2016-06-30 16:18:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ኢዮቤላዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ


ናይ ምሕረት ተግባር (ማቴ. 25,31-46)

መሰረታዊ ሓሳብ ፥ ማቴ. 25, 31-36 

ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን

ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ካብ ዝበገሰሉ ዕለት ኣትሒዙ ብዙሕ ጊዜ ዛዕባ ናይ ምሕረት ተግባራት ክዝረብ ንሰምዕ ኣሎና። ሎሚ እምበኣርከስ ጐይታ ዕቱብ ናይ ሕልና መርመራ ክንገብር ይዕድመና፡ ክንዝንግዖ ዘይግብኣና ነገር እንተሎ ድማ ምሕረት ዝብል ቃል ዘይጭበጥ ረቒቕ ሓሳብ ዘይኰነስ ናይ ሕይወት ኣገባብ ምዃን እዩ፡ ብዛዕባ ምሕረት ምዝራብን ምሕረት ምንባርን ዝተፈላለየ ጉዳይ እዩ፡ ቅዱስ ያዕቆብ ሓዋርያ ኣብ መልእኽቲ (2,14-17) ዘሎ ሓሳብ “ምሕረት ብዘይ ተግባር (ግብሪ) ምዉት እዩ” ዝብል ቃል ጠቒሶም ምሕረት ህያው ዝግበር እቲ ዘየቋርጽ ናብቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ናብቶም ኣብ መንፈሳውን ቁሳውን ሽግር ናብ ዝርከቡ ከብልን ንኣኣቶም ንምርካቦም ምውጻእ ማለት እዩ፡ ስለዚህ ምሕረት ኣብ ገዛእ ርእሱ ናብ ትግባሬኡ ዘብል ደራኺ ሓይሊ ኣለዎ። ምሕረት ዝርኢ ዓይኒ ዝሰምዕ እዝንን ዘተንስእ ኣእዳውን ኣለዎ።

ዕለታዊ ሕይወት ናይቶም ኣብ ሕሱም ድኽነትን ኣብ ጽንኵር ኩነትን ዝርከቡ እቲ ብህጹጽ ዘድልዮም በእዳውና ክንትንክፍ የብቅዓና እዩ። ናይቶም ኣብ ስቓይን ድኽነት ዝርከቡን ዝነብርዎ ተመክሮ ብፍሉይ ንምስትዓል መታን ክንክእል እንታይን ከመይን ዝበለ ኣተኩሮ ኢና ክንህበሉ ዝግባእ ዝብል ሕቶ ንነፍሲ ወከፍና ዘቐርብ እዩ። ገለ ገለ እዋን ኣብ ቅድሚ ሕሱም ድኽነታዊ  ኩነታት ከምዘይትንክፈና ኰይና ንሓልፍ። ከምዘየለ ጌርና እውን ንሓስቦን ሸለል እውን ንብሎን ኣብ መወዳእታ ድማ ምስሉይ ብዝገብር ብዘይምግዳስ ንሓልፎ። እዚ ድማ መንፈስ ዘደንዝዝን ሕይወት ዘምክንን ትርጉም ዘይብሉ ሕቡእ መንፈሳውነት የመንጭው፡፡

ናባና ዘብል ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ክንደይ መልክዕ ኣለዎ፡ ከምቲ ኣንሕና ናብ ምሕረት እግዚኣብሔር እንኸዶ ብተመሳሳሊ መልክዕ ድማ ምሕረት ክረኽቡ ብዙሓት ናባና የብሉ፡ ኣብ ሕይወቱ ናይቲ ኣቦ ዝዀነ እግዚኣብሔር ምሕረት ተመክሮ ዝገበረ ኣብ ቅድሚ ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ሕጹጽ ድላይ ዕውል ድንዙዝ ኰይኑ ክተርፍ ዘይከኣሎ እዩ ዝኸውን። እቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 25 ካብ ፍቕዲ 35 ክሳብ 36 “ጠምየ ኣብላዕኩምኒ ጸሚአ ኣስቴኹምኒ ጋሻ ኾይነ መጺአ ተቐበልኵምኒ (ኣአንገድኩምኒ) ዓሪቐ ከደንኩምኒ ሓሚመ በጻሕኩምኒ ተኣሲረ ኣጸናናዕኩምኒ” ዝብክ ቃክ ዝጠቐሱ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድሚ ዝጠመየ ዝባኽን ጊዜ የልቦን፡ ምድንጓይ ዝከኣል እውን ኣይኰነን። ስለዚህ ስለ ዝጠመየ ክትዕንግሎ ጥራሕ እዩ ዝግባእ። ናይ ምሕረት ተግባር ኅልዮ (ክልሰ ሓሳብ) ዘይኰነስ ጭቡጥ ምስክርነት እዩ፡ ናይ ምሕረት ተግባር ስቓይን መከራን ንምፍዋስ እጄታኻ ምዕጻፍ ግድን ዝብል እዩ።

ብምኽንያት ምቅይያራት ኣብ ዓለም፡ እንነብሮ ዘሎና ዓውሎማዊ ቁሳውን መንፍሳውን ድኽነት ኣዚዩ ተራቢሑን ክብ ኣናበለን ክኸይድ ኢዩ ዝገብር ዘሎ። ስለዚህ ሓደስቲ ኣገባብ ግብረ ሰናይ ንምልላይ እናተባህለ ኣብ ፋንጣዝያ ወይ ድማ ንተሓልሞታት ብዙሕ ጊዜ ይባኽን፡ በዚ መልክዕ እዚ ናይ ምሕረት መገዲ ጭቡጥ ምዃኑ ብዘየማትእ መገዲ ንጹር ይኸውን ከምዘሎ ነስተውዕል። ምሕረት ጭቡጥ እምበር ረቂቕ ሓሳብ ኣይኰነን። ምእንቲ’ዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ምችእናን ጣዕምን ዝብል ባህሊ ዘምርቶ ዘሎ ድኽነት ናይ ክርስቲያን ጥማተ ከይደክምን ኣብቲ መሰረታውን ግድነታውን ንምትኳር ዘይበቕዕ ከይከውን መታን ከም ሓላዊ (ዘብዐይና) ንቑሓት ክንከውን ንሕተት።

ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን

ኣብ ዝሓለፉ ማዕልታት እግዚኣብሔር ፍቓዱ ኰይኑ ነታ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ራብዓይ ክፍለ ዘመን እምነት ክርስትና ዝተቐበለት ቀዳመይቲ ሃገረ ኣርመን ክበጽሕ ክኢለ። እቲ ሕዝቢ ኣብ ነዊሕ ታሪኹ እምነት ክርስትና ብደም ሰማዕትነት ዝመስከረ እዩ። በቲ ዘካይድክዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣቢለ ንእግዚኣብሔር ይውድስን የመስግንን ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔርን ንካቶሊኮስ ካረኪን ዳግማውን ፓትሪያርካትን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ንመላእ ሕዝቢ ኣርመንን ናይ ሕውትነትን ሰላምን ነጋዲ ኰይነ ምስ ከድክዎም ንዝገበሩለይ ምዉቕ ኣቀባብላን ኣንገዳን አመስግን።

ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሔር እንተድኣ ኰይኑ ኣብ ጆርጃን ኣዘርበጃንን ካልኦት ሃገራት ካውካሲያን ሓዋርያዊ ዑደት ከካይድ እየ። ነዘን ሃገራት ንኽበጽሕ ዝተገብረለይ ወግዓዊ ዕድመ ምእቕባለይ ብቐዳምነት ኣብተን ሃገራት ዘሎ ክርስቲያናዊ ጥንታዊ መሰረት ዘለዎን ኣብ መንጐ ኣብተን ሃገራት ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ዘሎ ተሰማሚዕካ ናይ ምንባርን ናይ ዘተን ባህሊ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ነዚ ዘተን ምቅርራብን ዝብል ባህሊ ንምትብባዕ እዩ ቢሎም፥ ናይ ሰላም ጉዕዞ ዓቢይ ጽንዓት ከምዝሓትትን ደረጃ ብደረጃ  ዝብጻሕ ምዃኑን በቢ እዋኑ ብእትኹስኩሶን ንሓድ ሕድካ ብምርኻብን  በቢ ዕለቱ ብእተዕብዮ ነኣሽቱ ነገራት ዝረጋገጽ ምዅኑ ታሪኽ ዘስተምህሮ ሓቂ እዩ። ምእንቲ’ዚ ኩላትናን ነፍሲ ወከፍናን ዕርቂ ንምርግጋጽ ኣስተዋጽኦ ከነበርክት ሓደራ እብል።

ከም ክርስቲያን መጠን ኣብ መንጐና ሕይወታዊ ሱታፌ ከነሕይልን ንናይ ክርስቶስ ወንጌል መሰኻኽር ክንከውንን ንቅኑዕን ተሓባባርን ሕብረተሰብ መቧዅዕቲ ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና። ስለዚህ እቲ ኣብ ኣርመን ዘካይድክዎ ሓዋርያዊ ዑደት በቶም ኣብ ቤቶም ንሰለስተ መዓልቲ ብሕውነታዊ መንፈስ ብዘእንገዱኒ ብናይ መላእ ኣርመን ሓዋርያዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ካሪከን ዳግማዊ ሱታፌ ዝተዓደለ እዩ ኔሩ፡ ንመላእ ናይ ኣርመን ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናንን ሰላምታይ ደጊመ አቕርብ። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ እምንትን ምርኻብን ልግስናን ኣብ ዝብሉ ኣብ ናይ ምሕረት ተግባራት ጽኑዓት ምዃኖም ክቕጽልሉ ትደግፎም ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዝለገስዎ ኢዮቤላዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.