2016-08-09 16:54:00

ቺለ፥ ብሓባር ዓባይ ሃገር ክንሐንጽ ኣሕዋት ምዃን


ናይ ሳንቲያጎ ደል ቺለ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሪካርዶ ኤዛቲ ኣንድረሎ ብበዓለ ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ዘኮፓካባና ቅድስቲ ሓላዊት  ሃገረ ቦሊቪያ ምኽንያት ኣብ ሳንቲያጎ ደል ቺለ ንዝቕመጡ ማሕበረሰብ ቦሊቪያ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ብሓባር ዓባይ ሃገር ንኽንሃንጽ መታን ኣሕዋት ምዃንና ክንእመንን ኣብ መንጐና ሕውነት ከነተባብዖ ግድን እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝጠቐሳ ልእኽቲ ራዲዮ ቫቲካን ኢሳበላ ፒሪ የመልክት።

ዘሕብረና እምበር ዝፈላልየና ዘይምጥማት

ብፁዕ ካርዲናል ኤዛቲ እንድረሎ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ እቲ ግጭትን ምቅሕሓርን ፍልልይን ዝዳርግ ምኽንያት ኵሉ ይወገደ። ብፋላይ እቲ ዘሕብር እምበር ዝፈላልይ ዘበለ ኩሉ ብምእላይ ኣብ ጎደና ሓድነት ብሓባር ምጉዓዝን እቲ ዘሕብር ካብቲ ዝፈላልይ ኣዚዩ ክቡርን ዓቢይን ዘይበራስን እዩ ንሱ ኸኣ እቲ ደቂ ሓደ እግዚኣብሔር ምዃንና ዘሎና ክብሪ እዩ። እታ ናይ ቦሊቪያ ሓላዊት ቅድስቲ ቅድስተ ማርያም ዘኮፓካባና ኣብ ሃገረ ቺለ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝሓለፉ 14 ዓመታት ንነጀው ብወግዒ ክኽበር ምጅማሩ እውን ዘኪሮም ናይዚ ዓቢይ በዓል መዛዘሚ ድማ ኣብ ኣደባባይ ደ ኣርማስ ክኽበር እዩ ከምዝበሉ ፒሮ ጠቀስ ሲር ናይ ዜና ኣገልግልቶ ኣብ ዘመሓላለፈኦ ጸብጻይ ይሕብራን።

ኣብ ሕብረት ጸኒዕና ኢጐነት (ንኣይነት) ምውጋእ

ብፁዕ ካርዲናል ኤዛቲ ይብሉ ምሕዝነት ስልጣኔ እዩ እዚ ድማ ከም ኣሕዋት ንኽንፋለጥን ንኽንከባበርን ብሓባር ናይ ሓባር መጻኢ ንምሕናጽ ዝድግፍ እዩ ቢሎም ታሪኽ ናይ ሕይወት መምህር እዩ ስለዚህ እዚ ብሓባር ናይ ሓባር መጻኢ ብምህናጽ ዝጸሓፍ ናይ ሓባር ታሪኽ መላእ ላቲን ኣመሪካ ንምሕናጽ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ሓላፍነት እዩ ቢሎም ኣብዚ እዋን’ዚ ባህሊ በቲ ንኣይነትን ውልቃውነትን ዝብል ኣመለኻኽታ ዝተጸልወሉ እዋን ከም ክርስቲያን እቲ ከም የሕዋት ሓደ ዝገብረና ደቂ እግዚኣብሔር ምዃን ክብርና ሓድነትና ነቕውም ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ምንጪ ዜና ዝጠቐሳ ፒሮ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.