2016-07-16 16:03:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ


“መራኸቢን ዕደ ጥበብን መተሓላልፎ ክንየው ወሰናስን ዶባት” ብዝብል ኣርእስት ዝተመርሔ ናይ ቅድቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጎዳና ኮንቺሊያዚዮነ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ፒዮስ ኣስራይ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ማእከል ክካየድ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ናይ ምስማዐ-ርእየት ከይዲ ዝተበጽሔ ልዑል ትርጉም እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘተኰረ ኰይኑ ሕዳሴን ምዕባለን ኣብ ምስማዐ-ርእየትን እደ ጥበባዊ ምዕባለ ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ብምስማዐ-ርእየት ዝቐርብ መደብ ምስቲ ምዕባለ ብእደ ጥበባዊ መዳይ ተመሪሑ ዝቐርብ መልእኽትን ዝመሓላለፍ ሓበሬታ እውን ዝመዓራረይ ድዩ ንዝብል ሕቶ ብዕምቆት መልሲ ዝወሃበሉ ከምዝኸውን ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ኣስዒበን ኣብ ሓበሬታን ምቕራብ ዜናን ዘሎ ርክብን ዝዀነ ይዅን ሓበሬታ ብሉጽ ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽ ዘለዎ ሓላፍነት ዘድምዕ ኰይኑ ብፍላይ ዓውሎማነት ብደረጃ ክቡራት ዋጋታት ዝብጻሕ ምስ ዝኸውን ብሉጽ ሕብረተሰብ ከምዝሕነጽን ብሓፈሻኡ እደ ጥበባዊ ምዕባለ እውነተይና ምዕባለ ምዃኑ ዝመዝኖ ኣብ ብሉጽ ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽ ዘለዎ እወታዊ ጸቕጢ ምዃኑ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝረጋግጽን ኣብ ልዕሊ ዝተበጽሐ ምዕባለ መራኸቢ ብዙሃን ገምጋብም ከካይድ ምዃኑ እውን ኣፍሊጠን።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.