2016-08-06 15:28:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ንመላእ ተሳተፍቲ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ኦሎምፒክ ስፖርት ሪዮ 2016 ዓ.ም. ናይ ሕውነት መልእኽተይናታት ኩኑ


እቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ንፈለማ ጊዜ ዝካየድ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ውድድር ስፖርት ኦሎምፒክ 2016 ዓ.ም. ብውግዒ ከምእተጀመረ እንክሕበር ቅዱስ ኣቦና ዕለት 5 ነሐሰ 2016 ዓ.ም. በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መርበብ ዝርከብ ኣት ፖንቲፈክስ ብእተሰመየ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ንዓለም ሓቆፍ ኦሎምፒክ ሪዮ 2016 ዓ.ም. ንመላእ  እትለታውያን ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም፥ “ናይ ሕውነትን ናይ ስፖርት ትኵርን ልዑል ክብሪ መልእኽተይና ኩኑ” ዝብል መልእኽቲ ከዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ኣብቲ ናይ ሪዮ 2016 ዓ.ም. መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር ካብ 200 ሃገራት ዝተዋጽኡ 10 ሺሕ ኣትለታውያን ተሳተፍቲ ከምዘለዉን፡ ብናይ ብራዚል ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሸሞንተ ምሸት ልዕሊ 80 ሺሕ ተዓዘብቲ ዝተረኽብሉ ናይ መኽፈቲ ዓውድ በዓል ከምዝቐረበን ካብ ኩለን ሃገራት ዝተዋጽኡ ብናይ ግሪክ ኣትለታውና ተመሪሖም ናይ ሃገራቶም ሰንደቕ ዕላማ ብምቕዳም ናይ ሰልፊ ምርኢት ከምዘቕረቡን እቲ ናይ ለምዘበን ኦሎምፒክ ፍልይ ዘብሎ ድማ ተሳታፍነት ጋንታ ስደተይናታን ተመዛበልትን ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኰ ሓቢሮም።

28 ዓይነት ናይ ስፖርት ውድድራት ዝቐርበሉን ንልዕሊ 112 ዓመታት ካብ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር ተሰሪዙ ዝነበረ ናይ ጎልፍ ስፖርት ውድድር ዝተጸንበሮን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮንን ፈረቓን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ተዓዘብትን ብጠቕላላ ድማ 7,5 ሚሊዮን ናይ መእንተዊ ቲኬት ንመሸጣ ዝቐረበሉን ምኳኑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰየመ ጉጅለ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃማኖት ምስልምና ግብረ ሽበራ ክፍጽም ምዃኑ ናይ መፈራሒ መልእኽታቱ ይፍንው ከምዘሎን ልዕሊ 85 ሺሕ ሓይሊ ጸጥታን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ንሓለዋ ጸጥታን ደህነትን ውሕስነት ከምእተመደቡን ብጠቕላላ ልዕሊ 25 ሺሕ  ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራኸቢ ብዙሃን ልኡኻት ጋዜጠይናታትን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሰብ ሙያን ኣብ ሪዮ ከምዝርከቡን ኣፍሊጦም።

ድሕሪ እቲ ናይ ሩሲያ ኣትለታውያን ብዓለም ሓቆፍ ስፖርት ኦሎምፒክን ደረጃ ክልኩል ዝበሃል ሓይሊ ወሃቢ መድሃኒት ምጥቃሞም ስለ ዝተበጽሖ እዚ ጉዳይዚ ፈጢርዎ ብዝነበረ ናይ ተሓታትነት ገበን ምኽንያት ኣብቲ ዕለት 21 ነሐሰ 2016 ኣ.ም. ዝዛዘም ናይ ሪዮ ዓለም ሓቆፍ ኦሎምፒክ ሩሲያ ንኸይትሳተፍ ዝብል ውሳኔ ክቀላቐል ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ኦሎምፒክ ኮሚቴ ካብ ጠቕላላ ኣትለታውያን ሩሲያ 271 ክሳተፉን ካልኦት 181 ድማ ንኸይሳተፉ ናይ እገዳ ውሳኒ ከምዝሃበሉ ሎሞናኰ ገሊጾም።

ዓለም ለኻዊ ስፖርት ኦሎምፒክ ኣብ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተኣንገደ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኰ ይብሉ ኣብቶም ክሳብ ሕጊ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ኦሎምፒክ ስፖርት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሔ መዳልያ ዝተዓወተት ሃገረ ኪንያ ክትኸውን እንከላ ስዒበን ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ግብጽን ዝስርዓ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.