉ ብርሕራሔ ተደፊኡ ነታ ሰበይቲ ክድንግጸላን ‘ኣይትብከዩ’ ቢሉ ከጸናንዓን ብኡ ንብኡ ድማ ነቶም ሬሳ ሒዞም ዝኸዱ ደው ኣቢሉ ነቲ ሬሳ ብኢዱ ተንክዩ ካብ ሙታን ኣተንሲኡ ነዲኡ ከረክቦ እንከሎ ይገልጽ፣ ኣብዚ ዕልቅልቅ ዝመልኦ መንገዲ ኣርብዓ ዝዓይነቱ ቦታ ኢየሱስ ፈልዩ ነታ ሕዝንቲ ወላዲት ክጥምትን ብፍሉይ ኣተኲሮ ካብ ዓሚቊ ሓዘን ናብ ዝለዓለ ምጽንናዕን ሓጐስን ከሰጋግራ ከሎ ብሓቂ ዘገርም እዩ፣ እዛ ሰብ እዚኣ ጓህን ጸገምን ዝገደፈላ ዘይብሉ መጀመርያ ብሞት ሓደራ ስዒቡ ብኽንደይ ድኽነትን ዝኽትምናን እተዕብዮ ዝነበረት እንኮ ውሉዳ እንክመውት ብሓቂ ምረት ሕይወት ዝወሓጣ እያ ነይራ፣ ኢየሱስ ነዛ ሰብ እዚኣ ክርሕራሓላን ከጸናንዓን እንከሎ ንስቃይ ካልኦት ክሳብ ክንደይ ከምዘስተውዕለሉን ኣብ ልቡ ፍሉይ ቦታ ከምዝህቦን ዘመልከቱ ቅዱስነቶም ንሕና እውን ኣብዚ ቅዱስ ዓመት ምሕረት ኣብ ኣፋፈት ናይ ምሕረት ማዕጾ እንክንበጽሕ ካብዚ ብዘይፍለ መንገዲ ምጽንናዕ ከምእንረክብ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣ ‘ኣብ ድርኲኺት ማዕጾ ምሕረት እንክንሳለም ነፍስወከፍና ኣብ ሕይወትና ዝጋጥመና ነገራት ዝሐጒስ ይኹን ዘሕዝን ዓወታት ይኹን ፍሽለታት ምጥርጣር ይኹን ፍርሓት ንኩሉ ንምሕረት ጐይታ ነቅርቦ፣ ኣብዚ ቅዱስ ማዕጾ እዚ ጐይታ ንነፍስወከፍና ከምዝቀርበርናን ከምዝቅበለናን ልክዕ ነታ መበለት ሰበይቲ ዝበላ ከኣ `ኣይትብከዪ! ኣይትብከ’ እናበለ መጸናንዒ ቃሉ የስመዓና፣ እዛ ማዕጾ ኢዮቤል ምሕረትከስ ስቃይ ደቂ ሰባትን ርሕራሔ እግዚኣብሔርን ዝራኸቡላ ቦታ እያ። ኣይትበከዪ! ኣይትብከ ጥራይ ቢሉ ኣይሓልፍን! እንታይ ደኣ ከምቲ ንሬሳ ወዲ መበለት ተንክዩ ‘ተንስእ’ ዝበለ ንነፍስወከፍና ካብቲ ውሒጡና ዘሎ ዓዘቅቲ ስቃይን ጭንቅን ‘ኣጆኻ! ኣጆኺ! ሓሊፉ እዩ ተንስእ! ተንስኢ!’ ይብለና፣

‘እግዚኣብሔር ክንትንስእ! ብክልተ እግርና ደው ክንብል እዩ ዝደልየና! ነዚ ከኣ እዩ ፈጢሩና! ስለዝኾነ ከኣ ክርስቶስ ተንስእ! ተንስኢ ብክልተ እግርኻ/ኺ ደው በል/ሊ ክብለና ከሎ! ሕወ/ዪ! ከምቲ እግዚኣብሔር ዝፈጠረካ/ኪ ኩን! ይብለና። ምናልባት ገለ ካባኹም ‘እወ ከምኡ እዩ! ግን ኣባቴ ብዙሕ ግዜ ንወድቅ ክትብሉ ትኽእሉ! ካልእ ዝብለኩም የብለይን እንትርፊ ቃላት ኢየሱስ ምድጋም! ኣይዞኻ/ኺ ንቅድሚት ገስግስ/ሲ! ተንስእ/ኢ! እብለኩም። እዚኣ ዘለዓለማዊት ቃል ኢየሱስ እያ! ኣብ ድርኲኺት ማዕጾ ምሕረት እንክንበጽሕ ወትሩ ኣብ ውሽጢ ልብና ‘ተንስእ/ኢ’ እትብል ቃል ኢየሱስ ክንሰምዕ ጽን ንበል ንጸሊ!’ እንክብሉ ኣብዚ ምሩጽ ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ንኢየሱስ ጽን ክንብል ምስ ኣዘኻኸሩ ነዚ እትሕግዘና ከኣ ወትሩ እተሰንየናን እትሕግዘናና ኣዲና ቤተክርስይታን ከምዘላ ከምዚ ክብሉ ኣዛኻኺሮም፣

ናይ ኢየሱስ ርሕራሔ እንክገልጽ ሉቃስ ወንጌላዊ ‘ኣዝዩ ደንገጸላ’ ይብል፣ ደንጊጹ ጥራይ ደው ኣይበለን፣ ነታ መበለት ወዳ ካብ ሞት ኣተንሲኡ እንከረክባ ካልኣይ ሳዕ ኣደ ናይ ምዃን ዕድል ይፈጥረላ። እንተኾነ እዚ ሕጂ እተረከበቶ ውላድ ሕይወት ካባኣ ኣይኮነን ዝረኸበ፣ በዚ ናይ ኢየሱስ ተኣምርከስ ኣደን ውሉድን ሓዲስ መንነት ናይ ኣደነትን ውልድነትን ይረኽቡ፣ እዚ ፍቅራዊ ተግባራን ከኣሊ ኩሉ ቃል ኢየሱን ንኩሉ ነገር የሐድስ፣ በዚ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ከኣ ኣደና ቅድስት ቤተክርስያን ነቶም ብምሕረትን ጸጋን ኣምላኽ ሕይወቶም እንደገና ንዝረኸቡ ደቃ ትቅበል፣ ብጸጋ ጥምቀት ቤተ ክርስትያን ኣደ ትኸውን ነፍስወከፍና ውሉዳ ንኸውን፣ ኢየሱስን ቤተክርስትያን ሓደ ዓይነት ኣመለኻኽታን ምግባረ ሰናይን ኣለዎም፣ ምሕረት እግዚኣብሔር ንልቢ የሐድስ! ብሓዲስ መንፈስ ውልድነት ከምእንለብስ ይገብር! ብምሕረት ኣምላኽ ዝተተንከፈ ልቢ ከኣ ብናይ ምሕረት ስራሕ ናብ ኣእዳው ገጹ ይጐዓዝ፣ ኣእዳው ከኣ ሰናይ ብምግባር ቃላት ክገልጾ ዘይክእል ድንጋጼን ምሕረትን ተኣምርን ይገብር።’ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.