2016-08-11 16:42:00

ማሕበር ደናግል ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሕዝባዊ መረጻ ሃገረን


ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከባ ካቶሊካውያን ማሕበር ደናግል ነቶም ናይ ርእሰ ብሔር ኣገልግሎት ዘመኖም ዘብቅዕ ዘሎ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ንምትካእ ዕለት 8 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ዝካየድ ህዝባዊ መረጻ ኣመልኪተን እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጐ ናይ ረፓብሊካውያን ሕጹይ ተመራጺ ሮናልድ ትራምፕን ከምኡ እውን ናይ ዴሞክራሲያውያን ሕጽይቲ ተመረጽቲ ሂላርይ ክሊንተን ዝካይድ ዘሎ ናይ ምረጹኒ ጐስጓስ ካብ ጽልእን ፍርሕን ዘተኣታትው ጣቋ መደረ ክቑጠብን ምክብባር ዝዓሰሎ ዘተ ኣብ መንጐ ወደርተይናታት ክህሉ ጻውዒት ከምዘቕረባ ክምልከት እንከሎ እተን ካብ ጠቕላላ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ዝርከባ ማሕበር ደናግል 80 ሚእታዊ ዝሽፍን ቤት ምኽሪ ማሕበር ላዕለዎት ኣሕሉቕ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘተፈላለየ መዳይ ተመዲበን ዘገልግላ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ደናግል እቲ ጻውዒቲ ዝተነብሮ ናይ ሓባር መልእኽተን ድማ ንሮናልድ ትራምፕን ሂላርይ ክሊንተንን ከምዘረከባ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

ኣብ መንጐ ወደርቲ ሕጹያት ተመረጽቲ ናይ ሓድ ሕድ ጥዑይ ምንጽጻር እምበር ምውግጋዝ ኣይሀሉ

እተን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከባ ማሕበር ደናግል ዝጥርንፍ ናይ መላእ ማሕብራት ደናግል ኣብ ሕቡራት መንግስታታ ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ኣሕሉቕ ብወግዒ ዝተዘርግሔን ነቶም ሕጹያት ተመረጽቲ ዝተረከበ መልእኽቲ ከምዘመልክቶ ንሕቡራት ኣመሪካ መንግስታት ክመርሕ ዝምነይ ሓላፍነት ካብ ዝጐደሎ ኣኽብሮት ዝነስእ ኢሰብኣውነት ካብ ዘድምዕን ካብ ኣውጋዚ ቃላት ተቖጢቦም ናይ ሃገርን ሓባራዊ ጥቕምን ብምቕዳም እቲ ዝኣምንሉ ፖለቲካዊ ሓሳብ ብትሕትና ከቕርቡ ይግባእ ዝብል ሕሳብ ዝተነብሮ ከምዝዀነ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዘንጋሪኒ ኣስዒበን፥ 

ናይ ፖለቲካ ሸቶ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምስዓብን ምርግጋጽን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብቲ ናይታ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ናይ ዝዀነ ይኹን ፖለቲካ ሸቶ ምዕቃብን ምክልኻልን ምውሓስን ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዘይሕለል ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምርግጋጽ ዘገልግልን ዝብል እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ እቲ ናይ ማሕበር ደናግል ኣሕሉቕ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝመሓላለፎ መልእኽቲ ከምእተሰመረሉ የመልክታ።

ናይ ጽልእን ፍርሕን ድምጽታት ክዕወቱ ዘይምሕዳግ

እቲ ዘሕዝን ኣብዚ እዋን’ዚ ፖለቲካ ብፍሉይን ውልቃውን ረብሓ ዝጽለውን በዚ ኩነት’ዚ ዝምራሕን እናዀነን ብምስኪን ጣቋ መደረ ዝልለይ ኰይኑ በቲ ኣኽራርነትን ጽልእን ፍርሕን ዘማእከለ ርእየት ዓለም ወይ ድማ ጽንሰ ሐሳብ ለሚሱ ብሕሉፍ ሰልፋዊ ተጣባቕነትን ሓርበይናነትን ብኽራርነትን ስልቲ ክጽለው ምርኣይ እዩ። ብዙሕ ጊዜ ወደርቲ ፖለቲከይናታት ነቲ ትሑት ዝዀነ ዝንባለን ባህርያዊ ድፍኢትን ዝውከሱን ነቲ ናይ ሃገር ማሕብራዊ ቅርጺ ዘባድም ናይ ፍራሒ ሓዊ ዘጐሃህሩ ኰይኖም ከምዝርከቡ እቲ ቤት ምኽሪ ማሕበር ደናግል ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ኣብ መንጐ ወደርቲ  ናይ ምውቕቓስን መጥቃዕቲ ዝፍንው ደረት ኣልቦ ቃል ተጸባኦነት ከም ኣብነት ጠቒሰን ብምትንታን ፍርሕን ጽልእን ጸላእተይናነትን ክዕወቱ ትም ቢልና ኣይንርእይን ከምዝበላ ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 8 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ናይ ሕቡራት መንስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንናይ ፖለቲካ ግብረ ገባዊ ኩርናዕ ምትኳር ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ውርሒ ሕዳር 2016 ዓ.ም. ዝካይድ ሕዝባዊ መረጻ ኣመልኪቶም እንታይነት ልዕሉ ናይ ፖሊቲካ ሸቶ ዘነጽር ንዜጋዊ ተኣማንነት ሕንጸት ሕልና ወሳኒ እዩ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎን ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.