2016-07-02 15:32:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ናብ ዓውደ ጉባኤ “ብሓባር ንኤውሮጳ”


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዕለት 2 ሐምለ 2016 ዓ.ም. ዝተጠናቐቕ ኣብ ሙዩኒክ ዘባቪየራ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምንቅስቓሳትን ማሕበረሰብን ናብ ዘራኸበ ራብዓይ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ከዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ እንክሕብራ፡ እቲ ዕለት 30 ሰነ 2016 ዓ.ም. ዝተጀመረ ናይ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ሉተራናዊትን ኣንግሊካዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ብሓባር ንኤውሮጳ ብዝብል ናይ ሓባር ስያሜ ብምትእኽኻብ ዘካይድዎ ናይ ሓባር ኣገልግሎትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ንዝካይድ ናይ ሓባር ዘተ እውን ዘተባብዕ ምዃኑ ፒሪ ኣዘኻኺረን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልኽቲ፥

ክቡራት ኣሕዋት ብሓባር ንኤውሮጳ 

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምንቅስቓሳትን ማሕበርሰብን ኣብቲ ብሓባር ንኤውሮጳ ማሕበር “ርክብን ዕርቅን መጻእን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዎ ራብዓይ ዓውደ ጉባኤ፥ ነቲ ናይ እዋንና ሽግራት ብሓቀይና ኤውሮጳዊ መንፈስ ንምግጣም ምትሕብባርን ኣብ ሓደ ምጥርናፍ ኣገዳሲ እዩ። ዝረአዩ ገለ ገለ ፈላላይ መናድቕ ክንየው ዘይረኣዩ ንኤውሮጳ ዝገማምዕ መናድቕ ይበራትዑ ኣለዉ፡ ኣብ ልቢ ውሽጢ ዝንደቑ ፈላላይ መናድቕ፡ ፍርሒ ዓመጽን ካብኻ ብባህሊ ድዩ ብሃይማኖት ንዝተፈልዩ ሰባት ምርዳእ ዘይምድላይ፡ ብዘይ ምኽባር ንሕይወትን ሰብኣዊ ክብርን ፖሊቲካውን ኤኦኖሚያውን ኢጐነትን (ንኣይነትን) ዘቑምዎ መናድቕ፡ ኤውሮጳ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተሓላልዀን ኣብ ብርቱዕ ምንቅስቓስን ወትሩ ናብ ዝዛየደ ዓውሎማውነትን እያ እትምርሕ ዘላ፡ እዚ ድማ ኤውሮጳዊ-ማእከልነት የቕንስ።

እቲ ኵሉ ናይ ዘመንና ጸገምን መዋጥሮን እንተድኣ ኣፍልጦ ሂብናሉ፡ ለውጢ የድልየና ናይ ምባል ብርታዔ ክህልወና እዩ። ኤውሮጳ እቲ ክርስትያናዊ ባህላ ኣብ ቤተ መዘክር ዝንበር ዘይኰነስ  እቲ ክርስቲያናዊ ባህላ ሎሚ እውን ንልዑል ኣስተንፍሶን ብጋሴታትን መሰረትን እቲ ክርስቲያናዊ ባህላን መላእ ዘርኢ ሰብ እትልግሶ ሃብቲ ምዃኑ ክትፈልጥ  ይግባኣ፡ ስለዚህ ነዚ ሓሳብ’ዚ ከተስተንትነሉ ትጽዋዕ።

ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝቐላቐል ዘሎ ብድሆ ንምግጣም ክፍጸም ዘለዎ ከይዲ ንምልላይን እቲ ነቶም ዝተነጸሉን ድኻታትን ጉዱዓትን እንገዳን ምትሕብባርን ንዝተሓንጸጹ ውሱናት ዶባትን ብዕሊ እውን ዘይተሓንጸጹ ዶባት ክንየው ዘብል መራኸቢ ድልድል ንምሕናጽን ተኣኪብኩም ኣለኹም።

ኤውሮጳ ቀጻሊ ምስ ሰማይን ምድርን ዝራኸብ ታሪኽ ኣለዋ፡ ሰማይ ሰገርነት ማለት ናብ እግዚኣብሔር ዘብል ክኸውን እንከሎ መሬት ድማ ጽንኩር ኩነት ንምግጣም ዘለዋ ልምድን ጭቡጥነትን ዝውክል እዩ፡

ንስኻትኩም ኣብ ኤውሮጳ ዝተወለድኩም ከም ማሕበረሰብን ምቅስቓሳትን ኣቢያተ ክርስቲያን መሰኻኽር ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያባት ኢኻትኩም፡ ህያብ ስለ ዝዀነ ድማ ሓቢእካ እተንብሮ ዘይኰነስ ነገልግሎት እተዎሎ እዩ። ብሓባር ንኤውሮጳ ዝብል መለለይኹም እቲ ብሓደነት ንምቛም ዘብቅዓኩም ንጹር ዕላማ ማለት ኣብ ቅልውላው ኣብ እትርከብ ክፍለ ዓለም ዘልዉ ብድሆታት ንምብዳህን ብቑዕ መልሲ ንምሃብን ዘብቅዕ ክርስቲያናዊ መሰረት ዘለዎም ኽቡራት ዋጋታት ናይ ውህደት ሓይልኹም እዩ፡ ናይ ሕይወትኩም ኣገባብ ኣብ ወንጌል ዝተሰረተ ኣብ ናይ ሓባርን ሕድ ሕዳዊ ፍቕርን ዝቖመ እዩ። ሕድ ሕዳውነት ባህሊ ማለት ንሓድ ሕድ እወታዊ ምንጽጻርን ምክብባርን ምቅብባልን ምድግጋፍን ማለት እዩ። እዚ ማለት እውን ናብ ሓድነት ዝመርሕን ዘህብትምን ንናይ ነፍሲ ወከፍኩም መንፈስ ቅዱሳዊ ዕላማ ምኽባር እዩ። ዘእምን እሙን ምስክርነት፥ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ መንጐኹም ንጹርን ጭቡጥን ምስ ዝኸውን እዩ።

እውነተይና ሓድነት ነቲ ኣብ ፍልልይ ዘሎ ሃብቲ ከም ሓደ ስድራ ኰይንካ ምንባር ዝብል እዩ። ብዘይ ፍርሒ ብጥልቂ ገዛእ ርእስኻ ምስ እትኸውን ኣዚኻ ሓደ ትኸውን። ስለዚህ ኤውሮጳ ናይ ኣሕዛብ ስድራ ቤት ክትኽውን እንተድኣ ትደልይ ኰይና ኤኮኖሚያዊ ጥራሕ ዘይኰነስ ንምእንጋድ ክፍትን ማሕበራውን ባህላውን ምትሕብባርን ክትነብሮ መታን ሰብኣውነት ማእከል ክተገብር ግድን እዩ።

እግዚኣብሔር ወትሩ ሕዳሴ የተኣታትው። እዚ ድማ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሕይወትኩም ዝረኣኽዎ ሓቂ እዩ። እምበኣርከስ ሎሚ ንናይ እግዚኣብሔር ተደነንቖታትን ተገርሞታትን ክፉታት ዲና? ናይ እግዚኣብሔር ሕዳሴ ኣብ ሕይወት ዝግለጽ ናይ ወንጌል ፍረ ካብ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት እትሒዙ ንኤውሮጳ መግባ ዝኸነ ክርስትያናዊ ስርወ መሰረት ዝጥጥዕ እዩ፡ ብሓባር ቤትኩምን ቤት ማሕበራትኩምን ኣግፍሑ። ንመላእ ዓለም ናይ ምውህሃድን ናይ ሱታፌን ምሕዝነትን ሕውነትን ዝንበረሉን ሱታፊን ምሕዝነትን ሕውነትን ተመክሮ ዝግበረሉ ይኹን።

ሓድነት ብሓባር ንኤውሮጳ ሎሚ ካብ ቀደም እዚዩ የድልይ፡ ኣብታ ናይ ብዙሓት ሃገራት ቤት ዝዀነት ኤውሮጳ ንስኻትኩም ናይቲ ደቂ ሓደ ኣቦ ናይ ምዃን ሕውነት መሰኻኽር ኡኻትኩም። ኤውሮጳ ጸዋዕታኣ ኣለልያ ስለ ናይ ኵሉ ሓድነት ኣስተዋጽኦ ከተበርክት መታን ንስኻትኩም ናይ ዝድነቕ ተስፋ ዘርኢ ኢኻትኩም እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየ መልኽቶም ከምዘጠቓለሉ ፒሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.