2016-07-02 15:37:00

ብፁዕ ኣቡነ ፖዞ ብዛዕባ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ዝሃብዎ መግለጺ


እቲ ውሳኔታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነጺጉ ካብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተፈልዩ ብገዛእ ርእሱ ዝቖመ ማሕበረሰብ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ዓቃባዊ ማሕበረሰብ ካብ ቅድስቲ መንበር ከም ቀዳምነት ቀኖናዊ ኣፍልጦ ዝደልይ ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ዕለት 29 ሰነ 2016 ዓ.ም. መግለጺ ከምዘመሓላለፈ እንክምልከት፡  እዚ ሓሳብ እዚ እቲ ኣብ መንጐ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ፒዮስ ኣስራይን ዝክየድ ናይ ሓባር ዘተ ዘደስክል ወይ ስብረት ዘተ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ሕቶ መሰረት ገይሮም ጳጳሳዊ ኤክለዚያ ደይ (ናይ እግዚኣብሔር ጉባኤ) ድርገት ዋና ጸሓፉ ብፁዕ ኣቡነ ጉይዶ ፖዞ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ጳጳሳዊ ድርገት እቲ መግለጺ ማሕበርሰብ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ነቲ ዘሎ ርክብን ዘተን ዘደስክል ወይ ድማ ዝሰብር እዩ ቢሉ ኣይሓስቦን። ነቲ ኣብ መንጐ እዚ ጳጳሳዊ ድርገትን ማሕበረሰብ ፒዮስ ዓስራይን ዝካየድን ርክብን ዝዝትየሎም ኣርእስታት ዝምልከት መግለጺ ኣይኰነን።  ስለዚህ እቲ ጭቡጥ ሕቶታት ኣማእኪሉ ዝካይድ ናይ ሓባር ዘተ ዝቕጽል እምበር ዝግታእ ኣይኰነን ኢሎም።

እቲ ናይቲ ማሕበረሰብ መግለጺ ካብቲ ቅድም ቢሉ ዝነበሮን ዘለዎን ሓሳብ ዝተፈልየ ኣይኰነን፡ ቅድስቲ መንበር ቀኖናዊ ኣፍልጦ ክትህብሉ ናብ ዘብቅዕ ደረጃ ንምብጻሕ እዩ ዝጸዓር ዘሎ፡ ስለዚህ እዚ ብሳምዕ ዝረጋገጽ ዘይኰነስ መሰረታዊ ኵነት እዩ። ኣብ ቀኖናዊ ኣፍልጦ ኣይተበጽሔን እቲ ከይዲ ግና ነዚ ዝኣመተ እዩ። ምኽንያቱ ምሉእ ቤተ ክርስቲያናዊ ሱታፌ ክህሉ ዝብል ብምዃኑ፡ ኰይኑ ግና እቲ ዝካይድ ናይ ሓባር ዘተ ጠመተኡ ቀኖናዊ ኣፍልጦ ዝብል እውን እንተዀነ ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ’ዚ ናብ ዝግበር ዘተ ገና ኣይተበጽሔን ገና ብቕድሚኡ ዘተ ክግበረሎም ዝግብኦም ካልኦት ኣርእስታት ኣለዉ። ኣብዚ መዳይዚ ድማ ይቕጽል ምህላዉ ኣረዲኦም።

እቶም ናይ ዘተ ኣርእስታት ድማ ስርወ እምነትን ስርወ ስርዓትን ደንብን ዝምልከቱን ዛዕባ ስልጣናዊ ትምህርትን ባህልን ልምድን ቤተ ክርስቲያንን ውሳኔታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ዝምልከቱ እያቶም፡ ስለዚህ ምንም ሓድሽ ነገር የሎን። እቲ ዘተ ኣብዚ ዘተኰረ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ቁርብ መዓልታት ናይ ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ብፁዕ ኣቡነ ፈላይ ተቀቢሎም ከምዘዘራረቡን ከምዚ ዓይነት ርክባት ዋላ’ኳ ብዙሕ ጊዜ ዝደጋገም እውን ኣይዅን እቲ መንጐኣዊ ርክብ ብኤክለዚያ ደይ ጳጳሳዊ ድርገት ኣቢሉ እዩ ዝካይድ። ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮን ብፁዕ ኣቡነ ፋለይ ዝተኻየደ ርክብ ብፁዕነቶም ንቕዱስ ኣቦና ብቐጥታ ርእይቶኦም ከቕርቡ ገይሩ እዩ። እዚ ዓይነት ርክብ ድማ ልባውን ሕውነታውን ቀጥታውን ኰይኑ ምትእምማን ዘዕብይ ክኸውን እንከሎ ተመሳሳሊ ርክብ ክህሉ ዝከኣል እውን እንተዀነ ምዱብ ናይ ርክባት መርሃ ግብሪ ዝኸተል ግና ኣይኰነን ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ክህሉ ዓቢይ ግዳሴን ድላይን ዘለዎምን ብጸሎት ዝነብርዎ ድላይ ኢየሱስ ክርስቶስ እውን እዩ። ስለዚህ ምስቶም ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ገዛእ ርእሶም ዝፈለዩ ናብ ቤተ ክርስትያን ንኽምልሱ ዓቢይ ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተልእኾኦም ሓላፍነትን ድላይን እዩ። ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ከምኡ። እዚ ድላይ’ዚ ድማ ሓው ብፁዕ ኣቡነ ፈላይ ዝተረድኦ ኵነት እዩ። ኰይኑ ግና ሕጂ እውን እንተዀነ ብዙሕ መፍትሒ ዘድልዮምን ምይይጥ ክግበረሎም ዝግብኦም ሕቶታት ኣለዉ፡ እቲ ዘገድስ ካቶሊክ ዘብል ሕመረት እዩ። ኣብዚ ሕመረት’ዚ ድማ ጽንዓኣት የድሊ። ስለዚህ እዚ ጉዳይ እዚ ዘማትእን ኣብ ሕቶን ዝኣትው ኣይኰነን። ክፉት ምዃን ዝብል ቅድመ ኩነት ዝሓትት እዩ፡ ነቶም ሕቶታት ፈሊኻ ምፍላጥን ፈሊጥካ ድማ ንምይይጥ ብምቕራብ ናይ ሓባር መልሲ ምሃብን የድሊ። ስለዚህ ብክልቲኡ ወገን ሕድ ሕዳዊ ድልውነት ክህሉ ግድን እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.