2016-07-19 15:55:00

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብፁዕ ካርዲናል ኦመልይ፥ ገለ ገለ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዝነዝሕዎ ጣቋ መደረ ጸረ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ሃገር ዝገማምዕ ተግባር እዩ


ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገለ ገለ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዝነዝሕዎ ጣቋ መደረ ጸረ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ሃገር ዝገማምዕን ማሕበራዊ ሰላም ዝህውኽ ተግባር ምዃኑ ኣብ ኣየርላንድ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዎ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቦስቶን ሜጥሮፖሊታ ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦመለይ ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ንኽዀኖ ዝቐረቡ ናይ ረፓብሊካውያን ሕጹይ ተመራጺ ዶናልድ ትራምፕ ጸረ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ሰደተይናታትን ዝፍንውዎ ዘለዉ ጣቋ መደረ ሓደገይና ምዃኑ ምስ አርቲኢ እተሰምየ ናይ ኣየርላንድ ናይ ቴለቪዥንን ራዲዮን ጣቢያ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ኣመልኪተን።

ጸረ ንኡሳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓደጋ ክፈጥሩ ዝኽእሉ እያቶም ቢልካ ዘሰክፍ ቃል ምንዛሕ ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ዝግብኦ ሰላም ዝዝርግብ ተግባር እዩ። ብዛዕባ ስደተይና ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ብዙሕ ምስትውዓል ዝሓትት ክስትንተን ዝግብኦ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኣርእስቲ እዩ። ስለዚህ ንናይ ሓባራዊ ጥቕሚ ብምስትውዓል ብዘተ ክጽናዕ ዝግብኦ እዩ። ርግጽ ናይ ስደተይና ጉዳይ ዝምልከት ቅኑዕን ፍትሓውን ስደተይና ከም ሰብ ዝምልከት መቆጻጸሪ ሕጊ ኣገዳሲ እዩ፡ ስደተይና ሰብኣዊ ፍጡር እዩ። ነዚ ዘስተዕል ሕጊ እዩ ዘድልይ ከምዝበሉ ዝገለጻ ሊዛ ዘንጋሪኒ ኣስዒበን፥

ካቶሊካውያን ኵሎም ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብነት ብምስዓብ ምስ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝግበር ዘተ ምሕያልን ምቅርራብን ምክብባርን ከነቓቕሑ ይግባእ። ብፁዕ ካርዲናል ኦመለይ ብቕዱስ ኣቦና ጳጳሳዊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓልዮ ድርገት ኣባል ንኽዀኑ ዝተሓርዩ ምዃኖም እውን ኣዘኻኺረን ዕለት 14 ሐምሌ 2016 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ከተማ ኒስ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ብድብድቡ ኩሉ ሰዓቢይ ሃይማኖት ምስልምና ተሓታቲ ከምዝዀነ ገርካ ዘቕርብ ነዝሒ ዘረባ ካቶሊካውያን ምእናን ነጺጐም ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብነት ክስዕቡ ሓደራ ከምዝበሉ ሓቢረን።

እቲ ኣብ ኒስ ዝተኸስተ ግብረ ሽበራ ነቲ ኣብ ሕቡራት ኣመሪካ መንግስታት ዝካይድ ዘሎ ንናይ ርእሰ ብሔር ምረጹኒ ጐስጓስ ይጸልዎ ምህላውን ብፍላይ ንረፓብሊካዊ ፖለቲካዊ ውድብ ወኪልም ንርእሰ ብሔር ስልጣን ሕጹይ ተመራጺ ዶናል ትራምፕ ንርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማን ናይ ዴሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ውድብ ወኪለን ንርእሰ ብሔር ሕጺይቲ ኰይነን ዝቐርባ ዘለዎ ሂላርይ ክሊቶንን ብዛዕባ ኣሸባሪያን ሓፋር ፖለቲካ ዝስዕቡ እያቶም እንክብሉ ዝፈነውዎ ወቐሳን ቅድም እውን ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤት ኣሸባሪያን ደብዳብን መግረፍትን ክፍነው ዘተባብዑ ከምዝነበሩን ካብተን ኣሸባሪያን ዝመጹለን ሃገራት ዝመዛበል ሕዝቢ ተቐባልነት ኰነ እንገዳ ከይግበረሉ ዝብል ጐስጓስ እውን ዘካይዱ ምዃኖም ኩሉ ዝሰምዖ ዘሎ ሓቂ ምዃኑ ዘንጋሪኒ የመልክታ።     








All the contents on this site are copyrighted ©.