2016-07-19 15:53:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት፥ ንጭንቀትኵም እንኰ ወሃቢ መልሲ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ


ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ካብ ዕለት 26 ሐምሌ ክሳብ ዕለት 31 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ክራኮቪያ ናብ ዝካየድ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያት ናብ ፖላንድ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምንቃሎም ኣብ ዋሽንግተን ናብ ዝተኻየደ መዓልቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንእሰያት ምኽንያት ዕለት 18 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ኣብቲ “ብሓባር 2016 ዓ.ም.” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰይኑ ዝካይድ ዘሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት  ኣመሪካ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ርክብን ዘተን ባህርይ ዘለዎ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንእሰያት ዘተኣኻኽብ መርሃ ግብሪ ብኒክ ሃል ዝተመስረተ ናይ ጸሎትን ኣስፍሆተ ወጌልን ምንቅስቃስ ዝተሰናደወ ምዃኑ ዝሓበራ ኢዛበላ ፒሮ ኣስዒበን፥

ቅዱስ ኣቦና ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ እንከተሓላልፉ

ክቡራት መንእሰያት፥ ኣብ ንእሱ ዕድሜኡ ሃወጽ ዘይስምዖ መንእሰይ እንተሎ ገና ብንእስነቱ ዝኣረገ ዳርጋ ማለት እዩ። ስለዚህ ሃወጽ ክስመዓኵም ዕድመኹም እዩ። መንእሰይ ሃወጽ ይምህዝ ቢሎም ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ዝስምዖ ጭንቀት ከለልይ ድማ ምዒዶም። ጭንቀትካን ጭንቀክን እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ድማ ኣቕሪቦም እቶም መንእሰያት ብሓደ ምርኻቦም ምስ ሓደ ሰብ ንምርኻብ እዩ። ንሱ ድማ እቲ ንጭንቀን ሃወጽን እንኰ መልሲ ምስ ዝዀነ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምርኻብ እዩ። መንእሰይ ተረጋገጽን ተረጋጋእን፡ ምስ ኢየሱስ እይትፈሽልን ኣይትፈሽልን እዚ ሓቂ እዚ ከረጋግጸልኵም እፈትው፡ እግዚኣብሔር ኣየታልልን ኣየደናግርን እዩ ምእንቲ’ዚ ኢየሱስ ይጽበየካ ይጽበየኪ ይጽበየኩም ኣሎ። ንሱ እዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልባትኩም ዘርኢ ሃውጺ ወይ ድማ ጭንቀት ዘንበረ። ምስኡ እትኸስርዎ ምንም ነገር የሎን። በርትዑ። ንዓ ምሳይ ምሳይ ንምዃን ንዓ ንዒ ፈትንዮ ይብለናን ይብለኩምን ኣሎ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘጠናቐቑ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ክራኰቪያ ነቲ ካብ 26 ክሳብ ዕለት 31 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንምእንጋድ ኣብ ናይ መወዳእታ ምቅርራባት ከምእትርከብ ክምልከት እንከሎ፡ እቲ ናይ ክራኰቪያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያ ማሕበራዊ ከምዝኸውንን እዚ ድማ ኣስታት ሓደ ሚሊያርድ ዝግመቱ መንእሰያት ክሳተፉ ከምዝኽእሉን እዚ ድማ እስጦቢያ ዘይከነስ ጭቡጥ ክኸውን ዝኽእል ምዃኑ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክራኮቪያ ዝካየድ ዘሎ ምድላዋት ኣመልኪቶም ናይ ፖላንድ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተም ሓላፊ ኣባ ፓወል ርይተል ኣድሪያኒክ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን መላእ ፖላንድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምእንጋድ ኩሉ ምስንዳዋት ብዕዉት የሳልጥ ምህላዉ እውን የመልክታ።

ነቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽእ መራኸቢ ብዙሃን ብቐረባ ብምክትታል ጸብጻብን ከይዲታቱን ነናይ ዕለቱ ዋዕላ ብምክትታል ብዝህብኦ ዜናን ሰነዳዊ ጸብጻባትን ኣቢሉት እቲ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ቤት ኩሉ መንእሰይ ክእንገድ እውን ምዃኑን እቲ ናይ ክራኮቪያ ፍልይ ዘብሎ ድማ ንመጀመሪያ ጊዜ ካብ መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳ ሃገረ ፍልስጥኤም ካብ ደቡብ ሱዳንን ካብ ኮሶቮን ዝመጹ መንእሰያት ተሳትፎ ምዃኑ ኣባ ኣድሪኣኒክ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሳ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ኣስዒበን፥ ኣብታ ናይቶም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንስያት ዘበገሱ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊት ትውልዲ ሃገር ዝካየድ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምስቲ ኣብ ማድሪድን ሪዮ ደ ጃነይሮን ተኻይዶም ምስ ዝነበሩ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክነጻጻር እንክሎ ልዕሉ ማሕበራዊ ጸዋዕታ ዘለዎ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ኣብቲ ኣብ ፈይስ ቡክ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ናይ ክራኮቪያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ገጽ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮንን ፈረቓን ሰዓብቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መርበብ ሓበሪታ ኣብ ዘሎ ኣድራሻኡ ድማ ክልተ ሚእቲ ሺሕ ሰዓብቲ ከምዘለውዎ ቮክስ ዩቢለይ እተሰምያ ናይ ምሕረት ዓመት ብምክትታል ዜናን ጸብጻባትን ሰነዳትን ዘቅርብ ብመርበብ ሓበሬታ ዝፍነ ንኡስ ጋዜጣ ንኽበጽሖም ዝተመዝገቡ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮንን ፈረቓን ክዀኑ እንከለዉ ብ 13 ቋንቋ ዝቐርብ ብናይ ትዊተር ኣድራሻኡ ዝከታአልዎ ልዕሊ 218 ሺሕን 500 ከምዝዀኑን ናይ ዩቲዩበ ኣድራሻኡዝከታተሉ ምዝጉባት 3 ሚሊዮን ክልተ ሚእቲ ሺሕ ከምዝበጽሑ ጠቒሰን ኣብ ክራኰቪያ መዓልቲ መንእሰያት ካብ 31 ሃገራት ዝተዋጽኡ ወለንተይናታት መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ተዋፊሮም ከገልግሉ ምዃኖም ድማ ናይ ኣባ ኣድሪያኒክ መግለጺ መግለጺ ጠቒሰን የመልክታ።








All the contents on this site are copyrighted ©.