2016-07-12 16:35:00

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንምትብባዕ


ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይሮት ዕለት 13 ሓምሌ 2016 ዓ.ም . ድሕሪ እቶም ናይ ግብጺ ኣል ኣዝሃር ዓቢይ ዒማም ፕሮፈሰር ኣህማድ ኣል ታዪብ ዕለት 23 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝፈጸመዎ ርክብ ምኽንያት ኣብ ግብጺ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ኣል ኣዝሓር ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ዓቢይ ኢማም ፕሮፈሰር ኣህማድ ኣል ታዪብ ክራኸቡን ምዃኖን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይሮት ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ካይሮ ምስ ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ሙሳሮን ኣብ ካይሮ ምስ ኣተዉ ልክዕ ሰዓት 11 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ነቲ ምስ ዓቢይ ዒማም ፕሮፈሰር ኣህማድ ኣል ታዪብ ንዘካይድዎ ርክብ መሰናዳዊ ናይ ኣል ኣዝሃር መንበረ ጥበብ ቤት ምኽሪ ተማሃሮ ኣባልን ናይ ኣል ኣዝሃር መንበረ ጥበብ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ዝግበር ዘተ ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ  ዶክተር ማህሙድ ሓሚድ ዛክዙክን ዘሳተፈ ርክብ ከካይዱ ምዃኖም ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ መግለጺ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን ኣብቲ ዝካይድ ርክብ ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይሮት ኣብ መንጐ እቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን መንበረ ጥበብ ኣል ኣዝሓርን ዝካይድ ናይ ሓባር ዘተ ዳግም ንኽጅመር ዝብል ድላይ ቅዱስ ኣቦና ከቃልሑ ምዃኖም ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.