2016-06-25 16:19:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ መግለጺ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 14 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ኣርመኒያ ይቕጽል ከምዘሎ ክምልክት እንከሎ ቅዱስነቶም ኣብ ኣርመኒያ ምስ ኣተዉ ምስ ናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ዓበይቲ በዓል ስልጣናትን ኣካላትን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዝተጠቀምሉ ህልቂት ወይ ድማ ምጽናት ዝብል ቃል ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣርመናውያን ዝተፈጸመ ግብረ ህልቂት ዝሓደጎ ጓሂን ቁስልን ንምዝካርን ንምፍዋስን  ደኣ እምበር እቲ ጓሂ ዳግማይ ንምብርባርን ንምሕዳስን ኣይኰነን፡  ስለዚህ እቲ ቀንዲ መልእኽቱ ድማ ብሓባር ዕርቂ ንምሕናጽን ሰላም ኣብ መጻኢ ንምትብባዕን እዩ፡ ስለዚህ በዚ መንፈስ እዚ እዮም እቲ ሕልቂት ዝብል ቃል ዝተጠቀሙ እንክብሉ ኣብቲ ሓዋርያዊ መገሻ ንቕድስነቶም ዘሰንዩ ዘለዎ ናይ ቅድስቲ መንንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሓቢሮም።

ኣባ ሎምባርዲ ቀጺሎም እውን እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣርመናዊት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ብሓቂ ንሓድነት ኣሚቱ ዝካይድ ርክብ ዝነኣድ ምዃኑ ኣፍሊጦም፡ እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ብዝኣመት ዝካይድ ናይ ሓባር ዘተ ዝተመልከት እዩ ቢሎም ኣታ ኣርመናዊት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ጥንታዊት እያ፡ ኣብ ዓንቀጸ እምነት ኣብ ዘማእከለ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጻዕሪ ዕዉት እዩ፡ ኣብ ዓንቀጸ እምነት መዳይ ፍልልይ የሎን ክበሃል ይከኣል ቢሎም ቅዱስ ኣቦና ብናይ ኣርመንዊት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ናይ ኤትችሚኣድዚን ካቶሊኮስ ዝተገብረሎም ኣቀባብላን እዚ ድማ እቲ ኣብ መንጐ ጳውሎስ ሻድሻይን ካቶሊኮስ ቫስከን ቀዳማዊ ድሕሪ ፍጻሜ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተኻየደ ናይ ሓባር ርክብ ዘዘኻኽር እዩ ቢሎም ኣብ መንጐ ኣርመናዊት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ኣርመን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ሰናይ እዩ። ዝተኻየደ ናይ ሓባር ጸሎትን ቀጺሉ እውን 40 ብፁዓን ጳጳሳት ዘሳተፈ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ካቶሊኮስን ዝተኻየደ ርክብ ቤተሰብኣዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ምንባሩ ሓቢሮም።

ሕዝቢ ኣርመን ብዙሕ ጸገም ዘሕለፈ ህዝቢ እዩ። ብዙሕ ጊዜ እውን በቲ ዘለዎ መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣኡ ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለዩ ውሽጣዉ ሁከት ኣብ ዝንበረሎም ከባቢታት ክርከብ ገይርዎ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ብዙሕ ስቓይን መከራን ዓመጽን ኣጓኒፍዎ እዩ። ጸኣት እርመናውያን ሰፊሕ ታሪኽ እዩ፡ መላእ ኣርመን ክርስቲያን እዩ። ክርስትና ድማ መለለይኡ እዩ። ኣብ ዓለም እቲ ዝረአይ ዘሎ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ባህሊ እውን ኣብ ሃገረ ኣርመን ዓቢይ ጽላዋ ገይሩ እዩ እንተዀነ ግና ክርስትናኡ ብሔራውን ሕዝባውን ሰብኣውን መለለይኡ ምዃኑ ዝእመነሉ ሓቂ እዩ ኢሎም እቲ ኣብ ልዕሊ ኣርመናውያን ዝወረደ ግፍዒ እውን ናይ እምነት ሰማእትነት እዩ። እዚ ሰማዕትነተ እዚ እውን ዝሓለፈ ዓመት ኣርመናውያን ኣብ ሮማ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ቅዱስ ኣጽም ቅዱስ ጴጥሮስ ንምስላም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተረኽብሉ እዋን ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ናይ ኣርመን ርእሰ ብሔርን ክልቲኣቶም ካቶሊኮስን ናይ ኣርመን ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ኣርመንን ኣብ ኣርመን ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ እውን ከምእተሳተፉ ዝዘከሩ ኣባ ሎምባርዲ ኣተሓሒዞም ከምቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝብልዎ ዝነበሩ ተዘክሮ ምንጻሕ ይግባእ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና በዚ መልእክዕ’ዚ እዩ እቲ ሕልቂት ዝብል ቃል ዝተጠቀምሉ ቢሎም ናይ ኣርመን ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ሩዋንዳን ኣብ ቦስኒያን እውን ዝተፈጸመ ሕልቂት ቅዱስነቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን  በዚ መልክዕ ክንበብ ከምዝግብኦ ይመርሑ እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.