2016-07-12 16:28:00

ብዛዕባ ስርዓተ ቅዳሴ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ


ኣብ ዝሓለፉ ማዕልታት ብዛዕባ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ሚስጢራትን ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራህ ኣብ ሎንደን ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዕለት 11 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ብፁዕ ካርዲናል ሳራህ ወትሩ ብዛዕባ ናይ መስዋዕተ ቅዳሴ ክብሪ ዝግደሱን ማለት ብኸመይ ዝበለ ብቕዓት ብዘለዎ ኣኽባሪ ጠባይን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ኣምልዀን ስግደትን ብዝተላበሰ ግብሪ ክግለጽ ከምዘለዎ ዘተሓሳስቡ ክነሶም ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝበልዎ ሓሳብ ብጌጋ ካብ ምርዳእ ድማ ብፁዕነቶም ካብቲ ናይ ሊጢርጊያ ስርዓትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሕዝቢ ዝጥምት ሊጢርጊያን ብዛዕባ ልሙድ ስርዓትን ዝትንተን ሓሳብ ዝተፈልየ እዩ ዝብል ዝተውሃቦ ርድኢት ጌጋ ምዃኑ ገሊጾም። እቲ ጠቕላሊ ልሙድ ናይ ሮማዊ ስርዓተ ቅዳሴ ዘለዎ ብዛዕባ ኣበዓዕላ ቅዱስ ቁርባን ዝምልከት ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ሕጊ ቍጽሪ 299 መንበር ታቦት ካብ መንደቕ ፍልይ ቢሉ ክቐውምን እዚ ድማ ቀዳሴ ካህን ኣብ ዙሪያ መንበረ ታቦት ዑደት ክፍጽም መታን ክኽእልን ክቕድስ እንከሎ ድማ ገጹ ናብ ሕዝቢ ገይሩ መታን ክቕድስ ብዝብል ምኽንያት ክኸውን እንከሎ ናብቲ መንበረ ታቦት ሕዝቢ ኣተኵሮኡ ከንብረሉ መታን ዝተማእከለ ኰይኑ ክቐውም ከምዘለዎ ዘተሓሳብ ዝብል እዩ። ስለዚህ እዚ ሕጊ’ዚ ተግባራዊ እ ከምዝበሉ ዘንጋሪኒ ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ስርዓት ኣምልኾን ቅዱሳት ሚስጢራትን ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቲ ልሙድ ኣበዓዕላ ቅዳሴ እቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝኣወጅዎ መጽሓፈ ቅዳሴ ዝኽተል እዩ። እቲ ፍሉዩ ግና ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብዝነበሮም ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን እንክእውጁ ዝሃብዎ መግለጺ መሰረት ኣብ ግብሪ ዝውዕል እዩ ከምዝበሉ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሶም ስለዚህ ካብ ዝመጽእ ናይ ምጽኣት ዘመን ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ካልእ ሓድሽ ናይ ስርዓተ ሊጡርጊያ መምርሒ ክህሉ እዩ ዝብል ዝተውሃበ ዜና ናይ ብፁዕ ካርዲናል ሳራህ ሓሳብ ብጌጋ ካብ ምርዳእ እዩ፡ ስለዚህ ዝህሉ ሓድሽ ናይ ስርዓት ሊጡርጊያ መምርሒ ኣይክህሉን እዩ ቢሎም እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንብፁዕ ካርዲናል ሳራህ ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረብሉ እዋን ዘስመርሉ ሓሳብ እውን ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.