2016-06-25 16:16:00

ናይ ክርስቲያን ሓድነት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣርመን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሰረት ናይ ክርስቲያናዊ ሓድነት ርክብ ከምዘካየዱ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ሓቢረን፡ ኣብቲ ንናይ ክርስቲያን ሓድነት ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኣርመን ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ፓትሪያርክን ካቶሊኮስን ናይ መላእ ኣርመን ብፁዕ ወቅዱስ ካሪኪን ዳግማዊ ፍትው ሓው እንክብሉ ገሊጾም ኣስዒቦም ክቡር ርእሰ ብሔር ፍትዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባኦም፥

ናይ እግዚኣብሔር ቡራኬን ሰላምን ምስ ኩሉኻትኩም ይኹን ቢሎም

ነታ ጥንታዊት መሬት ክርስትና ክበጽሑ ዝነበሮም ሓንቀውታ ምልስ እንክብሉ ዘኪሮም ነቲ ናይታ ሃገር ክርስትና ባህልን ሰማእትነታን ዘዘኻኽር ካብ እምኒ ዝተጸርቡ መሳቕላት እምነት ክርስትና ውሻጣዊ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። ዘሎኒ ሕውነታዊ ፍቕሪ ክገልጸልኩም ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕውነት ንኽምስክረልኩም ካብ ሮማ መንፈሳዊ ነጋዲ ኰይነ ኣብ መንጐኹም እርከብ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካምፒዚ ኣስዒበን፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኣረመን ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ታሪኻዊ ርክብ ዳህሲሶም እቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ርክብ ናይ ስነ ሓሳብ ልውውጥ ማለት ዘይኰነስ እቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ንምልላይን ብምትእምማንን ብሓገዝ እግዚኣብሔር ብምርኻብ ኣብቲ እንኰ ዝኾነ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መስዋዕቲ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ህልው ዝዀነ ምሉእ ሱታፌ ንክህሉ ዝሓለነ እዩ።

እቲ ብደም ሰማዕታት ዝተሓትመ ኣብ ክርቶስ ዘሎና ናይ ሓባር እምነት ብሓድነት ንኽንነብሮ ኣሚትና ኣብ እንፍጽሞ ናይ ሓባር ጉዕዞ ድጋፍ እዩ። ነቲ ሓደ መታን ክዀን ኣንክብል ኢየሱስ ነቡኡ ዘቕረቦ ጸሎት መሰረት ዝገበረ ንናይ ሓድነት ሱታፌ ዓቢይ ጻዕሪ ዘካየዱ ቅዱስ ካቶሊኮስ ነርሰስ ሽኖርሃሊን ዝጠቐሱ ቅዱስ ኣቦና ሓድነት ናይ ሜላታት ሓለፋ ዘይኰነስ ወንጌላዊ ቅንዕና እዩ።  ቅዱስ ኣቦና ኣድላይነት ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ሰብኣዊ ድላይ ጥራሕ ዘይኰነስ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብጸሎት ኣቢሉ ዝገለጾ ድላይ እዩ። ከምዚ ምዃኑ ድማ ቅዱስ ነርሰስ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያናት ሓድነት ብስነ ኢየስሳውነትን ክርስቶሳውነትን ስነ ቤተ ክርስቲያናውነትን ብፍላይ ድማ ቃለ ቅዱስ መጽሓፍ መሰረት ዘለዎ ምዃኑ ኣሚኖም ንኸእምኑ ናይ ጐይታ መልኽቲ እተሰምየ ነርሰስ ሽኖርሃሊን ካቶሊኮስ ናይ መላእ ኣርመን ኣብ 1873 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ይትንትንዎ። ሕድ ሕዳዊ ተደላላይነትን ፍቅርን ፍቅሪ ቅድመ ፍርድታት የወግድን ምግምማዕን ምግምማዕ ሓዲግዎ ዝሓለፈ ኣቑሳልን በሰላታትን ይፍውስ። ስለዚህ እቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጻዕሪ ክኽተሎ ዝግብኦ መገዲ ከምቲ ቅዱስ ነርሰስ ዘመልክቶ ሃብታም ክነሱ ድኻ ኰነ (2ቆር.8,9) ገዛእ ርእሱ ኣዋረደ (ፊሊ. 2,8) ገዛእ ርእሱ ትሕት ኣበለ ዝብሉ ክርስቶሳዊ ባህርያት እያቶም። ትሕትናን  ነቲ ናይ መንፈስ ህያብ ዝዀነ ሓድነት ሕድ ሕድና ብሓቀይና ልቢ ብምፍቕቓር ቅርቡነትና ንግለጽ። ብጽንዓት ናብቲ ምሉእ ሓድነት ኣቕኒዕና ንጓዓዝ ከምዝበሉ ካምፒዚ ገሊጸን።

ሰላመይ እህበኩ፡ እቲ ዝህበኩም ሰላም ከምቲ ዓለም ዝህቦ ሰላም ኣይኰነን (ዮሓ. 14,27) ነቲ ናቱ ሰላም ንድለይ። እቲ ዓለም ክረኽቦ ቢሉ ላዕልን ታሕትን ዝብሎ ምሉእ ሰላም እቲ ንሱ ዝህቦ ሰላም እዩ። ኣብ ጐደና ሰላም ክንደይ መሰናኽላት። ዘሕዝን ኩነት ውግእ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብተን ዓመጽን ውግእን ዝረአየለን ሃገራት ዘሎ ዘሰንብድ ኩነት ዓመጽን ስደትን ነዚ ዓይነት ጸረ ሰላም ተግባር ዘጓሃህር ንግድ ኣጽዋርን ምስፋሕ ናይ ውግእ ኣጽርን ጽልእ ዝወልድ ንሰብኣዊ ፍጥረት ሰብኣውነት ዘይምኽባርን ዝኣመሰሉ ጸረ ሰብኣውያን ተግባራት ጠቒሶም ቀጺሎም ድማ ናይ ሕዝቢ ኣርመን ስቓይን ስደትን ዘኪሮም ስቓይ ሕዝቢ ኣርመን ስቓይና እውን እዩ። ስቓይ ኣካለ ክርቶስ ስለ ዝዀነ ናትና ስቓይ እውን እዩ ዝብል ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣርመን ጥምቀት ዝተቐበለትሉ ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ምኽንያት ኣብ 2001 ዓ.ም. ኣብ  ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልኽቲ ዘስፈርዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ እቲ ስደትን መከራን ካልእ ከምኡ መሰል ዓይነት ሓደጋ ንኸይክሰት ነባሪ ታሪኽ እዩ ከምዝበሉ ካምፒዚ ኣፍሊጠን።

እቲ ኣብ ናይ ኣርመን ታሪኻዊ ጽንኩር እዋን ንናይ ሕዝቢ ኣርመን ዳግማዊ ልደት ድርዀት ዝዀነ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኣርመን ዝወረደ መሪር መከራ ብምሕሳብ እምነት ክርስትና ዘለዎ ልዑል ተደናቕነት ክዝክር እደልይ።  እምነት ክርስትና ንናይ ምሕረትን ድሕነትን ፋሲካ ክፉታት ንምዃን ዘብቅዕ እቲ እውነተይና ሓይሊ ዝዀነኩም እምነት እዩ፡ ኣብ ምሸት ፋሲካ ኢየሱስ ነቲ ቅንዋቱ ንደቀ መዛሙርቱ የርእይ እዚ ድማ እቲ ከቢድ መከራን መስቀልን ናብ ናይ ድሕነት መስቀል ሓይሊ ዝልወጥ ምዃኑ ይምስክር። ኣርመናውያን ናይዚ ዘርኢ ሰላም መስቀል መሰኻኽር እያቶም ከምዝበሉ ዝሓበራ ካምፒዚ ኣስዒበን፥ ብፍቕሪ ዝሓለፈ ተዘክሮ ኣብቲ ብጽልእ ዝርበጽ ቦታ ንኹሉ ብርሁ መጻኢ ዘተስፍው ገበርቲ ሰላም ብፁዓን ዝዀኑሉ (ማቴ.5,9) ናይ ዕርቂ መደባት ከዋኒ እዩ ዝኸውን ኢሎም፥

ክቡራት መንእሰያት መጻኢ ናትኩም እዩ ናይቶም ኣረጋውያን ኣበው ዓቢይ ተመክሮን ጥበብን ናትኩም ጌርኵም ገበርቲ ሰላም ንምዃን ህንጡያት ደኣ እምበር ናይቲ ገና ዘይጠፍአ ኩነታት መስከርቲ ኣይትዅኑ። ናይ ምርኻብን ዕርቅን ስሉጥ ኣነቓቓሕቲ ኩኑ፡ እግዚኣብሔር መጻኢ ጊዜኹም ይባርኽ ቢሎም፥ በዚ መንጽር እዚ ዘረባይ ንምዝዛም ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ እቲ ዓቢይ ናይ ሰላመ ክርስቶስ ምስክርን ሰራሓን ዝዀነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ቅዱስ ጎርጎሪዮስ ዘናረቅ ናይ ሰላም ሊቅ እውን ተባሂሉ ክግለጽ ዝግብኦ ኣዩ። ንጸላኢ ካብ ጐይታ ምሕረትን ዕርቅን ዝተማሕጸነ እዩ። ዓለም ናይዚ ባህሊ ወራሲ ዝዀነ ሕዝቢ ኣርመን የድልዮ፡ ስብከቱን ምስክርነቱን የድልዮ እዩ ቢሎም ሰላም ምሳዅም ይኹን ከምዝበሉ ኣፍሊጠን፡ 








All the contents on this site are copyrighted ©.