2016-07-05 16:31:00

ሰንበት መዓልቲ ማያት ባሕሪ


ዕለት 10 ሓምለ 2016 ዓ.ም. ሰንበት መዓልቲ ማያት ባሕሪ ናይ ጕዕዞ ባሕሪ መሰልን ክብርን ምሉእ ኣፍልጦ ምሃብ ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንይ ክዝከር ምዃኑ እንክምልከት፡ ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ተጓዓዝትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮን ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ጆሰፍ ካላትዚፓራምቢል ፊርማ ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ኣብ ዓለም ኣቕሑ ንግድ 90 ሚእታዊ ብመጓዓዝያ ባሕሪ ዝፍጸም ምዃኑ ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ተጓዓዝትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ዕለታዊ ሕይወት ስብ ክሳብ ክንደይ ምስ ናይ ኢንዳስትሪ ባሕሪ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ የመልክት። 

ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ቀዳምነት፥ ስደተይናታት ኣሳፊረን ዝጓዓዛ ንሓደጋ ዝተቓልዓ ጀላቡ ምድሓን

ምሕርቲ ኩሉ ብመጓዓዝያ ባሕሪ እዩ ዝመሓላለፍ ከምዚ ምዃኑ ግና ብዙሕ ጊዜ ዝስትውዓል ሓቂ ኣይመስልን። ባሕረይናታት ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ኣብ ዘጋጥም ሓደጋ ቀዳሞት ደገፍን ሓገዝን ዝህቡ እያቶም ብፍላይ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ሓደጋ ነዘጓንፈን መራኽብ ብቐዳምነት ደገፍ ዘቕርቡ ባሕረይናታት እያቶም። ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ብተደጋጋሚ ዝረአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ብጉዕዞ ባሕሪ ነተን ንሓደጋ ዝተቓልዐ ስደተይናታት ዘጓዕዛ ጀላቡ ዘድሕኑን ናይ ብዙሓት ሕይወት ስደተይናታት ካብ ሞት ሓደጋ ዘትርፉ ባሕረይናታት ምዃንም ኣብቲ መልእኽቲ ተመልኪቱ ከምዘሎ ፒሮ ይገልጻ።

ናይ ባሕረይናታትን ኣብ መጓዓዝያ ባሕሪ ዝዓዩ ሰብኣዊ ክብርን ግብረ ሞያን ኣብ ስግኣት

ባሕረይናታትን ምስ ሃብቲ ባሕሪ ብዝተኣሳሰረ ሞያ ሕይወቶም ዘመሓድሩ ዜጋታት፡ ሕይወቶም ብተፈጥሮ ሓደጋን ብሸፋቱ ባሕርን ናይ ገበን ጉጅለታትን ብተደጋጋሚ ንሓደጋ ዝተቓልዔ እዩ። ካብ ኣባይቲ ስድራ ርሒቕኻ ምንባርን ደቃቶም ብዘይ ኣቦ ንኽዓቢዩ ዘገድድን ናይ ቤተሰብ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ሓላፍነት ኣደ ጥራሕ ዘውድቕ እውን እዩ። ናይ ባሕሪ ኢንዳስትሪ ኣብ ብከላ ናይ ከባቢ ኣየር ዓቢይ ጸቕጢ ዘለዎ ምዃኑ ድማ ተንቲኖም። ናይ ባሕሪ ኢንዳስትሪ ምስ ክብሪ ሰብ ዝተመዓራረየን ኣብ ናይ ከባቢ ኣየርን ተፈጥሮን ምኽባር ዝዋሳእ ክኸውን ይግብኦ ከምዝበሉ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፥

ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ተጓዓዝትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስራሕን ሰራሕተይናታትን ሓልዮ ማሕበር ኣብ 2016 ዓ.ም. ብዛዕባ ናይ ባሕረይናታትን ምስ ባሕሪ ኣብ ዝተተሓሕዘ መዳይ ዕዮ ዝዋፈሩን ዝምልከት ዝተኸተመ ሰነድ ናይ ባሕረይናታትን ጥዕናን ሰናይን ምሕላው እንክብል ዝተነብረ ሃሳብ ብምቅላሕ ኣብቲ ብሃብቲ ባሕርን ብባሕሪ ኢንዳስትርን ኣብ ዝመሓደር ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብኡ ዝርከብ ብፁዓን ጳጳሳትን ሰበኻታትን ቁምስናታትን ናይ ብባሕሪ ዝመሓደር ሕብረተሰብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖላዊ ኣገልግሎት ከተባብዑን ክድግፉን ሓደራ ከምዝበለ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.