2016-07-28 15:51:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ፖላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ቅድም ቀዳድም ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽር ኣቦ መንበር ውሉደ ፖላንድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዝይግሙንት ዝይሞውስኪ ንዘክር ስሌኦም ንጸልይ ቢሎም ከምኡ እውን ነቶም ኣብ ቤት ሕክምና ዝክረቡ ዘለዉ ብብርቱዕ ዝሓመሙ ብፁዕ ካርዲናል ማቻሪስኪ እውን ንጸልይ ምስ በሎ ንኽበጽሕዎም ናብቲ ዝርከቡሉ ቤት ሕክምና እውን ክኸዱ መደብ ከምዘለዎም ገሊጾም ካብ ብፁዓን ጳጳሳት ፖላንድ ንዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒየትሮ ኰኰ ሓቢሮም።

 

ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ሕዝብን ንሕዝብን

እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሰፍሕ ዘሎ ግብረ ገብን እምነትን ዝንጽል ዓለማዊ ረብሓ ዝብል ባህልን ብዙሓት እግዚኣብሔር ከምዘየለ ብዝሓስብ ባህሊ እናተመርሑ ዝነብርዎ ሕይወትን ኢእግዚኣብሔርነት ድርኾት እትምልከት ኰይኑ ነዚ ኢእግዚኣብሔራዊ ባህሊ ፈውሱ ቅድም ቀዳድም ጓሶት ንመጓሰይን ንሕዝብን ቀረባ ብምዃንን ነቲ ክርስቶስ ካብ ሕዝቢ ንምእላይ ዝደልይ ዝምባለን ነቲ ክርስቶስ ካብ ሕይወት ሕዝቢ ንምዕላይ ዝጽዕር ባህሊ ነቲ ናይዚ ባህሊ ኣደዳ ዝዀነ ህዝቢ ቀረባ ብምዃን ምግጣሙ የድሊ። ሰለእዚ ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ሕዝቢ ምዃንን ንሕዝቢ ቀረባ ክዀኑ ይግብኦም።

 

ብፁዓን ጳጳሳት ንካህናቶም ቀረባን ምስ ካህናቶምን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ብፁዓን ጳጳሳት ንካህናቶም ቀረባ ክዀኑ ይግባእ። እምነት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ እዩ ኣብዚ መዳይ’ዚ ድማ ኣደ ዓባይን ኣቦሓጐን ቀንደይና ተዋሳእቲ እያቶም ስለዚህ እቲ ዓቢይ ነቲ ንኡስ ቀረባ ኰይኑ ከሰንዮ ይግባእ። ንሓድ ሕድ ምድግጋፍ። ካህን ናይ ብፁዕ ጳጳሳ ቅርበትን ስሌኡ እውን ከምዝጽልይ ክስምዖ ኣለዎ። እዚ ዝኸውን ድማ ብፁዓን ጳጳሳት ንካህናቶም ቀረባ ምስ ዝዀኑ እዩ ምስ በሉ ኣስዒቦም ነቲ ምሕረት ኣብ ግብሪ ከመይ ገርካ ምውዓል ዝብል ሕቶ ጠቒሶም፥

 

ምንባርን መነባብሮም ተምሳል ዕዳጋ ይኸውን ኣሎ

እንነብረሉ ዘሎና ዓለምን እንነብሮ ሕይወትን ብጣዖታዊ ባህሊ ዝተጠቕዔ እዩ። ገንዘብ (ሃብቲ ገንዘብ) ዘምልኽ፡ ኩሉ ዝሽየጥን ዝግዛእን ዝልወጥን ዝብል ጽንሰ ሓሳብ ዕዳጋውነት ብኹሉ ሸነኽ ይተኣታተው ኣሎ። ስለዚህ ነቲ በዚ ባህሊ’ዚ ዝተጠቕዔ ሕዝቢ ቀረባ ምዃን ምሕረት ምብሳር ገዛእ ርእስና ካብቲ ጣዖታዊ ባህሊ ናጻ ኰይንና ንሕዝብና ናጻ ከነውጽእ ምሕረት ነበስር። ምሕረት ናጽነት እዩ ከምዝበሉ ኰኰ ገሊጾም።

 

ቁምስና መተካእታ ዘይብሉ ማሕበረ ክርስቲያን እዩ

ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ ካህን ኣብዚ እነበረሉ ዘሎና እዋን ቁምስና የድሊ’ዶ ዝብል ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ጠቒሶም ቁምስና መተካእታ ዘይብሉ ማሕበርሰብኣዊ ክርስትና እዩ። ሎሚ እውን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ኣገደስቲ እያቶም ኰይኑ ግና ወትሩ ኣብ ዙሪይ ቁምስና እዩ ክዋኔኦም። ቁምስና ዝትክኡ ኣይኰኑን። ቁምስና ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ቤት እዩ ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምሉስ፥

 

ዝተኸፍተ ልብን ኣንጋድን ተቐባልን ቤት

ሃገራት ናይ ገዛእ ርእሰን ባህልን ስርዓትን ፖለቲካዊ ኣመሓድራን ኣለወን ኰይኑ ግና ዝተኽፍተ ልቢ ክህልወና ይግባእ። ዝተኸፍተን ዘእንግድን ዝቕበልን ልቢ። ብፍላይ እተን ክርስቲያን ኢና ዝብላ ሃገራት እዚ ሓቂ’ዚ ዝነብራ ክኾና ኣለወን። ዝቕበል ብተራኡ በቲ ተቐባልነት ዝረኸበ ተቐባልነት ይጽገው እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጥይና ራዲዮ ቫቲካን ኰኰ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.