2016-06-26 13:16:00

ሰንበት ዘአስተምህሮ ሰነ 19- 2008 ዓ.ም (6/26-/2016)


ምስባክ: አንተ እግዚኦ መሓሪ ወመስተሣህል፥ ርኁቀ መዓት ወብዙኅ ምሕረት ወጻድቅ፥ ነጽር ላዕሌየ ወተሣሃለኒ። “ንስኻ ኦጎይታ መሓርን አጸባቕን ኢኻ፥ ካብ መቕጻዕቲ ርሑቕ ብዓል ብዙሕ ምሕረትን ጻድቕን ኢኻ፥ አባይ ጠምት እሞ ምሓረኒ”።

ካብ አባ ገሪማ 17 ሰነ ክሳዕ ብአተ ክረምት 25 ሰነ ዘሎ አብ ስርዓት ሉጡርግያና ዘአስተምህሮ ተባሂሉ ይጽዋዕ ሓንቲ ወይ ክልተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። ንሎሚ ሰንበት ዝዝመር መዝሙሩ፥

 ይብል። እዚ መዝሙር አብ ወርኂ ኅዳር እውን ይዝመር እዩ።

ኩሉ ንባባትና አብ ሓደ ግን ትምህርቲ አብ ዘለዎ ዘተኮረ ኮይኑ ንረኽቦ “ሓዲስ ሕይወት ወይ ትንሣኤ አብ ሕይወት”። አብ ሕይወትና ዝጓነፈና ለውጢ ወይ ተሓድሶ ህያብ ሓዲስ ሕይወት እዩ። ሓዲስ ዕድል አብ ተልእኮ አምላኽ ክትቅጽል ምርካብ እዩ። ከምኡ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ “ርአዪ ወዲኺ/ጓልኪ እንደገና ብሕይወት አሎ/ላ” ከም ዝብላ ዘሎ እዩ፥ እዚ ኸአ ንሓዘን ናብ ሓጎስ ከም ምቕያር እዩ።

እዋናቱ ምስቲ አብ ወቕቲ ዝምስረት እዩ ወርኂ ሰነ ሓዲስ ሕይወት አብ ዘራእትን አታኽልትን ዝጅምረላ እያ። ዝናም ምስ ዘነመ ሓዲስ ፈልሲ ክበቁል ይርአ ኩሉ ንሓዲስ ሕይወት ክጅምር ንርእዮ እዚ አብ ባህርያዊ ነገራት እንዕዘቦ እዩ። አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ብዓለ ጰራቅሊጦስ አብ ዒልና ሓዲስ ሕይወት ክርስትና ለቢስና ክንህሉ እዩ ናይ ሎሚ ሰንበት ዝነግረና ዘሎ።

ክንሕደስ ይድለ አሎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብዚ ዓመት ተሓድሶና አብ “ምሕረት” ገርና ክንጅምሮ ይደልዩና። “ከምቲ ሰማያዊ አቦኹም መሓሪ ዝኾነ መሓርቲ” ኩኑ ዝብል ትምህርቲ መምህርና ክርስቶስ አብኡ መሰረት ገርና ሕይወትናን ርክባትናን ክንመርሕ። ብርግጽ ክንምሕር ክንሓልፎ ዘሎና ነገራት አሎ፥ እዚ ኾይኑ እቲ አብ መወዳእታ ግን ርክብና ብምሕረት ክዛዝም አልኦ። ክርስቶስ አብ መስቀል ምሕረት ምሂሩና አብ ጽንኩርን ከቢድን እዋን ክንምሕር ከም ዘሎና አብ ግብሪ ምሂሩና። እሞ አነ ንሓወይ ንሓፍተይ አብ ሓዲስ ሕይወትን ርክብን ክጅመር ዝዓግተኒ ዘሎ እንታይ እዩ ኢልና እስከ ንሕልናና ንሕተት? ክንምሕር ዘጸገመና እንተ አሎ መስቀል ንጠምት ሽዑ ብርሃን መስቀል አብ መአዲ ምሕረት ክወስደና እዩ።

ሰንበት ዘንበት አብ ቤተ ክርስትያን ክንመጽእ እንከሎና ክንሕደስን ምስ አምላኽን ሰብን ሓዲስ ክርክብ ክንፈጥር ኢልና ኢና። አብ መንበረ ኑዛዜ ኃጢአትና ክንሳሕ ከሎና፥ ቃል አምላኽ ሰሚዕና አብ ልብና ክነሕድሮ ከሎና፥ ሥጋኡ ወደሙ ክንቅበል እንከሎና ሕይወትና ይሕደስ። ሰንበት ሰንበት ምስ ተሓደስና ንስብከት ወንጌል ንልአኽ ካልኦት አሕዋትና ክሕደሱ ንሕግዝ እዚ እዩ ምስጢር አብ ቤተ ክርስትያን ዘምጽአና። ስለዚ ነፍስወከፍ ካብ ቤተ ክርስትያን ከይተሓደሰ ክወጽእ የብሉን። ተሓዲሰ አሎኹ አምላኽ ምሳይ አሎ ኢልና ሕይወት ክንመርሕ ንዕደም አሎና።

አምላኽ ኩሉ ጊዜ ዝተሓደሰ ርክብ ክህልወና እዩ ዝደሊ ነዚ ክንርዳእ አብ ኦሪት ብነብያቱ አብ ሓዲስ ከአ ብሓደ ወዱ ገሩ አብ ግብሪ አርእዩን ነጊሩን።

አብ ቀዳማይ ዘነገስት 17፡ 17-24 ኤልያስ ነብይ ንወዲ ሓንቲ መበለት ካብ ሞት ከም ዘተንሥኦ ነንብብ። ኤልያስ ነዚ ክገብር እንከሎ አብኡ ዘሎ አምላኽ ምስኡ ከም ዘሎን ክሳብ ከንደይ ብእኡ ገሩ ክዓዪ ከም ዝደልን ንርኢ። አምላኽ ምስኡ ዘሎ ሰብ አብ ሕይወት ብመንፈሳውን ሥጋውን ክሕድስ ኃይሊ ከም ዘለዎ ንርኢ። ኤልያስ ነዚ ተአምራት ዝገበሮ እታ መበለት ሓደ ወዳ ምስ ሞተ ኩሉ ተስፋታት ተጸንቂቑ ካብ ሕጂ ንድሓር ሓንቲ ዝግበር የለን ኢላ አብ ተስፋ ቍርጸት እንከላ እዩ ገርዎ። እዚ ዝነግረና ሓደ ነብይ ወይ ካህን ምእንቲ ህዝቡ ክልምን ክጽልን እንከሎ ነገራት አብ ምሕዳስን አብ ምቕያርን ዓቢ ግደ ከም ዘሎ የርድአና። ከም ሳዕበኑ ኸአ ተስፋ ይሕደስ እምነት ይጸንዕ እሞ እንደገና አብ ህዝቢ አምላኽ ሓጎስ ከም ብሓዲስ ከም ዝመጽእ ይገብር። አምላኽ ንልመና ነብያቱ ከይሰምዐ ሱቕ አይብልን እዩ እዚ ኸአ ንኽብሪ ስሙ እዩ።

ኤልያስ ነብይ ካብ ዝገበሮ ተአምራት ብዙሕ ነገር ንምሃር፡ 1. አምላኽ ብልኡኻቱ ዓበይቲ ነገራት ከም ዝሰርሕ። 2. ብእምነት ክንልምን እንከሎና አምላኽ ይሰምዓና እዩ። 3. ትንሣኤን ሕይወትን ካብ አምላኽ ጥራሕ እዩ ክመጽአና ዝኽእል። 

አብ ቀዳመይቲ ንባብና ጳውሎስ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ አብ አምላኽ ከመይ ኢሉ ከም ዝተመልሰ ይነግር። ንሱ ቅድሚ አብ ክርስቶስ ምእማኑ ከም ምዉት እዩ ነሩ ምኽንያቱ ኩሉ ተግባራቱ ካብ ስምዒት ሰብአዊ ባህሪ ተበጊሱ ከም ሳውል እዩ ዝግብር ነሩ፥ እንተ ኾነ ከም ጳውሎስ ብምሉእ ተሓዲሱ ሓዲስ ሰብ ኮይኑ እዚ ኸአ ብጸጋን ፍቕርን ኢየሱስ ክርስቶ ዝኾነ እዩ። ጳውሎስ አብ ሕይወቱ አጸቢቑ ዝተረድኦ ብሰብአዊ ስምዒትን ርድኢትን ተመሪሑ ዝገብሮ ጥፍአት ሞት ከም ዘምጽአሉ ንክርስቶስ ምስ አመነ ግን ሕይወትን ትንሥኤን ከም ዝረኸበ እዩ። ንሕና እውን ከም ጳውሎስ ብጸጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢና እንሕደስን አብ ሓዲስ ሕይወት እንአቱን። ስለዚ ሕይወትና ብነጻ ጸጋ ዝተዓደለ እዩ፥ እዚ ኸአ ዓላማ አለዎ ማለት አምላኽ ንሓደ ሰብ ጸግኡ ክህቦ እንከሎ ንፍሉይ ዓላማ እዩ ዝዕድሎ።

ጳውሎስ አብ ሓዲስ ሕይወት ዝአቶ ንክርስቶስ ክምስክር ምእንቲ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ “ወንጌል እንተ ሰበኽኩ ዝምክሓሉ የብለይን ምኽንያቱ ክሰብኽ ምእዙዝ እየ እንተ ዘይሰበኽኩ ግን ወይለይ” (1ቆሮ 9፡16) እናበለ ምኽንያት ተሓድሶኡ ዝገለጽ። አምላኽ ንጳውሎስ አብ ሓዲስ ሕይወት ዘእተዎ ንሱ ንኻልኦት አብ ሓዲስ ሕይወት ክአትዉ መጋበሪ ምእንቲ ኸውን እዩ። ንሕይወት ሰባት ብክፉእ ዘይ ኮነ ብጽቡቕ ነገር ክትንክፍ፥ ከምቲ ቀደም ዝገብሮ ዝነበረ ዘይ ኮነ አብ ሕይወትን ጸጋን ክመርሕ እዩ ተዋሂቡ ዘሎ። ንጳውሎስ ዝተዋህበ ሓዲስ ሕይወት ንኻልኦት አብ ክንዲ ሓዘንን ፍርሕን ዘምጽእ ሓጎስ ሰላም ተስፋን ከምጽእ ምእንቲ እዩ።

አምላኽ ንነፍስወከፍና ንሰባት ሕይወቶም ክንቅይር ክልእከና ጸግኡ ይዕድለና። ሕይወት ሰባት ክንቅይር መጀመርያ ንርእስና ክንቅየር አሎና፥ ከም ጳውሎስ ፍጹም ተሓድሶ የድልየና አተሓሳስባና መንፈስና እምነትና ኩሉ ቀይርና አብ ሓዲስ ምዕራፍ ሕይወት ክንጽመድ እሞ ንኸማና ዝአመሰሉ ሰባት አብ አምላኽ ክንመልሶም ከምቲ ንሕና ተሓዲስናዮ ዘሎና ክሕደሱ እሞ ብወገኖም ንተልእኮ አምላኽ አብ ኩሉ ከም ዘብጽሑ ክንገብሮም።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል እንተ ተመለስና ምስቲ አብ ፩ዘነ 17፡17-24 ዘሎ ዝመሳሰል ኮይኑ ንረኽቦ። ክልቲኡ ንሓደ ውሉድ ሓዲስ ሕይወት ከም ዝረክብ አብ ዝብል ዘተኮረ እዩ። አብ ክልቲኡ ዝመሳሰልን ዘይመሳሰልን ነገራት አለዎ፥ ዝመሳሰል አደን መበለትን አብቲ ጉዳይ ይጥቀሳ። ናይ ውሉድ ነገር አብ ክልቲኡ ይንገር። እቲ ውሉድ ምስ ሞተ ናይ አምላኽ ሰብ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ይመልሶ እሞ ነዲኡ ይህቦ። እዚ ምትንሣእ አብ ሓዲስ ሕይወት ምምላስ ሓጎስ ፈጢሩ አብ ምምስጋን አምላኽ የብጽሕ።

ዘይመሳሰል ኤልያስ ከም አገልጋሊ አምላኽ ነቲ ዝሞተ አብ ሕይወት ክመልስ ፍሉይ ስርዓታትን ጸሎትን ተጠቒሙ። ኢየሱስ ግን ናብ ዝኾነ ዝጸለዮ የብሉን። ነታ መበለት መጸናኒዒ ይዛረባ ሽዑ ነቲ ወዲ ተንሥእ ኢልዎ። ኢየሱስ ትንሣኤን ሕይወትን እዩ ኤልያስ ግን አገልጋሊ አምላኽ እዩ። ንኤልያስ እታ መበለት ለሚናቶ፥ አብ ወንጌል ግን ኢየሱስ ዝለመኖ ዘይብሉ ባዕሉ እዩ ነቶም ሬሳ ዝተሰከሙ ደው አቢሉ ዘተንስኦ። ኢየሱስ አብ መንገዲ እዩ ነቲ ተአምራት ፈጾምዎ ኤልያስ አብ ገዛ። ኢየሱስ ንሱ እቲ መገዲ እዩ። ኩልና በዚ መገዲ ክንጉዓዝ እንሕተቶ።  

አብዚ መሰረት ገርና አብ ሕይወትና ክንርኢ ይሕግዘና ማለት ክሳብ ክንደናይ ብሕይወት ዘሎና ኢና። ሓደ ክህን ከም ዝብልዎ መብዝሕትና ዝሞትና ወይ ዝደቀስና ኢና። አብዚ ዘሎናዮ ዓለም ከምቲ ክነብሮ ዘሎና አይነብርን። እንነብሮ ብኽልተ ክንርእዮ ንኽእል፡ አብ ዝሓለፈ ነገራት ጥራሕ እናጠመትና ንእኡ እናአድነቕና ንነብር። ወይ ከአ አብ ዝመጽእ ጥራሕ አተኲርና ንድሓር ገና ዘየሎ ንነብር። ሽዑ እቲ ሓቀኛ ዓለምን ሕይወትን ከየስተውዓልና ይሓልፍ። John Powll ዝተባህለ ካቶሊካዊ ጸሓፋይ ከም ዝብሎ መብዝሕትና ካብቲ ዘሎና ዓቕሚ ንእሽቶይ ጥራሕ እና እንጥቀም፥ ፍርቂ ሕይወት ኢና ዳርግ እንነብር ይብል በዚ ኸአ “Fully Human, Fully Alive” ዝብል መጽሓፍ ጽሒፉ። ቅ. ኢረነዩስ  “ክብሪ አምላኽ ሰብ ምብሉእ ክነብር እንከሎ” እዩ ይብል።

ሎሚ ሕይወትና ብምሉእዶ ንነብሮ አሎና። ብአካል ብግዙፍ ጥራሕ ምንባር እኹል አይኮነን። ካልእ መለኪዕታት አሎ “ስምዒት፥ ማሕበራዊ፥ አእምራዊ፥ ሞራላዊን መንፈሳውን ደረጃታት”። ከምኡ ልክዕ ከማና ዝአመሰሉ ፍርቂ ፍርቂ ዝኾነ ሕይወት ዝነብሩ ብዙሓት አለዉና። ምናልባት ንሕና ካብቲ ዘለውዎ ክወጽኡ ወይ ሓፍ ክብሉ እሞ ሓዲስ ሕይወት ክለብሱ እሞ ዝነብርዎ ዓይነት ከማሓየሽ ሓገዝቶም ክንከውን ንኽእል ኢና። ኢየሱስ አብ ሓደ ትምህርቱ ዝሃበና ተስፋ ሕይወት ምእንቲ ክንረክብ ብምልአትውን ምእንቲ ክንረኽባ ከም ዝመጸ ነጊሩና (ዮሓ 10፡10)። አብዚ ኢና እምብአር ክንሓትት ዘሎና። 

ዝኾነ ተሓድሶ ሓዲስ ዕድል አብ ሕይወት ዝኸፍት እዩ። አብዚ ዓለም ተልእኮና ክንፍጽም ዕድል ዝህብ እዩ። ዕለት ዕለት ክርስቶስ ብምስጢረ ሕይወት ገሩ ሕይወትና ይሕድሶ እዚ ኸአ ሓዲስ ዕድል አብ ተልእኮኡ ክንጽመድ እሞ ፍረ ዘልኦ ሕይወት ምእንቲ ክነብር እዩ። ክርስቶስ ነዚ ሓዲስ ሕይወት ዝህበና ብፍሉይ ንምስጢረ ንስሓን ቅዱስ ቍርባንን አብ ግብሪ ክነዘውትሮም እንከሎና እዩ። ሓደ ሰብ ብኃጢአቱ ተነሲሑ አብ መንበረ ኑዛዜ ቀሪቡ ክሕደስ እንከሎ እሞ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ብንጹሕ ሕልና ክካፈል እንከሎ ምሉእ ጸጋ ይዕደል። ክርስቶስ አብ ሓዲስ ሕይወት ከእትወና እንከሎ ሕይወት ብምልአት ክነብሮ እዩ ዝደልየና እዚ ማለት ከአ ብምሉእ ምስኡ ሓደ ክንከውን። ከምቲ ቅዱስ አጎስጢኖስ “ሕይወትና ዕረፍቲ እትረክብ ንአኻ ምስ ረኸበት ጥራሕ እያ” ዝብሎ ምልአትን ሓቀኛ ትርጉም ሕይወትን አብ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ ዝርከብ። ንሕይወት ብምልአት ክነብሮ ብብርሃን ክርስቶስ ክንምራሕ ከምኡ ብሓቁ ክነብር የድሊ።

ካልእ ምኽንያት ክርስቶስ ሓዲስ ሕይወት ዘልብሰና ንኸማና ዝበሉ ሰባት ሓዲስ ሕይወት ክለብሱ አብኡ ክነምጽኢ ክነቕርቦም ንማለት እዩ። ከምቲ ኢየሱስ ነቲ ጎበዝ ካብ ሞት ምስ አተንስኦ ነዲኡን ቤተ ሰቡን ሓጎስ ዘምጽአሎም ንሕና እውን ነቶም አብ ከባቢና ዘለዉ ሓዲስ ሕይወትን ተስፋን ከም ዝረኽቡ ክንገብር ንማለት እዩ።

አብ መወዳእታ ቤተ ክርስትያን ሓደ ንጹር መልእኽቲ ክትነግረና ትደሊ አላ ናይ ሕይወት ምንጪ አምላኽ እዩ። ንሱ ዋና ሕይወትና ስለ ዝኾነ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ሕይወት ክንመርሕ ይደልየና አሎ። ንሱ ብኢየሱስ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ገሩ ሕይወትና ይሕድስ። ትርጉምን ምኽንያት ተፈጥሮና እዚ ካብ ኮነ አብ ሕይወትና እንታይ ክንገብር ይግብአና? ንሕና እንነብሮ ንርእስና ኢልና አይ ኮናን እንንነብር ንአምላኽ ኢልና ኢና እንነብር።

ሓዲስ ሕይወት ልቢስና እንነብረሉ ጸጋ ይዓድልና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   

 








All the contents on this site are copyrighted ©.