2016-06-28 16:09:00

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ክሆር ቪራፕ ገዳም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ እምነት ክርስትና ካብ ዝተቐበላ ሃገራት ብቐዳምነት እትጥቀስ ሃገረ ኣርመን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምክያደይ እዚዩ ሕጉስ እየ። ንዝተገብረለይ ኣቀባብላን እንገዳን አመስግን ዝብል ሓሳብ በቲ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ኣት ፖንቲፉክስ (@Pontifex) እተሰምየ ናይ ግሊ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ዕለት 27 ሰነ 2016 ዓ.ም. መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ክምልከት እንከሎ፡ ቅዱስነቶ ካብ ኣርመን ርእሰ ከተማ የረቫን ካብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ኣርመን ርእሰ ብሔር ሰርዝህ ሳርግስቫን ኣብ ኣርመን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ መላእ ኣርመን ሓዋርያዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ካቶሊኮስ ካረኪን ዳግማዊ ብዝተረኽብሉ ስነ ስርዓት ዝተገብረሎም ስንብታ ከምዘመስገኑ እንክምልከት ቅዱስ ኣቦና ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተን ኣርበዓን ሸሞንተን ደቓይቕ ነቒሎም ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ቻምፒኖ ኣትዮም ናብ ቅድስቲ መንበር ቅድሚ ምእታዎም ድማ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባሲሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ብምኻድ ከምቲ ልሙድ ኣብ ቅድሚ እታ መድሕን ሕዝቢ ሮማ እተሰምየ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ፊት ስለ እቲ ዕዉት ሓዋርያዊ መገሻኦም ከምዘመስገኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ክሕብሩ እንከለዉ ቅዱስነቶም ናይ ኣርመን ሓዋርያዊ ዑደቶም ገዳመ ክሆር ቪራፕ ብዘካይድዎ ምብጻሕ ከምዘጠቓለሉን፡ ገዳመ ክሆር ቪራፕ ውሩይ ቅዱስ ስፍራ ትርጉሙ ድማ ጥልቂ ቤት ማሕቡስ ዝብል ክኸውን እንከሎ እቲ ኣብ እግሪ ጐቦ ኣራራት ዝርከብ ናይ ኣርመን ሰባኬ ወንጌል ቅዱስ ጐርጐርዮስ ዘኣብርሃ ንልዕሊ 13 ዓመት ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን በቲ ክርስቲያን ዘሳድድ ብዝነበረ ንጉስ ቲሪዳተ ሳልሳይ ውሳኔ መሰረት ዝተዳጎኑሉ ዓሚይቕ ጉድጓድ ዝርከብ ስፍራ ክኸውን እንከሎ እቶም ንጉስ ዘጓነፎ ሕማም ብጸሎት ቅዱስ ጐርጐሪዮስ ብዘዕረጐ ጸሎት ፈውሲ ምስ ተዓደሉ ክርስትና እምነት ተቐቢሎም ሃገረ ኣርመን ክርስትያን ሃገር ቢሎም ኣብ ታሪኽ ቀዳመይቲ ክርስቲያን ሃገር ክትከውን ከምዝገበሩ ናይ ኣርመን ማህደር ታሪኽ ክርስትና ከምዘረጋግጾ ቸንቶፋንቲ ኣፍሊጦም።

እቲ ገዳም ንመላእ ኣብ ዓለም ንዝርከቡ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ መንፈሳዊ ንግደት ቅዱስ ስፍራ ምዃኑ ዝንገረሉን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዙሕ መጥቃዕቲ ዝወረዶን ኣብ 1679 ዓ.ም. ዳግም ተሓዲሱ እቲ ናይ ደወል ቁብታ ኣብ 1800 ዓ.ም. ዝተሓንጸ ብናይ መላእ ኣርመን ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፍሳዊ መራሒ ካቶሊኮስ ሕጋዊ ቤተ ክርስቲያናውን ፍትሃ ሕግን ስልጣን ዝመሓደርን ዕለት 27 መስከረም 2001 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መንፈሳዊ ንግደት ዘካየድሉ ቅዱስ ስፍራ እውን ምዃኑ ቸንቶፋንቲ የዘኻኽሩ።

ኣብዚ ቅዱስ ስፍራ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ካቶሊኮስ ካረኪን ዳግማዊ እውን ዕለት 26 ሰኔ 2016 ዓ.ም. ብሓባር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶምን ብሓባር ጸልዮምን ብሓባር ድማ ናይ ሰላምን ንጹህ ልቢ ትእምርቲ ክልተ ረጋቢት ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ቱርክ ግዝኣት ኰይኑ ዘሎ ናይ ኣርመናውያን ክርስትና እምነት ትእምርቲ ተባሂሉ ናብ ዝንገረሉ ናይ ኖህ መርከብ ድሕሪ ማየ ኣይሂ ዝዓረፈትሉ ተባሂሉ ዝንገረሉ ጎቦ ኣራራት ፈኒዮም ምስ ኣብቅዑ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ገዳም ናይ ቅዱስ ጐርጐርዮስ ማእሰርትን ስቓይን ትእምርት ተባሂሉ ዝንገረሉ መስቀል ዝተለበጦ  ናይ ብሩር ፋኖስ ከምዝገለግሱ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.