2016-08-04 18:43:00

ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ንኣብ ውግእ ዘሎ ዓለምና ናይ ሕውነት ሞዛይክ(ቂሔ ጽልሚ) እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ብናይ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ምኽንያት ንወርሒ ሓምለ ተቋሪጹ ዝነበረ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ትማሊ እንደገና ንምጅማር ኣብ ኣድራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ንዝተረኽቡ በሽሓት ዝቊጸሩ ነጋድያንን ምእመናን ብዛዕባ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ኣብ ፖላንድ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያትን ዝተኰረ ኣስተንትኖ ኣቅሪቦም፣

ኣብዚ ብውግእን ዓመጽን ቈሲሉ ዘሎ ዓለምና እቶም ኣብ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዝተኣከቡ መንእሰያት ኣብ ሕውነት ናይ ዝተመስረተ ተስፋ ምልክት ሂቦማ፣ እንክብሉ ገና ናይ ዕለተመንእሰያት መንፈስ ኣብ ኩሉ ዓለም ዓሲሉ ከምዘሎ ምስ ገለጹን ብዛዕባ ኣብቲ ናይ ሕልቂት ማእከል ዝኾነ ልዕሊ ሓደ ሚልዮንን ፈረቃን ኣይሁድን መዕቈብቶምን ዝሃለቁሉ ኣውስዊዝ ዝገበርዎ ምብጻሕን ኣብ ቸስቶሆቫ ፖላንድ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ዘኪሮም ምእንቲ እታ ካብ ክራኩፍ ንዓዳ ክትምለስ ከላ ዝሞተት ጓል 19 ዓመት መንእሰይ ሮማ ጸሎት ኣዕሪጎም፣

ቅዱስነቶም መግለጺኦም ብምቅጻል ንናይ ክራኩፍ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ንኤውሮጳን ንመላእ ዓለምን ትንቢታዊ ምልክት ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገለጹ ‘ናይቲ ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝጀመረ ንግደት ቀጸልትን ወረስትን ዝኾኑ ሓደስቲ ወለዶ መንእሰያት ንናይ ዘመንና ግድላት መልሲ ሂቦም ምልክት ተስፋ ሂቦም፣ እዚ ምልክት እዚ ከኣ ሕውነት ይበሃል፣ ምኽንያቱ ኣብዚ ናይ ውግእ ዓለም ሕውነት የድሊ ምቅርራብ የድሊ እሂን ምሂን ምባል የድሊ! ዕርክነት የድሊ! ሕውነት እንተሎ ኸኣ እዚ ምልክት ተስፋ እዚ ኣሎ`

እዚ ናይ ሕውነት በዓል ብምዃን ንዓለምና ናይ ተስፋ ምልክት ዝኾነ እቶም መንእሰያት መራኸቢ ድልድላት ክሃንጹን ብሓባር ክህሉን ታሕጓስ ናይ ሓቢርካ ምንባር ከስተማቅሩን ብምብጋስ ናይ ሕውነት ሞዛይክ ፈጢሮም፣ ኣብ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ሓደ ካብቲ ዘደንቅ ካብ ኩሉ ኲርነዓት ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ነናይ ሃገሮም ባንደራታት ከንበልብሉ ከሎ ደስ ይብል ምኽንያቱ ዳርጋ እተን ባንደራታት ይነጽሓ ይነጸርያ ይሕጸባ ከማይ ወላ ናይተን ኣብ ግጭት ዝርከባ ሃገራት እውን ከይተረፋ ኣብዚ በዓል እዚ ጥቃ ጥቃ የንበልብላ፣ እዚ ከኣ ብጣዕሚ ጽቡቅ እዩ፣ እንክብሉ ጣዕሚ ዕለተ መንእሰያት ምስ ገለጹ፣ ወትሩ ኣብ ሕይወት ኩሉ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ከምዘይኮነ ሽሕኳ ናይ ምሉእ ዓለም መንእሰያት ናይ ምሕረት መልእኽቲ ትቀቢሎም ብመንፈሳውን ስጋውን ናይ ምሕረት ስራሓት ናብ ምሉእ ዓለም ከባጽሕዎ እንትተዓጥቁ ካብዞም መንእሰያት ሓንቲ ካብ ቊምስናታት ሮማ ነዚ በዓል ናብ ክራኩፍ ዝኸደት ንዓዲ ጣልያን ክትምለስ እንከላ ኣብ ቭየና ማነንጃይት ሒዝዋ ዝዓረፈት ሱዛና ዘኪሮም ከኣ ከምዚ በሉ፣ `ናይዛ ሰበኻና ኣባል ዝኾነት ጓል ሮማ ሱዛና ብዓቢ ምድንፋቅ ንዝክራ፣ እቲ ብርግጽ ኣብ ሰማይ ኣብ ሕቊፉ ተቀቢልዋ ዘሎ ጐይታ ንቤተሰባን ነዕሩኽታን ጽንዓት ይሃብ፣’ ቢሎም

ኣብ ቸስቶሆቫ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቀንዲ ነታ ኣደ ፖላዳውያንን ኤውሮጳን ብምዃን ክርስትያናዊ መሰረት ኤውሮጳ ዘረጋገጸት እናና እግዚእትነ ማርያም መካነ ንግደት ማእከል ዝገበረ ከምዝነበረን ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ነቲ ናይ ጽንተት ቦታ ናይ ናዚ ኣውስዊዝ ቢርከናው ስምዒትካ ዝቅስቅስ ከምዝነበረ ምናዳ ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ውሩይ ስእሊ እኖና እግዚእትነማርያም ምስ ረኣኹ ናይ ወላዲት ቈላሕታ ተዓዲለ፣ እዚ ውሉድ ናይዛ ርሕርሕቲ ኣደ ዝኾነ ሕዝቢ ፖላንድ ከኣ ነህጉር ኤውሮጳ ብዘይ ክርስትያናዊ ውርሻ ንኤውሮጳ መጻኢ ክህልዋ ኣጸጋሚ እዩ! ካብዚ ከኣ ዋና ምሕረት እዩ ነዚ ከኣ ክልተ ዓበይቲ ፍሉያት ሓዋርያት ኣለውዎ እዚኦም ከኣ ቅዱስ ፋውስቲን ኮቫልካን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን እዮም’ እንክብሉ እቲ ዓቢ መንፈሳዊ ሃብትን ውርሻን ምስ ገለጹ ናይቲ ብአውስቪዝ ቢርክናው ዝፍለጥ ማእከል ስቃይ ኣመልኪቶም ከኣ ናይ ዝሓለፈ ጥራይ ዘይኮነ ሎሚ ከም ሎሚ እውን ዓለምና በብናእሽቱ ክፍልታት ዝካየድ ዘሎ ዳርጋ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ክትብሎ ዘድፍር መልሲ ክኾነ ዝኽእል ‘ኣብ ምብጻሕ ኣውስቪዝ ቢርከናው ዝገበርክዎ ንውሕ ዝበለ ሱቊታ ኮይኑ ኣብዚ ቦታዚ ሱቅታ ክንዮ ዝኾነ ቃል ሓይሉ ዘርእየሉ ኣጋጣሚ ነሩ፣’ ‘ኣብታ ናይ ከው ዝበለ ሱቊታ ግዜ እቲ ናይተን በዚ ኣሰቃቂ ቦታ ዝሓለፋ ነፍሳት ህላዌ ክሰምዕ ክኢለ። ኣብዚ ገሃነም እዚ እንከለዋ ገሊኤን ቅዱሳት ነፍሳት ሒዝናኦ ዝጐዓዛ ዝነበራ  ናይ እግዚአብሔር ርሕራሔን ምሕረትን ክሰምዕ ክኢለ፣ ኣብቲ ዓቢ ሱቊታ ዝነገሰሉ ሁመት እቲ ምእንቲ ኩሎም ኣደራዕ ዓመጽን ውግእን ጸሮም ዝኸዱ ዘለው ጸልየ፣ ሓንቲ ዝተረዳእክዋ ጉዳይ ከኣ ዓለምና ሎሚ እውን ብጭካነ ሓሚሙ ስለዘሎ እግዚኣብሔር ሰላም ክህበና ክንጽሊ ጥራይ ዘይኮነ ዝኽሪ ዝሓለፈ ክህልወና እዚ ከኣ ንስለ ዝኽሪ ዘይኮነ ንሎምን ንመጻእን ናይዛ ዓለምና መጠንቀቅታ ክኸውን ኣለዎ፣ ዘርኢ ጽልእን ዓመጽን ኣብ ታሪኽ ሱር ሰዲዶም ከይለግቡ ምጥንቃቅ የድሊ፣

‘ኣብቲ ናይ ህልቂት ቦታ ነቲ ጭካኔ እንክርኢ ቀጥታ ኣብ ኣእምሮይ ዝመጸኒ ሽሕኳ ከምቲ ናይ ሽዑ ኣብ ሓደ ዝተዀመሩ እንተዘይኮኑ ሎሚ እውን ነዙይ ዝመሳሰል ጭካኔን ግፍዕን ኣብ መላእ ዓለምና ይካየድ ኣሎ፣ ዓለምና ሕማም ሒዝዎ ኣሎ ሕማም ጭካኔ ሕማም ቃንዛ ሕማም ውግእ ሕማም ጽልኢ ሕማም ሓዘን!  ስለዚ ከኣ እየ ወትሩ እግዚኣብሔር ሰላሙ ክህበና ክትጽልዩ ዝሓተኩም፣ እንክብሉ ብዝተፈላለይ ቋንቋታት ኣመስጊኖም ሎሚ ዕለት ብላቲናዊ ስርዓት ናይ ካህናት ጠበቃ ናይ ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ ዘማርያም ቭያነ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.