2016-07-07 16:43:00

ድርብ ረብሓ ንግድ ኣጽዋር ውግእ


ናይ ኤውሮጳ ጉጅለ ናይ ውግእ ኣጽዋር ኢንዳስትሪ ኣብተን ውግእ ዝካይደለንን ግጭት ዘቐላቐለለን ጸኣት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝረአየለን ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣጽዋር ውግእ ዝሸጣ ክዀና እንከለዋ ብተመሳሳሊ መልክዑ ድማ ሃገራት ኤውሮጳ ካብተን ውግእ ዝካየደለን ሃገራት ዝውሕዙ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንምቁጽጻር ዘካይድኦ መደብ ንገዛእ ርእሱ ከም ሓደ ናይ እቶት ምንጪ ገይረን ብምጥቃም ብዙሕ መክሰብ ዝረኽባሉ ምዃነን ዓለም ሓቆፍ ቤተ መዝገብ ምርምር ዛዕባ ምርጋፍ ኣጽዋር ተቛም ምኽትል ኣብ መንበር ማውሪዚዮ ሲሞንቸሊ ድርብ ረብሓ ናይ ውግእ ኣጻር ኢድናስትሪ ትርጉሙ ተንቲኖም እተንን ውግእ ኣጽዋር ኣምረትቲ ትካላት ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ዶባተን ጸጥታ ውሕስ ንምግባር ንዘካይድኦ መደብ ንኽትግብራ ዘኽእለን ኣጽዋር ዘቕርባ ትካትላት ኣጽዋር ውግእ ኣብ 2015 ዓ.ም. ብጠቕላላ ክረአይ እንከሎ ልዕሊ 15 ሚሊያርድ ኤውሮ መኽሰብ ከምዝረኸባን ነዚ እቶት ግምት ብምሃብ ድማ ኣብ 2020 ዓ.ም. ልዕሊ 29 ሚሊያርድ ኤውሮ ክኸስባ ምዃኑ እቲ ብካቶሊካዊ ማሕበር ኣፍቅሮተ ዘቤት ዝተነቓቕሔ ውግእን ምርጫ ሰላም ናይ ውግእ ኣጽዋር ኢዳስትሪ ናብ ናይ ልምዓት ኢዳስትሪ ምልዋጥን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ኢጣሊያ ምርጋፍ ኣጽዋር መርበባዊ ማሕበር ዝሃቦ ጸብጻህ ጠቒሶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘክየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም ብዙሓት ኣብ ናይ ምክልኻል መዳይ ዝተዋፈራ ትካላት ዶባት ምድርን ባሕርን ኣብ ምቁጽጻር ተግባር ዝዓያን ክነሰን ኣብተን ውግእ ዝካይደለን ሃገራት ድማ ንግድ ውግእ ኣጽዋር ዘካይዳ እያተን። ስለዚህ እዚ ድርብ ረብሓ’ዚ ኣብ ሶሪያ ዝካይድ ዘሎ ውግእ ዘረጋግጾ እዩ ኢሎም።

ሩስያ ብወግዒ ንመንግስቲ ኣሳድ ትድግፍ ምዃና ኣትዛረቦን እትገልጾን ውሳኔ እዩ። ኣቶም ጸረ ኣሳድ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ሓይልታትን እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ሽበራዊ ሓይሊ ናይ ውግእ ኣጽዋር ካበይ ኢዮም ዝረኽቡ፡ እቲ ጸረ መንግስቲ ኣሳድ ዘካይድዎ ዘለዉ ውግእ ክብ ብዝበለ ደረጃ ክምክቱን ከጥቅዑን ዘኽእሎም ናይ ውግእ ኣጽዋር ክህልዎም ምስጢር ኣይኰነን። ስለዚህ ናይ ውግእ ኣጽዋር ዘቕርቡ ትካላት ስለ ዘለዉ እዩ፡ ከምዚ እንተዘይከውን ንልዕሊ 5 ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ኣይምተጻወሩን፥ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንኣብነት ጀርመን ኢጣሊያን ፈረንሳይን ናብተን ከባቢ ሜዲትራኒያን ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ናይ ውግእ ኣጽዋር ዘቕርባ ጥራሕ ዘይኰናስ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ምወዳእታ ዓመታት ኣብተን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዝሸጠኦ ናይ ውግእ ኣጽዋር ብዝሑ ክብ ከምዘበላ እዩ ዝፍለጥ፡  ስለዚህ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ብሓደ ኢድካ እና ጸፋዕካ በቲ ሓደ ኢድካ ድማ ንብዓት ምሕባስ ክውገድ ኣለዎ ኢሎም።

ቀጺለን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዳ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ ኣባል ማሕበር ኣፍቅሮተ ዘቤት ሮዛልባ ፖሊ፥ ቅድም ቀዳድም ይብላ እተን ትካላት ናይ ውግእ ኣጽር ንናይ ሰብኣዊ ረብሓ ኣብ ዘተኰረ ዕላማ ክዋስእ ናብ ዘኽእለን መገዲ ከምርሓ ዓለም ሓቆፋዊ ፖሊቲካዊ ድላይ ክህሉ ይግባእ። ስለዚ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽዕቲ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብሰፊሕ ዘትዩሉ እዩ። እቲ ንውግእ ኣጽዋር ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ዓስርተ ሚእታዊ ዝሽፍን ሕቡራት መንግስታት ዓለም ነዘነቓቕሖ መደብ ሰላምን ኣብተን ግጭትን ሁከትን ዝረአየለ ሃገራት ሰላም ንኽረጋገጽ ንዘካይዶ ጐስጓስ መሳለጥን ንደገፍ ሰላምን ክውዕል እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ ዘቕረቦ ሓሳባት ሓደ ምዃኑ ገሊጸን። 








All the contents on this site are copyrighted ©.